ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/11 ገጽ 16-17
  • ኣምላኽ፡ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኬቕውም ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ፡ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኬቕውም ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/11 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ኣምላኽ፡ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኬቕውም ድዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ንደቂ ሰብ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እተድልዮም ስለምንታይ እያ፧

ሎሚ፡ መብዛሕትኡ ጸገማት ደቂ ሰብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ሰባት ድኻታትን ጭቁናትን እዮም። ኣብ ገሊአን ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዜድልዮም ንላዕሊ ኣለዎም። ዓለምለኻዊ ምምሕዳር ጥራይ እዩ ንጸጋታት ምድሪ ብማዕረ ኼከፋፍል ዚኽእል።—መክብብ 4:1፣ 8:9 ኣንብብ።

2. ዓለምለኻዊት መንግስቲ ንምምራሕ ኪእመን ዚኽእል መን እዩ፧

ንዓለም ብግቡእ ኪገዝእ ዚኽእል ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ስለ ዘየልቦ፡ ዓለምለኻዊ ገዛኢ ዚብልዎ ሓሳብ ብብዙሓት ዚፍቶ ኣይኰነን። ብዅሉ ተቐባልነት ኪረክብ ዚኽእል ሰብ የልቦን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ስልጣን ምስ ሓዘ ዘይበላሾ ሰብ መን እዩ፧ ሓደ መላኺ ንዅሎም ደቂ ሰብ ኪገዝኦም ዚብል ሓሳብ ዜፍርህ እዩ።—ምሳሌ 29:2፣ ኤርምያስ 10:23 ኣንብብ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ወዱ ዝዀነ የሱስ፡ ንደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪገዝኦም ሓርይዎ ኣሎ። (ሉቃስ 1:32, 33) የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብር ነይሩ እዩ። ኣብዚ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ትሑታት ምሂሩ፡ ምስ ቈልዑ እውን ግዜ ኣሕሊፉ እዩ። (ማርቆስ 1:40-42፣ 6:34፣ 10:13-16) ስለዚ፡ የሱስ ገዛኢ ንምዃን ዜኽእል ብቕዓት ኣለዎ።—ዮሃንስ 1:14 ኣንብብ።

3. ዓለምለኻዊት መንግስቲ ብሓቂዶ ኽትቀውም ትኽእል እያ፧

ኣምላኽ ንወዱ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ንምድሪ ኼመሓድራ ሸይምዎ ኣሎ። (ዳንኤል 7:13, 14) ከምቲ ሰብኣዊ ገዛኢ ኣብ ኵሉ ኸተማታት ብኣካል ኪህሉ ዘየድልዮ፡ የሱስ እውን ንደቂ ሰብ ንምግዛእ ብኣካል ኣብ ምድሪ ኺህሉ ኣየድልዮን እዩ።—ማቴዎስ 8:5-9, 13 ኣንብብ።

ኵሉ ሰብ ንየሱስ ከም ገዛኢ ኪቕበሎ ድዩ፧ ኣይፋልን። ጽቡቕ ዘበለ ዚፈትዉ ሰባት ጥራይ እዮም ዚቕበልዎ። የሆዋ ንምድሪ ኻብቶም ነቲ ንሱ ዝሸሞ ፈቃርን ጻድቕን ገዛኢ ዘይቅበሉ ሰባት ኬጽርያ እዩ።—ማቴዎስ 25:31-33, 46 ኣንብብ።

4. እቲ ገዛኢ ዓለም እንታይ ኪገብር እዩ፧

ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዑ ዚእክበን፡ የሱስ ንትሑታት ሰባት ካብ ኵሎም ኣህዛብ ይእክቦምን ናይ ኣምላኽ መገዲ ፍቕሪ ይምህሮምን ኣሎ። (ዮሃንስ 10:16፣ 13:34) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንየሱስን ንንግስነቱን ኣጸቢቖም ይድግፉ እዮም። (መዝሙር 72:8፣ ማቴዎስ 4:19, 20) እሙናት ተገዛእቲ የሱስ፡ ንሱ ኸም ዝነገሰ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ብሓድነት ይሰብኩ ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።

የሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ብልሹዋት መንግስትታት ሓራ ንምግባር፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ገሊኦም እሙናት ሰዓብቱ ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታት ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ ሓርይዎም ኣሎ። (ዳንኤል 2:44፣ 7:27) መንግስቲ የሱስ ንምድሪ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልኣን ከምታ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝጠፍአት ዓይነት ገነት ክትምስርትን እያ።—ኢሳይያስ 11:3, 9፣ ማቴዎስ 19:28 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ