ትሕዝቶ
28 ነሓሰ 2017–3 መስከረም 2017 ዘላ ሰሙን
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብስጋዊ ጥሪትና ኣብ ሰማይ ‘ኣዕሩኽ ክንገብር’ እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ትገልጽ። (ሉቃ. 16:9) ባሮት እቲ ስስዐ ዝመልኦ ናይ ንግዲ ዓለም ምእንቲ ከይንኸውንን ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸነገልግሎን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ትገልጽ።
4-10 መስከረም 2017 ዘላ ሰሙን
ሓደ ክርስትያን ሰቡ ምስ ሞቶ ንዜጋጥሞ ኸቢድ ሓዘን ኪጻወሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስን ብቕዱሳት ጽሑፋትን ብክርስትያናዊት ጉባኤን ኣቢሉ ዜድሊ መጸናንዒ ይህበና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንርእስና ዀነ ንኻልኦት ሕዙናት ብኸመይ ከነጸናንዕ ከም እንኽእል ትገልጽ።
11-17 መስከረም 2017 ዘላ ሰሙን
መዝሙር 147፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ኺውድስዎ ብተደጋጋሚ ተተባብዕ እያ። ነቲ ጸሓፍ መዝሙር 147 ንኣምላኽ ኺውድሶ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ትገልጽ፡ ንሕና እውን ንኣምላኽ ክንውድሶ ባህጊ ኺሓድረና ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ኸኣ ትሕብር።
18-24 መስከረም 2017 ዘላ ሰሙን
22 “ኣብ ኵሉ ውጥናትካ . . . ኣሳልጦ ይሃብካ”
ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብቕንኣት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይጅምሩ ኣለዉ። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ባህጊ ኣሎካዶ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ዜሐጕስን ዕዉትን መጻኢ ኽትውጥን ዚሕግዘካ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ትህብ።