ሕቶታት ኣንበብትና
ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧
▪ ብዙሓት ሰባት ነተን የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ እተዛረበን ቃላት ይፈልጥወን እዮም። (ዮሃንስ 3:16) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እቶም ንኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ዜምልኹ እሙናት ሰባት ኵሎም፡ ንዘለኣለም ተሓጒሶም ምእንቲ ኺነብሩ ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ድዩ ዚገልጽ ነይሩ፧
ብዛዕባ እተን፡ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን” ኢሉ የሱስ እተዛረበን ቃላት እሞ ሕሰብ። (ዮሃንስ 3:13፡ ትርጕም 1990) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ከም ኖህን ኣብርሃምን ሙሴን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ሰማይ ከም ዘይከዱ እየን ዚእምታ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:34) ናበይ ደኣ እዮም ከይዶም፧ እዞም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ፡ ኣብ መቓብር ኰይኖም ትንሳኤ ይጽበዩ ኣለዉ፣ ሞይቶም ስለ ዘለዉ ኸኣ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።—መክብብ 9:5, 6፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15።
ድሕሪ ሞት ኣብ ሰማይ ብዛዕባ ዚርከብ ህይወት፡ ንመጀመርታ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጸ እውን የሱስ እዩ። የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ኣብ ሰማይ ስፍራ ኸም ዜዳልወሎም ነገሮም። (ዮሃንስ 14:2, 3) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓድሽ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ማንም ተጓዒዙሉ ዘይፈልጥ ‘ሓድሽን ህያውን መገዲ ኸም ዝኸፈተሎም’ ገለጸ።—እብራውያን 10:19, 20።
እዚ ግን፡ ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ኵሎም እሙናት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ድዩ ዜመልክት፧ ኣይፋልን፣ ከመይሲ፡ ትንሳኤ ረኺቦም ናይ ሰማይ ዚኸዱ፡ መዝነት እተዋህቦም እተወሰኑ ሰባት ጥራይ እዮም። የሱስ ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ዘምሰየላ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ‘ኣብ ዝፋናት ተቐሚጦም ከም ዚፈርዱ’ ነጊርዎም እዩ። ስለዚ፡ ሃዋርያት ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ መዝነት ተዋሂብዎም ነበረ።—ሉቃስ 22:28-30።
ብዘይካ ሃዋርያት፡ ካልኦት ሰባት እውን፡ እዚ ዜደንቕ መዝነት እዚ ተዋሂብዎም እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ፡ ንየሱስ ምስቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ጕጅለ ኣብ ሰማይ ርእይዎ እዩ፣ እዚኣቶም ድማ፡ ‘መንግስትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ምድሪ ኸም ዚነግሱ’ ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእይ 3:21፣ 5:10) እቶም ዚነግሱ ኽንደይ እዮም፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን መንግስቲ እተወሰኑ ኣመሓደርቲ ጥራይ እዮም ዘለዉ። ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዚነግሱ እውን፡ እተወሰኑ እዮም። እቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ምስቶም “ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” 144,000 መጋዝእቱ ሓቢሩ ኺነግስ እዩ።—ራእይ 14:1, 4, 5።
እቶም 144,000 ምስቶም ቀደም ዝነበሩ ዀኑ ሎሚ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ሒደት እዮም። ካብ ምዉታት ተንሲኦም ናብ ሰማይ ዚኸዱሉ ዕላማ፡ እተፈልየ ቕዱስ ዕዮ ንኺዓይዩ ስለ ዝዀነ፡ ሒደት ምዃኖም ኣየገርምን እዩ። ቤት ክትሃንጽ ምስ እትሓስብ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ኽኢላታት ሃነጽቲ ምቘጸርካዮምዶ፧ ኣይፋልካን። ነቲ ስራሕ ዜድልዩ እተወሰኑ ሰባት ጥራይ ኢኻ እትቘጽር። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ፡ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ፍሉይ መሰል ዝሃቦም ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ኣይኰነን።
እዛ ሰማያዊት መንግስቲ፡ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኽትፍጽም እያ። ብመሪሕነት የሱስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን፡ ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ እያ፣ ማእለያ ዘይብሎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ተሓጒሶም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። (ኢሳይያስ 45:18፣ ራእይ 21:3, 4) ኣብ መንጎኦም እውን፡ እቶም ትንሳኤ ዚረኽቡ ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ይርከብዎም።—ዮሃንስ 5:28, 29።
ቀደም ዝነበሩ ዀኑ ሕጂ ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ዜደንቕ ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 6:23) ሒደት ካባታቶም ፍሉይ መዝነት ተዋሂብዎም ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ እዮም።