ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 3 ገጽ 14-15
  • ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕግበት ምርካብ
  • ንጸገም ጥዕና ምኽኣሉ
  • ሓዳር ምድልዳል
  • ነባሪ ሓዳር ንምምስራት ዝሕግዛ ክልተ መፋትሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ፍሽኽታ ጽቡቕ ኢዩ!
    ንቕሑ!—2001
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንናብራ ስድራቤት ዕዉት ምግባር
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 3 ገጽ 14-15
ሓደ ኻብቶም ኣቐዲሞም እተራእዩ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሰበይቱን ብሓባር ምግቢ ይሰርሑ

ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል

ኣብ መጻኢ፡ ካብ ሕማምን እርጋንን ሞትን ናጻ ዝዀነ ህይወት ኪህሉ እዩ፣ ንስኻ እውን ነዚ ህይወት እዚ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ! ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘሎ ህይወት ብመከራን ብጸገማትን ዝመልአ እዩ። ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ናብ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ዚመርሕ መምርሒ ይህብ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማትን መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእልን እስከ ንርአ።

ዕግበት ምርካብ

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”—እብራውያን 13:5።

ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ማእለያ ዘይብሉ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ክንረክብ ከም ዘሎና ምእንቲ ኸተእምነና ወትሩ ትቃለስ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና “በቲ ዘሎኩም . . . ዕገቡ” እዩ ዚብለና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧

“ፍቕሪ ገንዘብ” ኣይነሕድር። ሰባት ብሰንኪ “ፍቕሪ ገንዘብ፡” ጥዕናኦም፡ ስድራ ቤቶም፡ ሕልናኦም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ክብሮም ይሸጡ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ከቢድ ዋጋ እዮም ዚኸፍሉ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ፈታው ሃብቲ “ኸቶ ኣይጸግብን እዩ።”—መክብብ 5:10።

ንንብረት ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኣኽቢርና ንርአ። ስጋዊ ንብረት ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ኣይከሓድን እዩ። ንብረት ግና ኬፍቅረና ወይ ኬመስግነና ኣይክእልን እዩ፣ ሰባት ጥራይ እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ። “ናይ ሓቂ ፈታዊ” ነቲ ኣብ ህይወት እንረኽቦ ዕግበት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።—ምሳሌ 17:17።

መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ፡ ሎሚ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወና ይኽእል

ንጸገም ጥዕና ምኽኣሉ

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ።”—ምሳሌ 17:22።

ሓጐስ ከም “ጽቡቕ መድሃኒት” ብምዃኑ፡ ንሕማምና ኽንጸውር ይሕግዘና እዩ። ጸገም ጥዕና ኺህልወና ኸሎ ግና፡ ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል፧

ኣመስገንቲ ንኹን። ኣብ ወጽዓና ጥራይ እንተ ኣተኲርና፡ “ኵለን መዓልትታት” ክፉኣት ኰይነን እየን ዚርኣያና። (ምሳሌ 15:15) ኣብ ክንዳኡ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመስገንቲ . . . ኹኑ” ይብለና እዩ። (ቈሎሴ 3:15) እምበኣር፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥመና ዝዀነ ጽቡቕ ነገር፡ ዋላ እውን ንእሽቶ ይኹን ነመስግነሉ። ውቁብ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ህዱእ ፈሽፈሽታ፡ ፍሽኽታ እትፈትዎ ሰብ ንህይወትና መቐረት ኪውስኸላ ይኽእል እዩ።

ንኻልኦት ንሓግዝ። ዋላ እኳ ጽቡቕ ጥዕና እንተ ዘይብልና፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ካልኦት ስለ ጻዕርታትና ኼመስግኑና ኸለዉ፡ ባህ ዜብል ዕግበት ይስምዓና እዩ፣ እዚ ኸኣ ንጸገማትና የረስዓና እዩ። ካልኦት ህይወቶም ኬመሓይሹ ብምሕጋዝ፡ ህይወትና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና።

ሓዳር ምድልዳል

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ [መርምሩ]።”—ፊልጲ 1:10።

ብሓባር ብዙሕ ግዜ ዘየሕልፉ ሰብ ሓዳር፡ እናተረሓሓቑ እዮም ዚኸዱ። እምበኣር፡ ሰብኡትን ኣንስትን ንሓዳሮም፡ ቀዳምነት ኪህቡ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ ሓዳሮም ሓደ ኻብቲ ዚሓይሽ እተባህለ ነገራት እዩ።

ተግባርኩም ብሓባር ግበሩ። ብብሕቲ ዜገድሰኩም ነገራት በብውልቅኹም ኣብ ክንዲ እትገብሩ፡ ተግባርኩም ብሓባር ንምግባር ስለምንታይ መደብ ዘይተውጽኡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ” ይብል። (መክብብ 4:9) ብሓባር ምግቢ ኽትክሽኑ፡ ምውስዋስ ኣካላት ክትገብሩ፡ እናሰተኹም ክትዘናግዑ፡ ወይ ኣብ ገሊኡ መሕለፍ ግዜ ኽትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።

ፍቕርኹም ተገላለጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ሓዳር፡ ኪፋቐሩን ኪከባበሩን የተባብዖም እዩ። (ኤፌሶን 5:28, 33) ድሙቕ ፍሽኽታ፡ ባህ ዜብል ሕቝፊ፡ ወይ ንእሽቶ ህያብ ንሓዳር ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ጾታዊ መግለጺ ፍቕሪ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ጥራይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኪርሳዕ የብሉን።—እብራውያን 13:4።

“ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ህይወተይ ዕላማ ረኺበ እየ!”

—ርዮኮ ሚያሞቶ ዘዘንተወቶ፡ ካብ ጃፓን።

ህይወት ከቢድ እዩ ነይሩ። ሰብኣየይ ኣልኮላዊ መስተ የብዝሕ ነይሩ እዩ፣ ሓደ ስራሕ ሒዙ እውን ኪጸንሕ ኣይከኣለን። ከም ኣቦ ኣርባዕተ ደቅና መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት እውን ጠንጢንዎ እዩ ነይሩ። ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ብሩህ ተስፋ ኣይነበረንን። ስለዚ፡ ‘እዚ ድዩ ዕድለይ፡ ወይስ ኣብ ዝሓለፈ ህይወተይ ንዝገበርክዎ ሓጢኣት እየ ዝቕጻዕ ዘለኹ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

ድሕሪኡ፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤተይ መጺኣ። ኣብ ገጻ ድሙቕ ፍሽኽታ እናተነብበ ኸኣ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ብውዕዉዕ መንፈስ ነጊራትኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እውን ሕቶ ኣቕሪባትለይ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ጥበበኛን ፍትሓውን ፈቃርን ድማ ከም ዝዀነ ተማሂረ። ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ከኣ ፈሊጠ፡ መከራይ ብሰንኪ ዕድለይ ከም ዘይኰነ እውን ተማሂረ።

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዚምስረት ርክብ ከም ዚህነጽ ክርዳእ ክኢለ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምፍላጠይ፡ ብዙሕ መተባብዕን ናጽነትን ዕረፍትን ኣምጺኡለይ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ህይወተይ ዕላማ ረኺበ እየ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ