ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/3 ገጽ 9-11
  • ኻይሮ ብኣዒንቱ ንኣምላኽ የገልግል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኻይሮ ብኣዒንቱ ንኣምላኽ የገልግል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስቓይ ዝመልኦ መገዲ ብጽሕና
  • ንምርድዳእ ዚሕግዝ መገዲ ተኸፍተ
  • ኣብ ህይወት ኻይሮ ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ
  • ኣብ ኣምላኽ ዜተኵራ ኣዒንቲ
  • ከመይ ገይረ እየ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንርእሰይ ክከላኸል ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣሰር ወለደይ እስዕብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ወለድና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ምሂሮምና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/3 ገጽ 9-11

ታሪኽ ህይወት

ኻይሮ ብኣዒንቱ ንኣምላኽ የገልግል

ሳምወል ሩውዝ-ሊዮን ኣሮዮ ዝስሙ ሓዉ ዘዘንተዎ

እንትርፎ ንኣዒንትኻ ንኻልእ ክፋል ኣካላትካ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ኰይንካ ኽትነብር እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ኻይሮ ሓወይ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ዚርከብ። ይኹን እምበር፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እዩ ዚመርሕ። ትርጕም ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ኪመርሕ ከም ዝኸኣለ ቕድሚ ምግላጸይ፡ ታሪኹ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ኻይሮ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ስፓስቲክ ኩዋድሪፕለጂያ ዚብሃል ናይ ሓንጎል መልመስቲ (ሰረብራል ፓልሲ) ኣለዎ።a ከም ውጽኢቱ ድማ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ኣካላቱ ኺቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ። ሓንጐሉ ናብ ጭዋዳታቱ ንጹር ዝዀነ መልእኽትታት ኪልእኽ ስለ ዘይክእል፡ መሓውሩ ኻብ ቍጽጽሩ ወጻኢ እዩ ዚተዓጻጸፍ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ሃንደበት ዜጋጥም ናይ ጸግታ ምንቅስቓሱ ንገዛእ ርእሱ ኸም ዚሃሲ እዩ ዚገብሮ። ኣብ ጥቓኡ ዚጸንሑ ሰባት እውን እንተ ዘይተጠንቂቖም ኪህሰዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ንምክልኻል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ምስታ ዚጥቀመላ ዓረብያ ስንኩላን ኪእሰር ኣለዎ።

ስቓይ ዝመልኦ መገዲ ብጽሕና

ኣካላዊ ዕቤት ኻይሮ ኣዝዩ ዜሳቒ እዩ ነይሩ። ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ ኼንፈርፍሮ ጀመረ፡ እዚ ድማ ሃለዋቱ ኸም ዜጥፍእ ይገብሮ ነበረ። ኣደይ ብዙሕ ሳዕ ዝሞተ መሲልዋ፡ ኣጽኒዓ ብምሕቋፍ ተቐላጢፋ ናብ ሕክምና ትወስዶ ነበረት።

ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምጭባጥን ምዝርጋሕን ጭዋዳታቱ፡ ድሕሪ ግዜ ኣዕጽምቲ ኻይሮ ተመዛበለ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ጎሎኡ ስለ ዝመሎቐ ናይ ሰለፍን ምሕኵልትን ጎሎን ከቢድ መጥባሕቲ ኺገብር ኣድለዮ። መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ለይተ ለይቲ ብቓንዛ ዚኣክል ኪበኪ ኸሎ ኽሳዕ ሕጂ እየ ዚዝክሮ።

ኻይሮ ብሰንኪ እዚ ኸቢድ ስንክልናኡ፡ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ንኺገብር፡ ማለት ንኺበልዕ፡ ክዳኑ ንኪኽደን ከምኡ እውን ናብ ዓራቱ ንኺድይብ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልኦት እዩ ዚምርኰስ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ዅሉ ዚገብርዎ ድማ ኣቦይን ኣደይን እዮም። ዋላ እኳ ኻይሮ ቐጻሊ ሓገዝ ዜድልዮ እንተ ዀነ፡ ህይወቱ ኣብ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ እውን ከም እትምርኰስ፡ ወለድና ዅሉ ግዜ የዘኻኽርዎ ነበሩ።

ንምርድዳእ ዚሕግዝ መገዲ ተኸፍተ

ወለድና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም፣ ቈልዓ ኸሎ ኣትሒዞም፡ ንኻይሮ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡሉ ነበሩ። ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎ ሰብ፡ ህይወቱ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ይግንዘቡ እዮም። ኻይሮ ኣካላቱ ብቐጻሊ ናይ ጸግታ ምንቅስቓስ ዚገብርን ድኹምን እኳ እንተ ዀነ፡ ብሩህን ዜተኣማምንን ተስፋ ዘለዎ መጻኢ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ይፈልጡ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኻይሮ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኻይሮ ቘልዓ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣቦይ፡ “ኻይሮ፡ በጃኻ እንዶ ተዛረበኒ!” በሎ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ናይ ብሓቂ ተፍቅረኒ እንተ ዄንካ፡ ተዛረበኒ” በሎ። ኣቦይ፡ ሓንቲ ቓል እውን ትኹን ንኺዛረብ ምስ ለመኖ፡ ኣዒንቲ ኻይሮ ብንብዓት ቍጽርጽር በላ። ንስምዒቱ ብቓላት ኪገልጽ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኪርድኣካ ዘይክእል ድምጺ ጥራይ እዩ ዜውጽእ ነይሩ። ኣቦይ ንኻይሮ ኸም ዚበኪ ስለ ዝገበሮ ሕማቕ ተሰምዖ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኻይሮ ዘርኣዮ መልሰ ግብሪ፡ ነቲ ኣቦይ ዝበሎ ኸም እተረድኦ ዜርኢ እዩ ነይሩ። እቲ ጸገም፡ ኪዛረብ ዘይክእል ምንባሩ እዩ።

ነዊሕ ከይጸንሑ ወለድና፡ ኻይሮ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ንምግላጽ ኢሉ ሓድሓደ ግዜ ኣዒንቱ ብፍጥነት ኬንቀሳቕስ ከም ዚፍትን ኣስተብሃሉ። ሓሳባቱ ንኻልኦት ኬረድእ ዘይምኽኣሉ ንኻይሮ ዜበሳጩ እዩ ነይሩ። ወለደይ ናይ ኣዒንቱ ምልክታት ብምርዳእ ነቲ ዜድልዮ ነገር ምስ ዜማልኡሉ ግና ኣብ ገጹ ድሙቕ ፍሽኽታ ይርአ ነበረ። እዚ ድማ ምስጋናኡ ዚገልጸሉ መገዲ እዩ ነይሩ።

ሓንቲ ሓኪም ኣንደበት፡ ብዝበለጸ መገዲ ምእንቲ ኽንረዳዳእ፡ ብ“እወ” ወይ ብ“ኣይፋል” ዚምለስ ሕቶ ኽንሓትቶ ኸሎና ኽልቲኡ ኣእዳውና ንኸነልዕል መኸረትና። የማናይ ኢድ “እወ”፡ ጸጋማይ ኢድ ከኣ “ኣይፋል” የመልክት። በዚ መገዲ እዚ፡ ኣዒንቱ ናብታ ዝደለያ ኢድ ብምትኳር ድሌቱ ኺገልጽ ይኽእል።

ኣብ ህይወት ኻይሮ ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ንብዙሓት ተኣከብቲ ዚቐርብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረታት ዚውሃበሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ይገብሩ እዮም። ኻይሮ፡ እቲ ንሕጹያት ጥምቀት ዚውሃብ መደረ ኪቐርብ ከሎ ወትሩ እዩ ዚሕጐስ ነይሩ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣቦይ፡ “ኻይሮ፡ ክትጥመቕ ትደሊዶ፧” ኢሉ ሓተቶ። ብቕጽበት ናብ የማነይቲ ኢድ ኣቦይ ኣትኲሩ ብምጥማት፡ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንኺወስድ ድሌት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። ሽዑ ኣቦይ፡ “ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ቓል ኣቲኻ ዲኻ፧” በሎ። ኻይሮ፡ ሕጂ እውን እንተዀነ ናብ የማነይቲ ኢድ ኣቦይ ቀው ኢሉ ጠመተ። ድሮ ህይወቱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ ኸኣ ንጹር ኰነ።

ድሕሪ እተወሰነ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኻይሮ ንኣገዳስነት ክርስትያናዊ ጥምቀት ከም እተረድኦ ነጸረ። ስለዚ፡ ብ2004 ነታ፡ “ፍቓዱ ንምግባር ርእስኻ ንኣምላኽ ወፊኻ ዲኻ” እትብል ኣብ ህይወቱ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት ሕቶ ተሓትተ። ኣዒንቱ ንላዕሊ ኽብ ብምባል ድማ ነዛ ሕቶ እዚኣ መለሳ። እዚ ኸኣ “እወ” ንምባል ዚጥቀመሉ ምልክት እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ተጠምቀ።

ኣብ ኣምላኽ ዜተኵራ ኣዒንቲ

ብ2011፡ ንኻይሮ ሓደ ሓድሽ ናይ መረዳድኢ መገዲ ተኸፍተሉ፡ ማለት ብዓይንኻ እትቈጻጸራ ኮምፕዩተር ተዳለወትሉ። እዛ መሳርሒት፡ ምንቅስቓስ ጸላም ዓይኒ ኻይሮ ብምክትታል፡ ኣብታ ኮምፕዩተር ንዚርአ ምስሊ ኺመርጽ ተኽእሎ። ናብቲ ምስሊ ኣተኲሩ ኺጥምት ወይ እውን ቋሕ ሰም ኬብል ከሎ ልክዕ ከም ኣብ ኮምፕዩተር ዚጥውቕ ዘሎ እዩ። ንኺረዳዳእ ዚሕግዞ ንቓላትን ሓረጋትን ዚውክል ምስሊ ዝሓቘፈ ሰሌዳ ኮምፕዩተር ተሰርሓሉ። ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ምስሊ ቋሕ ሰም ኬብል ከሎ፡ እቲ ኣብታ ኮምፕዩተር እተጻዕነ ፕሮግራም ነቲ ጽሑፍ ናብ ኤለክትሮኒካዊ ድምጺ ይቕይሮ።

ኻይሮ ነቲ ብዓይኒ እትዓዪ ኮምፕዩተሩ ኺጥቀም ከሎ

እቲ ኻይሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ምርዳእ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ንሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዝ ዝነበሮ ድሌት እውን እናዛየደ ኸደ። ኣብቲ ስድራ ቤትና እትገብሮ ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብተደጋጋሚ ናባይን ናብ ኮምፕዩተሩን ይጥምት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና፡ ኣብቲ ብሕቶን መልስን ዚውሰድ መደባት ኪህቦ ንዚኽእል ሓሳባት ንኽጽሕፈሉ ኼዘኻኽረኒ ኢሉ እዩ ኸምኡ ዚገብር።

ኣብ ኣኼባ ጉባኤ፡ ኣብቲ ቕኑዕ ዝዀነ ምስሊ ምእንቲ ኺጥውቕ ንኣዒንቱ ኣብቲ ሰሌዳ ኮምፕዩተር ብትዕግስቲ የዝሮ። በዚ ኸምዚ ኣብቲ ምስሊ ምስ ጠወቐ ድማ፡ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ ድምጺ ዅሉ ሰብ ይሰምዖ። በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ንኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ዜተባብዓሉ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ፡ ብሓጐስ ፍሽኽ ይብል ነበረ። ኣሌክስ ዝስሙ ሓደ ኻብ መንእሰያት ኣዕሩኹ፡ “ኻይሮ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእሰ ነገር ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ ኣዝየ እየ ዝምሰጥ” በለ።

ኻይሮ ኮምፕዩተሩ ተጠቒሙ ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ኪህብ ከሎ

ኻይሮ ነታ ብዓይንኻ እትቈጻጸራ ኮምፕዩተርን ኤለክትሮኒካዊ ድምጻን ተጠቒሙ፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ይህብን ንኻልኦት ድማ ብዛዕባ እምነቱ የካፍልን

ኻይሮ ንኣዒንቱ ተጠቒሙ እውን ንኻልኦት ብዛዕባ እምነቱ ይነግሮም እዩ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብረሉ መገዲ፡ ነቲ እንስሳታትን እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባትን ኣብ ገነት ብሰላም ኪነብሩ ኸለዉ ዜርኢ ምስሊ ብምጥዋቕ እዩ። ነዚ ድሕሪ ምጥዋቑ፡ እቲ ናይታ ኮምፕዩተር ድምጺ ኸምዚ ዚስዕብ ይብል፦ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ደጊም ሕማምን ሞትን ከም ዘይከውን ዚገልጽ ተስፋ ይህብ፣ ራእይ 21:4።” እቲ ሰብ ተገዳስነት ምስ ዜርኢ፡ እንደገና ኣብ ካልእ ምስሊ ብምጥዋቕ፡ “ምሳይ ኴንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ትደሊዶ፧” ዚብል ናይ ኮምፕዩተር ድምጺ ኸም ዚወጽእ ይገብር። እቲ ዜገርም፡ ኣቦሓጎይ ነዚ ዕድመ እዚ ተቐበሎ። ኻይሮ ብሓደ ክርስትያን ብጻዩ እናተሓገዘ ቀስ ብቐስ ንኣባሓጎይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መሃሮ። እቲ ዜሐጕስ፡ ኣቦሓጎይ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 2014 ኣብ ማድሪድ ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ዞባ ተጠምቀ።

ኻይሮ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈል ከሎ

ኻይሮ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተወፋይነት፡ እቶም ናይ ቤት ትምህርቱ መምህራን ከየስተብሃልሉ ኣይሓለፉን። ሮዛርዮ ዝስማ ሓኪም ኣንደበት፡ “ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክኸውን እንተ ዝውስን፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዀንኩ ነይረ። ኵነታት ኻይሮ ኸቢድ እኳ እንተ ዀነ፡ እምነቱ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ንኺህልዎ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶ ርእየ እየ” ብምባል ተኣመነት።

ነቲ፡ “ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል [እዩ]” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ ኸንብበሉ ኸለኹ፡ ኣዒንቲ ኻይሮ ብርህ እየን ዚብላ። (ኢሳይያስ 35:6) ሽሕ እኳ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ዚቘርጽ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ሕጉስ እዩ። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ህይወቱ ብኣምላኽን ብክርስትያናት ብጾቱን ስለ እተኸብበት እዩ። ኻይሮ ዘለዎ ብሩህ ኣመለኻኽታን ድልድልቲ እምነትን፡ ንየሆዋ ምግልጋል ንኣጸጋሚ ዝዀነ ህይወት፡ ትርጕም ዘለዎ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ዜርኢ እዩ።

a ሰረብራል ፓልሲ (ሲ.ፒ.) ብሓፈሻ ንምንቅስቓስ ዚጸሉ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ንምግላጽ ዚውዕል ቃል እዩ። እዚ ድማ፡ ምንፍርፋር፡ ናይ ኣመጋግባ ምምዝባል ከምኡ እውን ናይ ምዝራብ ጸገም ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ስፓስቲክ ኩዋድሪፕለጂያ እቲ ዝኸበደ ዓይነት ሲ.ፒ. ዀይኑ፡ ምድራቕ ኣእዳውን ኣእጋርን ከምኡ እውን ምጕዕጻጽ ክሳድ ኬስዕብ ዚኽእል እዩ።

ብጾት ኻይሮ እንታይ ይብሉ፧

ጓል 63 ዓመት ዝዀነት ሮዛ፡ “ኻይሮ ሕጉስ እዩ። እቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘለዎ ዓሚቝ ባህጊ ድማ የተባብዓና እዩ” በለት።

ወዲ 32 ዓመት ዝዀነ ኣንቶንዮ፡ “ኻይሮ እምነቱ ኺገልጽ ክርእዮ ኸለኹ፡ ኣነ እውን ከምኡ ንኽገብር እየ ዝድረኽ” በለ።

ወዲ 67 ዓመት ዝዀነ ኣንድራስ፡ “ኻይሮ፡ ንገሊኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ካባይ ንላዕሊ ዚርድኦ እዩ ዚመስል” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ