ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ጥቅምቲ ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ‘እወ’ ዝበልካዮ፡ እወ ይኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንኣምላኽ ተኣዘዞ፡ ካብቲ ዝመሓሎ ማሕላ ኸኣ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ጥቅምቲ ገጽ 32

ትፈልጥዶ፧

የሱስ ንማሕላ ዝዀነኖ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምሕል

ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ማሕላ ግቡእ ዝነበረሉ ዅነታት ነይሩ እዩ። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፡ ሰባት ምእንቲ ኺኣምንዎም ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዘረባኦም ይምሕሉ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነዚ ልምዲ እዚ ኽልተ ግዜ ዀኒንዎ እዩ። “‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን” ኢሉ ኸኣ መሃረ።—ማቴ. 5:33-37፣ 23:16-22።

ብመሰረት ቲኦሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት፡ ኣይሁድ ዘረባኦም ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ወትሩ ይምሕሉ ኸም ዝነበሩ ታልሙድ ይሕብር እዩ። ታልሙድ ኪሕሎ ዘለዎ ማሕላን ኪፈርስ ዚኽእል ማሕላን ብዝርዝር ይገልጽ እዩ።

ነዚ ግጉይ ልምዲ እዚ ዝዀነኖ ግና፡ የሱስ ጥራይ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ማሕላ ብዛዕባ ዝዀነነት ሓንቲ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኣይሁድ ጽሒፉ እዩ። ኣባላት እታ ጕጅለ፡ ማሕላ ኻብ ሓሶት ዝኸፍአ ሓጢኣት ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። ኪእመን ኢሉ ንዚምሕል ሰብ ከኣ፡ ከም ሓሳዊ ይቘጽርዎ ነበሩ። ዊስደም ኦቭ ሲራክ፡ ወይ ከኣ ኤክለስያስቲከስ፡ (23:11) ዘርእስቱ ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፋት ኣይሁድ እውን፡ “ዚምሕል ሰብ ቀንዲ ጠሓስ ሕጊ እዩ” ይብል። የሱስ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሉ ነገራት ምምሓል ከም ዘይግባእ ገሊጹ እዩ። ኵሉ ሳዕ ሓቂ ንዛረብ እንተ ዄንና፡ ክንምሕል ኣየድልየናን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ