ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/8 ገጽ 5
  • ኣምላኽ ይርድኣልካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ይርድኣልካ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ይርድኣልካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ድንቅታት ኴንና ኢና ተፈጢርና
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • “ጐይታየ፡ ንስኻ . . . ፈለጥካኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ‘ኣፈጣጥራና ድንቂ’ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/8 ገጽ 5

ገበር | ኣምላኽ ይግደሰልካ ድዩ፧

ኣምላኽ ይርድኣልካ

“ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን።” —መዝሙር 139:1።

ክፋል ዲ.ኤን.ኤ.ን ድቅን

“ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ።” —መዝሙር 139:16

ገሊኦም ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧ ሓያሎ ሰባት፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከም ሓጥኣን፡ ማለት ርኹሳትን ቈላሕታ ኺገብረሎም ዘይበቕዑን ሰባት ገይሩ ጥራይ ከም ዚርእዮም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ብጭንቀት እትሳቐ ኬንድራ፡ ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ምሉእ ብምሉእ ክትሕልዎ ብዘይምኽኣላ ኸቢድ ጸጸት ተሰምዓ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ “ምጽላይ ኣቋረጽኩ” በለት።

ቃል ኣምላኽ እንታይ ይምህር፧ የሆዋ ኽንዮ ዘይፍጽምናኻ ስለ ዚርኢ፡ ንዅነታትካ ብሓቂ ይርድኣልካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ይብል። ብዘይካዚ፡ “ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን” እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ እንንሳሕ ብምሕረት ይቕረ ይብለልና እዩ።—መዝሙር 103:10, 14።

ብዛዕባ እቲ ኣብ መእተዊ እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ዝረአናዮ ዳዊት ንጉስ እስራኤል እሞ ንመርምር። ዳዊት፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸሎኹ፡ ረአያኒ፡ እተን ምዱባት መዓልትታተይ . . . ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 139:16, 23) እወ፡ ዳዊት፡ ሽሕ እኳ እንተ ሓጥአ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጸመ፡ የሆዋ ነቲ እተነስሐ ልቡ ኸም ዚርእዮ ኣሚኑ እዩ።

ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ፡ የሆዋ ኺርድኣልካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ይብል። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣምላኽ ንሓደ ነገር ስለምንታይ ከም ዝፈጸምካዮ ይፈልጥ እዩ፣ እወ፡ ተወርሶ፡ ኣተዓባብያኻ፡ ከባቢኻ፡ ከምኡ እውን ባህርያትካ ብኸመይ ኪቐርጸካ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። ሽሕ እኳ ትጋገ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ከም እትጽዕር ይርኢ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ‘ናይ ሓቂ መንነትካ’ ንዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት ንኼጸናንዓካ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ