ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 6 ገጽ 15
  • ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ ድዮም፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ልደት ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም እውን ዝብዓል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 6 ገጽ 15

ሕቶታት ኣንበብትና . . .

ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ ድዮም፧

ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ በዓል ልደት ዚግበር ነገራት ምስ ዕለተ ልደት የሱስ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ፈተውቲ የሱስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ እንተ ነይሮም ሓሲብካሉ ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ በዓል ልደት እንታይ ከም ዚብልከ ትፈልጥዶ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ምርካብና፡ ክርስትያናት ንበዓል ልደት ኬብዕሉ ዚግባእ እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።

ቀዳማይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ በዓል ልደት የሱስ ኰነ ኻልእ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣይገልጽን እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ዕለተ ልደቶም ብዛዕባ ዘብዓሉ ኽልተ ውልቀ ሰባት ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ክልቲኦም ድማ፡ ኣምለኽቲ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ የሆዋ ኣይኰኑን፣ እቲ ዝገበርዎ በዓል ልደቶም ከኣ ብኣሉታዊ መገዲ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ዘፍጥረት 40:20፣ ማርቆስ 6:21) ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ነቲ ኣረማዊ ልምድታት ዝሓቘፈ በዓል ልደት” ኣይቅበልዎን እዮም ነይሮም።

የሱስ ኣበየነይቲ ዕለት እዩ ተወሊዱ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ መዓስ ከም እተወልደ ብንጹር ኣይሕብርን እዩ። ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ ኸም ዝሓበሮ፡ “ዕለተ ልደት ክርስቶስ መዓስ ምዃኑ፡ ካብ ሓድሽ ኪዳን ኰነ ኻብ ካልእ ምንጭታት ኪፍለጥ ኣይከኣልን እዩ” በለ። ብርግጽ እምበኣር፡ የሱስ ንሰዓብቱ በዓል ልደቱ ኼብዕሉ እንተ ዚደልዮም፡ ዕለተ ልደቱ ብልክዕ ከም ዚፈልጡ ምገበረ ነይሩ።

ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ወይ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ በዓል ልደት ከም ዘብዓሉ ኣይገልጽን እዩ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ በዓል ልደት ምብዓል ንፈለማ እዋን እተጠቕሰ፡ “ፊሎካሉስ ዝስሙ ህቡብ ሮማዊ ኣብ ዘዳለዎ መዐቀን ግዜ ወይ ክሮኖግራፍ እዩ፣ እዚ [ክሮኖግራፍ] ድማ ብ336 ድ.ክ. ዝነበረ ናይ ሮማውያን ኣልማናክ [ሓበሬታ ዚህብ ዓመታዊ ጽሑፍ] እዩ።” እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዛዘመሉ ዀነ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን ዘመናት ጸኒሑ እተጻሕፈ ኸም ዝዀነ ንጹር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ፡ “በዓል ልደት ምብዓል ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኣይኰነን፣ መበቈሉ እውን ካብ ሓድሽ ኪዳን ኣይኰነን” ዝበለ።a

የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኬብዕሉ እዩ ኣዚዝዎም፧

የሱስ እቲ ዝዓበየ መምህር ከም ምዃኑ መጠን፡ ሰዓብቱ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ንጹር መምርሒታት ሂብዎም እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ በዓል ልደት መምርሒ ኣይሃበን። ልክዕ ከምቲ ሓደ መምህር ንተምሃሮኡ ኻብቲ ዝሃቦም መምርሒታት ሓሊፎም ኪኸዱ ዘይደልዮም፡ የሱስ እውን ንሰዓብቱ ‘ኽንየው እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ኪኸዱ’ ኣይደልዮምን እዩ።—1 ቈረንቶስ 4:6።

ይኹን እምበር፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ዝኽሪ ሞት የሱስ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ዝኽሪ ሞቱ መዓስን ብኸመይን ኬብዕልዎ ኸም ዘለዎም ባዕሉ ነጊርዎም እዩ። እዚ ንጹር መምርሒታት እዝን ዕለተ ሞቱን ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ይርከብ እዩ።—ሉቃስ 22:7, 19፣ 1 ቈረንቶስ 11:25።

ስለዚ እምበኣር፡ ብዙሓት ሰባት፡ በዓል ልደት፡ የሱስ እተወልደላ ዕለት ከም እተመልክት ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ግና ነዚ ኣረማዊ ልምዲ እዚ ኣይስዕብዎን እዮም ነይሮም። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ኰነ ኻልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ በዓል ልደት ከም ዘብዓለ ኣይገልጽን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሚልዮናት ክርስትያናት፡ በዓል ልደት ኬብዕሉ ኸም ዘይግብኦም ወሲኖም እዮም።

a ብዛዕባ መበቈል ልምድታት በዓል ልደት ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሕቶታት ኣንበብትና . . . ብዛዕባ በዓል ልደት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ፣ ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ