ቲኦክራቲካዊ ዜና
ኬንያ:- ምረቓ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ:- ናይሮቢ ጊቱራይ: ብ11 ጥሪ 1994: 290 ተኣኪቦም። ባናና ሂል ድማ ብ29 ጥሪ 248 ተረኺቦም።
ህንዲ:- ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 13, 217 በጺሖም። እዚ ብተኸታታሊ ንሰለስተ ግዜ ዝበጽሕዎ ዝለዓለ ቍጽሪ ኢዩ።
ሊቱወንያ:- እቲ ናይ ጥቅምቲ ጸብጻብ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 871 የርኢ። እዚ ካብቲ ናይ ጥቅምቲ 1992 ብ39 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ኣርእዩ።
ኬፕ ቬርደ: ካብ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 861 ኣብ ወርሒ ሕዳር ጸብጻብ ሂባ ። እቶም ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ብገምጋም 13 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም ። 1798 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሪሖም ።
ኔፓል: ኣብቲ ኣብ ካትማንዱ ካብ 18 ክሳዕ 21 ሕዳር 1993 ዝተገብረ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ አውራጃዊ ኣኼባ 576 ተኣከብቲ ነይሮም ።