ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/10 ገጽ 4
  • ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/10 ገጽ 4
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ድንን ኢሎም ከለዉ፡ የሱስ ናብ ሰማይ እናጠመተ ኺጽሊ ኸሎ

ገበር | ጸሎት ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ኣሎዶ፧

ገሊኦም ሰባት ጸሎት መጥፍኢ ግዜ ኸም ዝዀነን ጸሎት ዚሰምዕ ኣካል ከም ዘየለን እዮም ዚሓስቡ። ካልኦት ከኣ ዚጽልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ መልሲ ዘይረኽቡ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ሓደ ብኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ፡ “እንተ ኣሊኻ፡ ሕሹኽ ጥራይ በለኒ” ኢሉ ጸለየ። እንተዀነ ግና መልሲ ኸም ዘይረኸበ ተዛረበ።

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ጸሎት ዚሰምዕ ኣምላኽ ከም ዘሎ የረጋግጸልና እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም ቀደም ዝነበሩ ሰባት እተነግሮም ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ጸብጻብ ንረክብ፦ “ምስ እተእዊ ብርግጽ [ኣምላኽ] ጸጋ ኺህበካ እዩ፡ ኪሰምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ እዩ።” (ኢሳይያስ 30:19) ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ‘ጸሎት ቅኑዓት ባህ የብሎ’ ይብል።—ምሳሌ 15:8

የሱስ ናብ ኣቦኡ ጸለየ፣ ጸሎቱ ድማ “ተሰምዐ።”—እብራውያን 5፡7

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቶም ጸሎቶም እተሰምዐ ሰባት ዚገልጽ ኣብነታት ይርከብ እዩ። ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ “ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን” ከም ዘቕረበ፡ ጸሎቱ ድማ ከም ‘እተሰምዐ’ ትገልጽ። (እብራውያን 5:7) ካልእ ኣብነታት ድማ ኣብ ዳንኤል 9:21 ከምኡ እውን ኣብ 2 ዜና መዋእል 7:1 ኺርከብ ይከኣል እዩ።

ገሊኦም ሰባት ጸሎቶም ዘይተመለሰ ዀይኑ ዚስምዖም ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ የሆዋa ዝስሙ ኣምላኽ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ወይ ናብ ኣቦሓጎታት ክንጽሊ የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምላኽ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና” ኽንልምኖ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚሰምሮ ነገራት ክንልምን እዩ ዚደልየና። በዚ መገዲ እዚ ምስ እንጽሊ ኸም ‘ዚሰምዓና’ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:14) ስለዚ እምበኣር፡ ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ክንፈልጦን ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኽንመሃርን የድልየና።

ብዙሓት ሰባት፡ ጸሎት ሃይማኖታዊ ልምዲ ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣምላኽ ከም ዚሰምዖን ከም ዚምልሶን እዮም ዚኣምኑ። ኣብ ኬንያ ዚነብር ኣይዛክ፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ዚሕግዘኒ ሰብ ክረክብ ጸለኹ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ሰብ ናብ ቤተይ መጸ እሞ፡ ኪሕግዘኒ ኸም ዚኽእል ነገረኒ” በለ። ኣብ ፊሊፕንስ እትነብር ሂልዳ፡ ምትካኽ ሽጋራ ኸተቋርጽ ደለየት። ብተደጋጋሚ ዝገበረቶ ፈተነ ስለ ዝፈሸለ ኸኣ ሰብኣያ፡ “ንምንታይ ኣምላኽ ኪሕግዘኪ ዘይትጽልዪ፧” በላ። ነቲ ዝሃባ ምኽሪ ምስ ተጠቐመትሉ ኸምዚ በለት፡ “በቲ ኣምላኽ ንዓይ ዝሓገዘሉ መገዲ ተደኒቐ እየ። ሽጋራ ንምትካኽ ዝነበረኒ ባህጊ ኺጠፍእ ጀመረ፣ ከቋርጾ ኸኣ ከኣልኩ።”

ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ብሕታዊ ጕዳያትካ ኺሕግዘካ ይደሊ ድዩ፧

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ