ትሕዝቶ
15 ጥቅምቲ 2014
© 2014 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
ሕታም መጽናዕቲ
1-7 ታሕሳስ 2014
ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ
8-14 ታሕሳስ 2014
15-21 ታሕሳስ 2014
ነቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ
22-28 ታሕሳስ 2014
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
▪ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ
▪ “መንግስቲ ኻህናት” ክትኰኑ ኢኹም
መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ምድርን ብዛዕባ ደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ንኺፍጽሞ ዚጥቀመላ መሳርሒት እያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ እተፈላለየ ኺዳናት፡ ምስ ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ክንምርምር ከለና፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ድልዱል እምንቶ ኸነሕድር ከም እንኽእል ነስተብህል።
▪ ነቲ መዓይይቲ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጥንታውን ዘመናውን ኣብነታት ኣገልገልቲ የሆዋ ትገልጽ፣ ነቲ ብሓቂ ኣኽቢርካ ኽርአ ዘለዎ መዓይይቲ ኣምላኽ ንኽንከውን እተዋህበና ፍሉይ መሰል ዘሎና ሞሳ ንኸነዕብዮ ድማ ክትሕግዘና እያ።
▪ “ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣቕልቡ”
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣብ እምነትና ዜጋጥመና ጸገማት ብዙሕ እዩ። ካብቶም ጥንቲ ዝነበሩ፡ ተመሳሳሊ ጸገማት ከኣ ዘሕለፉ ኸም ኣብርሃምን ሙሴን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰብኡት፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ መንግስቱን ከነቕልብ ብምትብባዕ ጸገማት ንኽንጻወር ኪሕግዘና እዩ።
ገበር፦ ክልተ ኣሓት ጥቓ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ ዚርከብ ኣኽራናት ምቦሎሎ፡ ኣብ ወረዳ ታኡሳ፡ ኣውራጃ ታይታ ኣብ ዘሎ ጐደና ዀይነን ንሓለፍቲ መገዲ ኺምስክራ ኸለዋ
ኬንያ
ብዝሒ ህዝቢ
44,250,000
ኣስፋሕቲ
26,060
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
43,034
ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ 2013
60,166