ነቲ ህዝባዊ ምስክርነት ናይ ተስፋኻ ብዘይ ምንቕናቕ ኣጽኒዕካ ሓዞ
1 ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሎሚ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ “መግቢ በብጊዜኡ” ዝረኽብሉ ቀንዲ መገዲ ኢዩ። (ማቴ. 24:45) ናብዚ ኣኼባ እዚ ንኽልተ ቀንዲ ምኽንያት ማለት ብመንፈስ ክንዓብን ህዝባዊ ምስክርነት ናይ ተስፋና ንኻልኦት ክንነግርን ኢና እንእከብ። — እብ. 10:23-25
2 ገዛእ ርእስና ምጥቃም:- ኣብ ዝበዝሓ ጉባኤታት ሲሶ ናይቶም ተሳተፍቲ ጥራሕ ኢዮም ኣቐዲሞም ነቲ ትምህርቲ ከም ዝዳለዉሉ ዝግመት። ዳርጋ ክንድኦም ዝኾኑ ድማ ሓሳብ ኣብ ምሃብ ይካፈሉ። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝቐርብ ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ ኣብ ግዜ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ኣይከኣልን ኢዩ። ኣቐዲምካ ነቲ ትምህርቲ ክትዳለወሉ ግዜ ክትምድብ የድልየካ ኢዩ።
3 ክትዳሎ ከሎኻ: ነቶም ኣብ ጥቓ እቲ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ኣብ ሳጹን ዘለዉ ሕቶታት ኣቐዲምካ ከተንብቦምን ክትሓስበሎምን ሓጋዚ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናብቲ ክትመሃሮ ዘሎካ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ትምህርቲ ብኣቓልቦ ንኸተስተብህል ክሕግዘካ ኢዩ።
4 እቲ ትምህርቲ ክውሰድ ከሎ: ነቲ ዝዝረብ ብጥንቃቐ ስምዓዮ። ናብቲ እቲ ዝመርሕ ዝህቦ ናይ መእተዊ ሓሳባት ኣስተብህል: እቲ ንሱ ዝህቦ ሓሳባት ነቲ ትምህርቲ መገዲ ክኸፍተልካ ኢዩ። ክምለሱ ዘለዎም ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሕቶታት ይሓትት ይኸውን። ወይውን እቲ ናይዚ ሰሙን እዚ ትምህርቲ መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዝኸውን ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ትምህርቲ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ይደግም ይኸውን። ገለ ምትዕርራይ ዘድልዮ ብዛዕባ ትንቢት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ድማ ጽሑፋዊ ስርዓት ምስ ዝህሉ ከነስተብህለሉ ክድግፈና ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: በቲ ዝመርሕ ዝወሃቡ ሓሳባት ሓጸርቲ ክኾኑ ይግብኦም: ምኽንያቱ ሓደ ዕላማ ናይቲ ትምህርቲ: እታ ጉባኤ ተስፋኣ ክትገልጽ ኣጋጣሚ ንምሃብ ኢዩ። ካልኦት ብዛዕባ እቲ እተማሃርዎ ሓሳባት ክህቡ ከለዉ ስምዓዮም: እዚ እምነትካ ንኽትድልድል ክሕግዘካ ኢዩ።
5 ተስፋኻ ኣውጅ:- እቲ ትምህርቲ ክውሰድ ከሎ: ስርዓታዊ ኴንካዶ ሓሳባት ትህብ ኢኻ? ሓጸርትን ቀንዲ ሓሳባትን ይምረጹ ኢዮም። (ምስ ሉቃስ 21:1–4 ኣነጻጽሮ) ቀሊልን ካብ ልቢ ዝነቐለን ሓሳባት ብኹሎም ይምስገን ኢዩ። እቲ ናይ መጀመሪያ መልሲ ንሓደ ሕቶ ኩሉ ግዜ ሓጺርን ቀጥታውን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ካልኦት ኣብ ጥቕሲ ወይ ድማ ኣብ ዝርዝር ናይታ ዓንቀጽ ከድህቡ ኣጋጣሚ ይህቦም። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ብዙሓት ብዛዕባ እምነቶም ህዝባዊ ምስክርነት ክህቡ ኢዮም። ሓሳባት ኩሉ ግዜ ኣወንታውን ዝሃንጹን ክኾኑ ኣለዎም።
6 ኣብቲ ትምህርቲ ምክፋል ዝጀመርካ ወይ ድማ መልሲ ክትህብ ዘጨንቐካ ምስ ዝኸውን እቲ ዝመርሕ ዘሎ ክሕግዘካ ክትሓቶ ትደሊ ትኸውን። ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ምስ በጽሐ ንኢድካ ከስተብህለሉ ሕተቶ። ምናልባትውን ጥቕሲ ኣንቢብካ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትገልጽ ፍቓደኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ክትምልሽ ከሎኻ እንታይ ከም እትብል ክሕግዘካ ኣብ ጸግዒ ወይ ኣብቲ እግሪ ቍሩብ ነጥብታት ክትጽሕፍ የድልየካ ይኸውን። መንእሰይ እንተኾይንካ ኸኣ: መልስኻ ተቐባልነት ከም ዘለዎን ከም ዝምስገንን ዘክር። — ማቴ. 21:16
7 እምነትና ክንገልጽ ኣገዳሲ ኢዩ: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ነዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይህብ። ክትምልሽ እትጠራጠር እንተደኣ ኴንካ ነቲ ጸገም ከተወግዶ ጽዓር እሞ እንተወሓደ ሓንሳእ መልሲ ሃብ። ነቲ ኣኼባ እጃምካ ከተበርክት ኢኻ: በዚ ድማ ጽቡቕ ክስመዓካ ኢዩ። እሞ ድኣ ኣብዛ ትመጽእ ዘላ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ እንተወሓደ ሓንሳእ ክትምልሽ ዘይትምድብ? — ምሳ. 15:23