ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/10 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትንሳኤ—ንመንን ኣበይን፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ምዉታት ተስፋ ኣለዎምዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
    ብስራት ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/10 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምዉታት ተስፋ ኣለዎምዶ፧

ሞት ልክዕ ከም ድቃስ እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ምዉታት ገለ እኳ ስለ ዘይፈልጡ ምንም ነገር ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈጣሪ ህይወት፡ ንምዉታት ከተንስኦም እዩ። ኣምላኽ ንየሱስ እተወሰኑ ሰባት ካብ ምዉታት ንኼተንስእ ሓይሊ ምሃቡ፡ ነዚ መርትዖ ዚኸውን እዩ።—መክብብ 9:5፣ ዮሃንስ 11:11, 43, 44 ኣንብብ።

ሞት ከም ድቃስ ዚኸውን ከመይ ኢሉ እዩ፧

ኣምላኽ ነቶም ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንኺነብሩ ኸም ዜተንስኦም ተመባጺዑ ኣሎ። እቶም ዚትንስኡ ሰባት፡ ኣምላኽ ክሳዕ ዜተንስኦም ሞይቶም እዮም ዚጸንሑ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክእለቱን ሓይሉን ተጠቒሙ ንምዉታት ከተንስኦም ይናፍቕ እዩ።—እዮብ 14:14, 15 ኣንብብ።

ትንሳኤ ኸመይ እዩ ኪኸውን፧

ኣምላኽ ንሰባት ምስ ኣተንስኦም፡ እቶም ዚትንስኡ ንርእሶምን ንፈተውቶምን ንስድራ ቤቶምን ከለልዩ እዮም። ኣካል ሰብ፡ ሽሕ እኳ እንተ መሽመሸ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ሓድሽ ኣካል ብምሃብ ኬተንስኦ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:35, 38 ኣንብብ።

ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ ኺትንስኡ እዮም። (ራእይ 20:6) መብዛሕትኦም ዚትንስኡ ሰባት ግና፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ እዮም ዚነብሩ። ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሓዝ ከኣ ህይወት እንደገና ኺጅምሩ እዮም።—መዝሙር 37:29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ካብ www.pr418.com ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ