ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧
ቍ. 2 2016
ዝኽሪ ሞት የሱስ | ረቡዕ 23 መጋቢት 2016
© 2016 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ማለት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነቲ ዝለዓለ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ተኽብሮ እያ። እታ ኣብ ሰማይ እትርከብ ናይ ሓቂ መንግስቲ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኸም እትገብረሉን ንምድሪ ናብ ገነት ከም እትቕይራን ብምግላጽ ንሰባት ብብስራት ተጸናንዕ። ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ዝሞተ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዚገዝእ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ፡ እምነት ከነሕድር ተተባብዕ። እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ካብ 1879 ኣትሒዛ ኸየቋረጸት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም ዘላ ኻብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናጻ ዝዀነት መጽሔት እያ። ቀንዲ ምንጪ እቲ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ሓሳብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ንመሸጣ እተዳለወ ኣይኰነን። ክፍሊ እቲ ፈቲኻ ብዚግበር ወፈያ ዚድገፍ ዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ እዩ።
ወፈያ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ ኣብ www.pr418.com ርአ።
ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኵሉ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ እዩ። ኵሉ ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸኣ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) እተወስደ እዩ። ኣብ ውሽጢ ጥቕሲ ብሰያፍ እተጻሕፈ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ባዕልና ዝገበርናዮ እዩ። ደድሕሪ ጥቕሲ NW ዚብል እንተ ደኣ ኣልዩ ግና፡ እቲ ትርጕም ካብቲ ብዘመናዊ ቛንቋ እንግሊዝኛ እተዳለወ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እተወስደ እዩ።