ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 6 ሕቶ. 1-5
  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምዉታት ተስፋ ኣለዎምዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • እንተ ሞይትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ይኸውን፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 6 ሕቶ. 1-5

ትምህርቲ 6

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

1. ብዛዕባ ምዉታት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧

ማርታን ማርያምን ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ  ኣልኣዛር ሓወን ኪቕበላኦ ኸለዋ

የሱስ ኣብታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ቢታንያ እትብሃል ዓዲ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ፈታዊኡ ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ምስተን ማርታን ማርያምን ዝስመን ኣሓት እቲ መዋቲ ድማ፡ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ከደ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ተኣከቡ። የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምስ ኣተንስኦ፡ ማርታን ማርያምን ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሳ እሞ ሕሰብ!—ዮሃንስ 11:21-24, 38-44 ኣንብብ።

ማርታ ነቲ ብዛዕባ ምዉታት ዚገልጽ ብስራት ኣቐዲማ ትፈልጦ ነይራ እያ። የሆዋ ንምዉታት ኣተንሲኡ እንደገና ኣብ ምድሪ ኸም ዜንብሮም ትፈልጥ ነይራ እያ።—እዮብ 14:14, 15 ኣንብብ።

2. ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

ኣዳም ምስ ተፈጥረ፡ ጸኒሑ ድማ ምስ ሞተ

ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ” በሎ።​—ዘፍጥረት 3:19።

ካብ ሓመድ ምድሪ ኢና ተፈጢርና። (ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19) ይኹን እምበር፡ ስጋ ዝለበስና መንፈስ ኣይኰንናን። ኣካል ዘሎና ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞት እተምልጥ ነፍሲ የብልናን። ምስ ሞትና፡ ሓንጎልና ስለ ዚመውት፡ ሓሳባትና ይጠፍእ እዩ። ኣልኣዛር ሞይቱ ኸሎ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ዅነታት ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን፣ እዚ ኸኣ፡ ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ዚሕብር እዩ።—መዝሙር 146:4፣ መክብብ 9:5, 6, 10 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንሰባት ድሕሪ ሞት ብሓዊ የሳቕዮም ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ስለ ዚነግረና፡ ገሃነም እሳት ንኣምላኽ ዜካፍእ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ንሰባት ብሓዊ ምስቓይ ዚብልዎ ሓሳብ፡ ንኣምላኽ የስገድግዶ እዩ።—ኤርምያስ 7:31 ኣንብብ።

ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

3. ምዉታት ኪዛረቡና ይኽእሉዶ፧

ምዉታት ኪዛረቡ ዀነ ኺሰምዑ ኣይክእሉን እዮም። (መዝሙር 115:17) ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም እኩያት መላእኽቲ፡ ምዉታት ሰባት መሲሎም ብምዝራብ፡ ኬታልሉ ይኽእሉ እዮም። (2 ጴጥሮስ 2:4) የሆዋ ንምዉታት ምጥያቕ ከልኪሉ እዩ።—ዘዳግም 18:10, 11 ኣንብብ።

4. መን እዮም ዚትንስኡ፧

ካብ ሞት ዝተንሰአ ሰብኣይ፡ ኣብ ገነት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪመሃር ከሎ። እቲ ሰብኣይ፡ ብግዲኡ ንዝተንስኡ ሰባት ኪምህር ከሎ።

ኣብ መቓብር ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ ምድሪ ንምንባር ኺትንስኡ እዮም። ንኣምላኽ ብዘይምፍላጦም ክፉእ ተግባር ዚገብሩ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት እውን ከይተረፈ ኺትንስኡ እዮም።—ሉቃስ 23:43፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ።

እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺምሃሩ፡ ንየሱስ እዙዛት ብምዃን ድማ እምነቶም ኬርእዩ እዮም። (ራእይ 20:11-13) እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡን ሰናይ ዚገብሩን ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።

5. ትንሳኤ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧

ኣምላኽ ንወዱ ኣብ ክንዳና ኺመውት ብምልኣኽ፡ ብዛዕባ ምዉታት ተስፋ ኸም ዚህሉ ገበረ። ስለዚ፡ ትንሳኤ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋን ጸጋኡን ይምህረና እዩ። ምዉታት ኪትንስኡ ኸለዉ ብፍላይ ንመን ክትረኽቦ ምደለኻ፧—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 6ን 7ን 10ን እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ