ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/5 ገጽ 9
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣናብስ ፋረ ዘለዎም ግሩማት ዓሌት ደማሙ ኣፍሪቃ
    ንቕሑ!—1999
  • ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ምህናጽ መናድቕ የሩሳሌም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/5 ገጽ 9

ትፈልጥዶ፧

ስነ ጥንቲ ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ ድዩ፧

ብእምኒ እተቐርጸ ስእሊ ሳርጎን ዳግማይ ንጉስ ኣሶር

ኣብ ኢሳይያስ 20:1 ተጠቒሱ ዚርከብ ሳርጎን ዳግማይ ንጉስ ኣሶር

እታ ብብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው ዘርእስታ መጽሔት ኣብ ዘውጽኣቶ ዓንቀጽ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠቒሶም ዚርከቡ “ብውሕዱ 50” ዝዀኑ ውልቀ ሰባት፡ ብሓቂ ኸም ዝነበሩ፡ ብርኽበታት ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኸም እተረጋገጸ ገለጸት። ካብዚኣቶም እቶም 14፡ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ዝነበሩ እዮም፣ ገሊኦም ከም ዳዊትን ህዝቅያስን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ነገስታት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ካልኦት ድማ ከም ምናሔምን ጴቃሕን ብዙሕ ዘይፍለጡ እዮም ነይሮም። ብተወሳኺ፡ 5 ፈርኦናት ከምኡ እውን 19 ነገስታት ኣሶር፡ ባቢሎን፡ ሞኣብ፡ ፋርስ ከምኡ እውን ሶርያ ይርከብዎም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ክልቲኡ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስን ኣርኪዮሎጅን እተጠቕሱ፡ ነገስታት ጥራይ ኣይኰኑን። ካብኣቶም ትሕት ዝበለ ቦታ ዝነበሮም፡ ከም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እውን ተጠቒሶም ኣለዉ።

እታ ዓንቀጽ ቀጺላ፡ ኵሎም እዞም እተጠቕሱ ውልቀ ሰባት፡ ብሓቂ ኸም ዝነበሩ “ሓያሎ ምሁራት ዚሰማምዑሉ መርትዖታት” ከም ዘሎ ገለጸት። ልክዕ እዩ፡ ካልኦት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እተጠቕሱ ታሪኻውያን ሰባት እውን ብስነ ጥንታዊ መርትዖታት ይድገፉ እዮም። ገለ ኻባታቶም ድማ ከም እኒ ሄሮድስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ ጢቤርዮስ፡ ቀያፋ ኸምኡ እውን ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።

ኣናብስ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ዝጠፍኡ መዓስ እዮም፧

ብዜደንቕ ብርቕርቕ ዚብል ሕጡብ እተሰርሐ ምስሊ ኣንበሳ

ብርቕርቕ ብዚብል ሕጡብ እተሰርሐ መንደቕ ጥንታዊት ባቢሎን

ሎሚ፡ ኣናብስ ኣብ በረኻ እታ ቕድስቲ መሬት እኳ እንተ ዘየለዉ፡ ኣብ 150 ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ብምህላዎም፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎም ከም ዝነበሩ እዩ ዜርኢ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ጥቕስታት ምሳልያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ግና ብዛዕባ እቶም ቃል ብቓሉ ኣናብስ ዘጓነፍዎም ሰባት እዩ ዚገልጽ። ንኣብነት፡ ሲምሶንን ዳዊትን በናያን ኣንበሳ ቐቲሎም እዮም። (መሳፍንቲ 14:5, 6፣ 1 ሳሙኤል 17:34, 35፣ 2 ሳሙኤል 23:20) ካልኦት ውልቀ ሰባት ድማ ብኣናብስ ተቐቲሎም እዮም።—1 ነገስት 13:24፣ 2 ነገስት 17:25።

ብግዜ ጥንቲ ኣብ እስያ ዝነበሩ ኣናብስ፡ ካብ ንእሽቶ እስያን ግሪኽን ክሳብ ፍልስጥኤምን ሶርያን መሰጶታምያን ሰሜናዊ ምዕራብ ህንድን ኣብ ዘሎ ቦታታት ይርከቡ ነበሩ። ኣንበሳ፡ ዚፍራህን ዚኽበርን ብምንባሩ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ናይ ቀረባ ምብራቕ ጥንታዊ ስእልታት ይርከብ እዩ። እቲ ኣብ ጥንታዊ ባቢሎን ዝነበረ ዑደት ዚግበረሉ ጐደና ብዜደንቕ ብርቕርቕ ዚብል ሕጡብ እተሰርሐ ምስሊ ኣናብስ ዝወቀበ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ናይ 12 ዘመን ድ.ክ.፡ መስቀላውያን ነቶም ኣብ ፍልስጥኤም ዝነበሩ ኣናብስ ይሃድንዎም ከም ዝነበሩ እዩ ዚንገር። ድሕሪ 1300 ድ.ክ. ከኣ ካብቲ ቦታ እቲ ዝጸነቱ እዩ ዚመስል። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መሰጶታምያን ሶርያን ክሳዕ መበል 19 ዘመን፡ ኣብ ዒራቕን ኢራንን ከኣ ክሳዕ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣብቲ ኸባቢ ነይሮም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ