መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ንመላእ ዓለም እተመሓድር ሓንቲ መንግስቲ ትህልወና ደዀን ትኸውን፧
ዓለምለኻዊት መንግስቲ ንዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኸተሕብሮም እትኽእል ብኸመይ እያ፧ ኢሳይያስ 32:1, 17፣ 54:13
ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ፡ ንደቂ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ክትጠቕሞም ከም እትኽእል እሞ ሕሰብ። ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ኽቱር ድኽነት እናተሳቐዩ እዮም ዚነብሩ፣ ካልኦት ግና ኣዝዮም ሃብታማት እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓንቲ ንድሌት ተገዛእታ እትርዳእ ዓለምለኻዊት መንግስቲ፡ ንዅሉ ሰብ ዜድልዮ ኸተማልኣሉ ትኽእል እያ። ደቂ ሰብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት መንግስቲ ኬቝሙ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧—ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።
ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከም እተራእየ፡ መንግስትታት ንተገዛእተን ኣብ ኵሉ መዳይ፡ ብፍላይ ድማ ንድኻታት ዜድልዮም ኣብ ምምላእ ፈሺለን እየን። ገሊአን መንግስትታት ከኣ ዓመጸኛታት እየን። (መክብብ 4:1፣ 8:9) ይኹን እምበር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት እትትክአን መንግስቲ ኬቕውም ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። ገዛኢ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንሰባት ብሓቂ ኺሓልየሎም እዩ።—ኢሳይያስ 11:4፣ ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
የሆዋ ኣምላኽ ንዓለም ዜመሓድር ብቑዕ ንጉስ መሪጹ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ሉቃስ 1:31-33) የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንሰባት ናይ ምሕጋዝ ባህጊ ነበሮ። የሱስ ከም ንጉስ መጠን ንዅሎም ህዝብታት ምድሪ ብሓድነት ኬሕብሮምን ካብ ኵሉ መከራ ኼናግፎምን እዩ።—መዝሙር 72:8, 12-14 ኣንብብ።
ኵሉ ሰብ ንየሱስ ከም ገዛኢ ኪቕበሎ ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ግና ይዕገስ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ከም ገዛኢ ንኪቕበልዎ ድማ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኣሎ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ፡ የሱስ ንእኩያት ሰባት ካብ ገጽ ምድሪ ብምጥፋእ ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ኬስፍን እዩ።—ሚክያስ 4:3, 4 ኣንብብ።