ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 1 ገጽ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
  • ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧
  • ምስ ሞትካ እንታይ ኢኻ እትኸውን፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዘጋጥም፧
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 1 ገጽ 16
ኣብ ልዕሊ መቓብር እተነብረት ቀያሕ ጽገሬዳ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይኣምኑ፧ ገሊኦም ብገለ መገዲ ምንባር ከም እንቕጽል ኪኣምኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ትኣምን፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” (መክብብ 9:5) ምስ ሞትና፡ ህልውናና የብቅዕ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ምስ ሞተ፡ ናብ ሓመድ እዩ ተመሊሱ። (ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19) ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም መወትቲ ናብ ሓመድ እዮም ዚምለሱ።—መክብብ 3:19, 20።

  • ዝሞቱ ሰባት ካብ ሓጢኣቶም ሓራ ይዀኑ እዮም። (ሮሜ 6:7) ሰብ ምስ ሞተ፡ ብሓጢኣቱ ዚቕጽዖ ተወሳኺ መቕጻዕቲ የልቦን።

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

‘ትንሳኤ ኪኸውን እዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ንሞት ምስ ድቃስ የመሳስሎ። (ዮሃንስ 11:11-14) ከምቲ ንሕና ንዝደቀሰ ኸነበራብር እንኽእል፡ ኣምላኽ ከኣ ንምዉታት ኬበራብሮም ይኽእል እዩ።—እዮብ 14:13-15።

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እተፈላለዩ ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ድልዱል መርትዖ ይዀነና።—1 ነገስት 17:17-24፣ ሉቃስ 7:11-17፣ ዮሃንስ 11:39-44።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ