ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ግንቦት ገጽ 31-32
  • “ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ቕንኣትን ፍቕርን ኣብ ልብና ሒዝና”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ቕንኣትን ፍቕርን ኣብ ልብና ሒዝና”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ግንቦት ገጽ 31-32
ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ ብኣኼበኛታት ዝመልአ ኣዳራሽ

ካብ መዛግብትና

“ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ቕንኣትን ፍቕርን ኣብ ልብና ሒዝና”

እዋኑ ዓርቢ ንግሆ መስከረም 1922 እዩ ነይሩ፣ 8,000 ዚኣኽሉ ሰባት ኣብቲ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ድማ ሙቐት እናወሰኸ ይኸይድ ነይሩ። ሽዑ፡ እቲ ኣቦ መንበር ኣብቲ ኣገዳሲ ኽፍለ ግዜ እቲ፡ ሰብ ካብቲ ኣዳራሽ ኪወጽእ ዚፍቀደሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ተመሊሱ ኺኣቱ ግና ከም ዘይፍቀደሉ ምልክታ ነገረ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ፡ “ኣገልግሎት ውዳሰ” ዚብሃል መዝሙራት ምስ ተዘመረ፡ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ናብቲ ኣትራኖስ ቀረበ። መብዛሕትኦም እቶም ተኣከብቲ ኸኣ ተሃንጥዮም ይጽበዩ ነበሩ። ገሊኦም ናብዝን ናብትን ይብሉ ነበሩ። እቲ ተዛራባይ ድማ ኮፍ ኢሎም ኪሰምዑ ተማሕጸኖም። እቲ መደረ ኣብ እተጀመረሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መድረኽ ብስርዓት ተዓዅሊሉ እተኣስረ ዓለባ ዘስተብሃለሉዶ ነይሩ ይኸውን፧

ሓውና ራዘርፎርድ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ዘርእስቱ መደረ ኬቕርብ ጀመረ። ንሰዓትን ፈረቓን ዚኣክል፡ ጥንቲ ዝነበሩ ነብያት ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ከይፈርሁ ኸም ዝኣወጁ ኺገልጽ ከሎ፡ እቲ ብርቱዕ ድምጹ ኣብቲ ኣዳራሽ ኣቃልሐ። ኣብ መደምደምታ ምስ በጽሐ፡ “እቲ ንጉስ ክብሪ ንግስናኡ ኸም ዝጀመረስ ትኣምኑዶ፧” ኢሉ ሓተተ። እቶም ተኣከብቲ ድማ፡ “እወ!” ኢሎም ብብርቱዕ ጭድርታ መለሱ።

ሽዑ፡ ሓውና ራዘርፎርድ፡ “በሉ ኣቱም ደቂ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ሃየ ውፈሩ!” ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ተማሕጸኖም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ” በሎም።

ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ብስርዓት ተጠቕሊሉ ዝነበረ ዓለባ ተዘርግሐ፣ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣውጁ” ዚብል ጭርሖ ድማ ተጻሒፍዎ ነበረ።

ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ፡ ረይ ቦፕ፡ “እቶም ተኣከብቲ ወኖም ተለዓዒሉ” ኢሉ ተዘክሮኡ ገለጸ። ኣና ጋርድነር ከኣ፡ “እቲ ኣግማል በቲ ጣቕዒት ኣንቀጥቂጡ” ኢላ ገለጸት። ፍሬድ ትዋሮሽ እውን፡ “ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ብሓንሳእ ብድድ ኢሎም” በለ። ኢቫንገሎስ ስኩፋስ ድማ፡ “ሓደ ብርቱዕ ሓይሊ ኻብ ኮፍ ዝበልናሉ ኸም ዘተንስኣና እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ምስ ተንሳእና ድማ ኣዒንትና ንብዓት ቅጽርጽር ኢሉ ነይሩ” በለ።

ብዙሓት ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት፡ ቅድሚኡ እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ነይሮም እዮም። ኣብቲ ኣኼባ ግና ሓድሽ ዕላማ እዮም ሰኒቖም። ኢተል በንኮፍ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ቅድሚኡ ዝያዳ ቕንኣትን ፍቕርን ኣብ [ልቦም ሒዞም]” ከም እተላዕሉ ኣዘንትያ ኣላ። ሽዑ ጓል 18 ዓመት ዝነበረት ኦደሳ ታክ ድማ፡ ነቲ፡ “መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ዚብል ጻውዒት ምላሽ ክትህብ ቈሪጻ እያ ኻብቲ ኣኼባ ተመሊሳ። “ኣበይ ወይ ብኸመይ ወይ እንታይ ምላሽ ከም ዝህብ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ሓንቲ ዝፈለጥክዋ ነገር፡ ከም ኢሳይያስ ክኸውን ደልየ ነይረ እየ” በለት፣ ኢሳይያስ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ኢሉ እዩ ምላሽ ሂቡ። (ኢሳ. 6:8) ራልፍ ለፍለር ድማ፡ “እታ ውርይቲ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሎሚ ንምድሪ መሊእዋ ዘሎ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ናይ ምእዋጅ ዕዮ ብሓቂ ዝጀመረትላ እያ ነይራ” በለ።

እቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ቲኦክራስያዊ ታሪኽ ዓብዪ ቦታ ምሓዙ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ ጆርጅ ጋንገስ፡ “እቲ ኣኼባ እቲ፡ ድሕሪኡ ዋላ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ኸየምልጠኒ ኸም ዝደሊ እዩ ገይሩኒ” በለ። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ፡ ዓብዪ ኣኼባ ዘምለጠሉ እዋን ትዝ ኣይብሎን እዩ። ጁልያ ዊልኮክስ ድማ፡ “ሰዳር ፖይንት 1922 ኣብ ጽሑፋትና ኺጥቀስ ከሎ ዚስምዓኒ ሓጐስ ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ወትሩ፡ ‘የሆዋ፡ ኣብኡ ክኸውን ብምፍቃድካ አመስግነካ’ ኽብል እደሊ እየ” ኢላ ጸሓፈት።

ሎሚ፡ መብዛሕትና ብዛዕባ ዓብዪ ኣኼባ ኽንሓስብ ከለና፡ ንልብና ዜሐጕሶ፡ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽን ንንጉሱን ከኣ ቅንኣትን ፍቕርን ከም ዚሓድረና ዚገብር ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣሎና። ነዚ ተዘክሮታት እዚ ኽንሓስበሉ ኸለና፡ “የሆዋ፡ ኣብኡ ክኸውን ብምፍቃድካ አመስግነካ” ኽንብል ንድረኽ ኢና።

ምስጢራዊ ፊደላት

“ADV” ዚብላ ፊደላት (ኣፈናዊ ፊደላት እታ “ኣውጁ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እንግሊዝኛ ቓል) ፍቐዶኡ ኣብ ኣእዋም፡ ኣብ ህንጻታት፡ ዋላ እውን ኣብ መደብ እቲ ኣኼባ ተጻሒፉ ነበረ! እዚ ፊደላት እዚ ንሃንቀውታ እቶም ኣኼበኛታት ኣለዓዒሉ ነበረ።a

“ADV ዚብል ብፍሩይ ጸሊም ፊደላት ኣብ ጻዕዳ ካርቶን ተጻሒፉ፡ ኣብ ኵሉ ኣዕኑድን ልዳውትን ተለጢፉ ነይሩ። እተን ፊደላት እንታይ ማለት ምዃነን ሓቲትና፣ ትርጉመን ዚፈልጥ ግና ኣይነበረን፡ ወይ ከኣ ዚፈልጡ እንተ ነይሮም ኪነግሩና ኣይደለዩን።”—ኢዲት ብረኒሰን።

a እተን ፊደላት ክሳዕ ሕጂ እውን ምስጢር ኪብሃላ ይከኣላ እየን። ክሳዕ ሎሚ፡ ስእሊ እተን ፊደላት ኣብ መዛግብትና ኣይተረኽበን።

ምላሽ ጸሎት

ኣርተር ነሊ ክላውስ ጽቡቕ ኮፍ መበሊ ኺረክብ ኢሉ ኣንጊሁ ናብቲ መአከቢ በጽሐ። ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ድማ፡ “ንዅሉ እቲ ዚብሃል ጽን ኢለ እሰምዕ ነይረ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ሃንደበት ግና ከብዱ ተቐርጸ። ናብቲ ኣዳራሽ ተመሊሱ ኺኣቱ ኸም ዘይክእል እናፈለጠ ድማ ካብቲ ኣዳራሽ ኪወጽእ ተገደደ። ሽዑ፡ ሓደ ኣአንጋዲ፡ “ኣብዚ ሰዓት እዚ ኸመይ ኢልካ ትወጽእ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣርተር ግና ኣማራጺ ኣይነበሮን።

ኣርተር ኪምለስ ከሎ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ድሙቕ ጣቕዒት ሰምዐ። ኣብ ግዳም ኰይኑ እንታይ ይብሃል ከም ዘሎ ኺሰምዓሉ ዚኽእል ቦታ ኼናዲ ኸሎ፡ ናብቲ 4.8 ሜተር ዝቝመቱ ናሕሲ ዚድይበሉ ቦታ ረኸበ። ድሕሪኡ ናብቲ ቆንቆር፡ ማለት ኣብ ናሕሲ ዚርከብ ብርሃን ዚኣትወሉ መሳዅቲ ገጹ ኸደ።

ኣብኡ ድማ ገሊኦም ኣሕዋት ናብቲ ተዛራባይ ኣተኲሮም እናጠመቱ ዚገብርዎ ጠፊእዎም ረኸቦም። ኵላቶም ብሓንሳእ ኣግማድ እቲ ጭርሖ ዘለዎ እተጠቕለለ ዓለባ በቲኾም ኪዝርግሕዎ እዩ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ። ኵላቶም ብሓንሳእ ነቲ ኣግማድ ምእንቲ ኺበትክዎ ግና፡ ሓንቲ ኻራ ጐዲላቶም ነበረት። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ኣርተር ሰንጢ ሒዙ ነበረ። እዚ ምስ ፈለጡ፡ ዓብዪ እፎይታ ተሰምዖም። ኣርተርን እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ኣሕዋትን ሓቢሮም ነታ ኣቐዲማ እተነግረቶም ምልክት ተጸበዩ። ሓውና ራዘርፎርድ ካልኣይ ሳዕ፡ “ኣውጁ!” ምስ በለ፡ ነቲ ኣግማድ ኪበትክዎ ነበሮም።

እቲ ብሰለስተ ሕብሪ እተጻሕፎ ዓብዪ ዓለባ ኸመይ ኢሉ ኻብቲ እተዓዅለለሉ ብጽቡቕ ከም እተዘርግሐ፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም እዮም። ኣብ ማእከል እቲ ዓለባ ኸኣ፡ ስእሊ የሱስ ነበረ።

ድሕሪኡ፡ እቶም ኣሕዋት ንኣርተር ናብቲ ናሕሲ ብመሳልል ምስ ደየቡ፡ እቲ መሳልል ከም እተወስዶም ነገርዎ። ሓገዝ ዚረኽቡሉ መገዲ ኣይነበሮምን፣ ስለዚ፡ ካራ ዝሓዘ ሓው ኪሰድደሎም ናብ የሆዋ ጸለዩ። እቶም ኣሕዋት እቲኦም፡ የሆዋ ብዜገርም መገዲ ጸሎቶም ከም ዝመለሰሎም እዮም ኣሚኖም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ