ትሕዝቶ
29 ግንቦት 2017-4 ሰነ 2017 ዘላ ሰሙን
ንየሆዋ ኽንደይ ዚኣክል መብጽዓታት ተመባጺዕካ፧ ሓደ፡ ክልተ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ፧ ብዝከኣለካ መጠን ምስ መብጽዓታትካ ተሰማሚዕካ ትነብር ከም ዘለኻ ድዩ ዚስምዓካ፧ ንመብጽዓ ወፈያኻ ወይ ንቓል ኪዳን መውስቦ ሓሊኻዶኸ ትነብር ኣለኻ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ንኣምላኽ እተመባጻዕናዮ መብጽዓ ብተኣማንነት ክንሕሉ ኸለና፡ እቲ ይፍታሕን ሃናን ዝሓደግዎ ብሉጽ ኣብነት ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ኽትሕብረና እያ።
5-11 ሰነ 2017 ዘላ ሰሙን
9 መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት፡ እንታይ ከተወግድ እያ፧
የሆዋ ኣብ ገነት እንታይ ከም ዚገብረልና ወትሩ ንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግና እንታይ ከም ዜወግድ ክትገልጸልና እያ። የሆዋ ሰላማውን ባህ እተብልን ዓለም ምእንቲ ኺሃንጽ እንታይ እዩ ኼወግድ፧ ብዛዕባ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምስትንታንና፡ ንእምነትናን ነቲ ኽንጸንዕ ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ኬደልድሎ እዩ።
14 ታሪኽ ህይወት—ወተሃደር ክርስቶስ ክኸውን ቈሪጸ
12-18 ሰነ 2017 ዘላ ሰሙን
18 “እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ” ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ይገብር
19-25 ሰነ 2017 ዘላ ሰሙን
23 ብዛዕባ ፍትሒ፡ ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧
ዘይፍትሓዊ ነገራት ምስ ዜጋጥመና ወይ ምስ እንርኢ፡ እምነትናን ትሕትናናን ተኣማንነትናን ኪፍተን ይኽእል እዩ። ኣብዘን ዓንቀጻት እዚአን፡ ብዛዕባ ፍትሒ ኣረኣእያ የሆዋ ኺህልወና ዚሕግዘና ሰለስተ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና።
26 ሰነ 2017-4 ሓምለ 2017 ዘላ ሰሙን
የሆዋ ዚጐድሎ ዘይብሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ልዑላውነቱ ንምድጋፍ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኪርእየና ኸሎ ባህ ይብሎ እዩ። መሳፍንቲ ምዕራፍ 4ን 5ን፡ የሆዋ ነቲ ንጹር መምርሒታቱ ፈቲና ኽንእዘዞ እንገብሮ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ይሕብር።