ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር
ምዉታት ተስፋ ኣለዎምዶ፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።
1. ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
የሱስ ኣብታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ቢታንያ እትበሃል ዓዲ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ምስተን ማርታን ማርያምን ዝስመን ኣሓት እቲ መዋቲ ድማ፡ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ከደ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣብቲ ቦታ ተኣከቡ። የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምስ ኣተንሰኦ፡ ማርታን ማርያምን ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሳ እሞ ሕሰብ!—ዮሃንስ 11:20-24, 38-44 ኣንብብ።
ማርታ፡ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ትኣምን ነይራ እያ። እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንምዉታት ኣተንሲኡ እንደገና ኣብ ምድሪ ኸም ዜንብሮም፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—እዮብ 14:14, 15 ኣንብብ።
2. ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧
ሰባትን እንስሳታትን ሓይሊ ህይወት፡ “መንፈስ፡” ወይ “እስትንፋስ” እኳ እንተ ኣሎና፡ ስጋ ዝለበስና መንፈስ ግን ኣይኰንናን። (ዘፍጥረት 7:21, 22፣ መክብብ 3:19) ኵላትና፡ ካብ ሓመድ ምድሪ እተሰርሐ ኣካል ዘሎና ፍጡራት ኢና። (ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19) ኣእምሮና ምስ ሞተ፡ ሃቐናና ወይ ሓሳባትና ይጠፍእ እዩ። ኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ሞይቱ ኸሎ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዅነታት ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን፣ እዚ ኸኣ፡ ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ዚሕብር እዩ።—መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5, 10 ኣንብብ።
ምዉታት ከም ዘይሳቐዩ እምበኣር ንጹር እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሰባት ምስ ሞቱ ኣምላኽ ከም ዜሳቕዮም ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ሓሶት እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንኣምላኽ ዜካፍእ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ንሰባት ብሓዊ ምስቓይ ዚብልዎ ሓሳብ ኣዝዩ እዩ ዚጸልኦ።—ኤርምያስ 7:31 ኣንብብ።
3. ምስ ምዉታት ክንዘራረብ ንኽእልዶ፧
ምዉታት ኪዛረቡ ኣይክእሉን እዮም። (መዝሙር 115:17) ኰይኑ ግን፡ እኩያት መላእኽቲ ንሰባት፡ መናፍስቲ ምዉታት መሲሎም ብምዝራብ፡ ኬታልልዎም ይኽእሉ እዮም። (2 ጴጥሮስ 2:4) የሆዋ ነቲ ምስ ምዉታት ንምዝርራብ ዚግበር ፈተነ ኸልኪሉ እዩ።—ዘዳግም 18:10, 11 ኣንብብ።
4. መን እዮም ዚትንስኡ፧
ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መቓብር ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ኪትንስኡ እዮም። ንየሆዋ ብዘይምፍላጦም፡ ክፉእ ተግባር ዚገብሩ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት እውን ከይተረፈ ኺትንስኡ እዮም።—ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።
እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺመሃሩን ንየሱስ እዙዛት ብምዃን እምነቶም ኬርእዩን እዮም። (ራእይ 20:11-13) እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡን ሰናይ ዚገብሩን ሰባት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ገሊኦም ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ግን፡ እከይ ምግባር ኪቕጽሉ እዮም። ስለዚ፡ ትንሳኤኦም፡ “ትንሳኤ ፍርዲ” ኪኸውን እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።
5. ትንሳኤ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧
ትንሳኤ ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ኣምላኽ ንወዱ፡ ኣብ ክንዳና ህይወቱ ኺህብ ስለ ዝለኣኾ እዩ። ስለዚ፡ ትንሳኤ መግለጺ ፍቕርን ጸጋን የሆዋ እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23 ኣንብብ።
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ እዩ ተፈጢሩ