“ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ናይ 1998 ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት
1 ምሳሌ 10:29 ‘መገዲ እግዚኣብሄር እምባ ኢዩ’ ብምባል ተዘኻኽረና። ናይዚ ዓመት እዚ ዓቢ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዝብል ክኸውንሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! እዚ ቀንዲ ኣርእስቲ እዚ ኣብቲ ዝግበር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፕሮግራም ብኸመይ ኢዩ ክሰፍሕ፧ ነቲ ተዳልዩልና ዘሎ ንምስማዕ ኵላትና ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። ኣድለይቲ ነጥብታት ድማ ክጐልሑ ኢዮም።
2 ሚስዮናውያን: ኣህጉራውያን ሰራሕተኛታት: ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘገልግሉ ካልኦት ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ክህልዉ ኢዮም። ኣብተን ኣህጉራዊ ኣኼባታት ዝካየደለን ከተማታት ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ልኡኻት ክህልዉ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም: የሆዋ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ነቲ ዕዮ ብኸመይ ይባርኾ ከም ዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ከጕልሕ ኢዩ።
3 ንኽትካፈል ጻዕሪ ክትገብረሉ ዝግባእ ኢዩ:- ብዙሓት ኣሕዋትና ብሰንኪ ውግእን ናዕብን ካልእ ሽግራትን ብዙሕ ጸገም የሕልፉ ኣለዉ። ነቲ ህዝቢ የሆዋ ዝገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ድማ ከም ቀንዲ ክፍሊ ናይ ህይወቶም ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ገሊኣቶም ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል ነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዙ ኣለዎም: እንተዀነ ግን ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ክትሓልፎም ኣይደልዩን ኢዮም። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (ዛየር ነበር) ዘሎ ወዲ 73 ዓመት ሓው: ኣብ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል 450 ኪሎ ሜተር ብእግሪ ተጓዕዘ። ድሕሪ ናይ 16 መዓልቲ ጕዕዞ: ኣእጋሩ ሓቢጡ ኣብቲ ቦታ በጽሐ። እንተዀነ ግን ኣብኡ ብምብጽሑ ሕጉስ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ ተወድአ ኣዝዩ ተሓጒሱን ብመንፈስ በርቲዑን ንገዝኡ ብእግሪ ተመልሰ። ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል ከምዚ ክገብር ጸኒሑ ኢዩ!
4 ኣብ ሞዛምቢክ ድማ ሓደ ናይ ኣውራጃ ተዓዛብን በዓልቲ ቤቱን ንሓደ ዓቢ ጎቦ ደይቦም: ምድረ-በዳ ብዝዀነ ቦታ ኣቋሪጾም ናብቲ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ዝግበረሉ ቦታ በጽሑ። ነቲ 90 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጕዕዞ ብ45 ሰዓታት በጽሕዎ። ኵሎም እቶም ኣብቲ ኣሰምብሊ እተኻፈሉ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ብዘርኣይዎ ኣብነት ተተባብዑ። ኣብኡ ዝነበራ ብዙሓት ስድራቤታት እውን ተመሳሳሊ ጻዕሪ ገይረን ኢየን። ንሓደ ወዲ 60 ዓመት ሓው ወሲኽካ ገለ ኣሕዋት 200 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ተጓዒዞም ከም ዝመጹ እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ጸብጻብ ሃበ!
5 ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዝግበር ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ውሱን መደባት ገይርካዶ ኢኻ፧ መብዛሕትና ነዊሕ መገዲ ክንጓዓዝ ኣየድልየናን ኢዩ: እንተዀነ ግን ምስ ስድራቤትካ ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ክትርከብ ገለ ጻዕርን መስዋእትን ምግባር ከድሊ ኢዩ። ቤትካ ወይ ሕርሻኻ ሓላዊ ዘድልዮ እንተድኣ ኰይኑ ብጸሎት ኣቐዲምካ መደብ ምግባር ከድሊ ኢዩ። ኣብ ብምልኡ እቲ ፕሮግራም ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ንምክፋል ምትዕርራያት ግበር። ብዙሓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ገጾም ይስጕሙ ኣለዉ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ምስ ዝካፈሉ እቲ ልክዕ ዝዀነ ውሳነ ንምግባር ክሕግዞም ኢዩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም ሰባትን ካልኦት ተገደስትን ምሳኻ ክካፈሉ ዓዲምካዮምዶ ኢኻ፧
6 ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፕሮግራም:- ዓርቢ: ቀዳም: ከምኡውን ሰንበት እቲ ፕሮግራም ንግሆ ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ. ክጅምር ኢዩ። እቲ ፕሮግራም ዓርብን ቀዳምን 5:00 ድ.ቀ. ሰንበት ከኣ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ. ክውዳእ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ኣፍ ደገታት ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ክኽፈት ኢዩ። ኣቐዲሞም ክኣትዉ ዝፍቀደሎም: እቶም እተወሰነ ዕዮ ንኽዓዩ እተመዘዙ ጥራይ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ክሳዕ ዝኸውን ቦታ ክሕዝ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍቀደሉን ኢዩ።
7 ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ክንከይድን ካብኡ ክንምለስን ከሎና ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክንገብረሉ እንኽእል ኣጋጣሚ ክንደሊ ኣሎና። ነቶም ብኻልእ መገዲ እቲ ብስራት ክበጽሖም ዘይክእል ሰባት ክትምስክረሎም ነቲ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክትጥቀመሉ ትራክትታት: ሓደስቲ መጽሔታት: ብሮሹራት ወይ ካልእ ጽሑፋት ኣዳሉ።—2 ጢሞ. 3:17
8 “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ”:- ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልቲ ነቲ ኣብ ሉቃስ 8:18 ዘሎ ምኽሪ ከቕልብሉ ጽቡቕ ኢዩ። ኵላትና መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ መዝሙር መጽሓፍ: ከምኡውን መዘኻኸሪ እንጽሕፈሉ ወረቐት ክንሕዝ ሰናይ ኢዩ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ዝቐርብ ክፍሊ ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ክትሕዝ ጽን ኢልካ ስማዕ: ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ድማ ጽሓፍ። ነቲ ትምህርቲ ብብሕትኻ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም እተውዕሎ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ካብ ኣኼባ ምስ ተመለስካ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ቅድሚ ምድቃስካ ነቲ ዝጸሓፍካዮ መዘኻኸሪ ድገሞ: ነቲ ናይ የሆዋ መገዲ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ትስዕቦ ከም ዘለኻ ድማ መርምር።—ምሳ. 4:10-13
9 ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ገለ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ዝወሃቦም ዝነበረ መዘኻኸሪታት ጽን ኢሎም ስለ ዘይሰምዕዎ ከቢድ ጌጋታት ፈጺሞም ኢዮም። ከምኡ ዝኣመሰለ ጌጋታት ክንገብር ከም ዘይንደሊ እተረጋገጸ ኢዩ። (2 ነገ. 17:13-15) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንዅላትና ዘድሊ መምርሒ የዳሉ ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ፕሮግራም ናይዚ ሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ኣኼባ ክንከታተል ከሎና ‘ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ነቕልብ’ ምህላውና ብፍላይ ከነስተብህል ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ኣነባብራና ጥዑይ ጽልዋ ዝገብር ሓበሬታ ሓዊስካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘገድሰና ነጥብታት ክጐልሕ ኢዩ። ነቲ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ኣኼባ: የሆዋ ኣዳልይዎ ዘሎ መንፈሳዊ ነገራት ጽን ኢልና ብምስማዕን ምሉእ ብምሉእ ካብኡ ብምጥቃምን ተስፋና ኣጸቢቓ ክትድልድል ኢያ: በዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ፈጺምና ‘ኣይክንጠፍእን’ ኢና።—ማቴ. 24:45፣ እብ. 2:1
10 ንኣምላኽ ዘኽብር ኣከዳድና:- ኣብዘን ጽንኩራት ግዜያት ብመንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምእንቲ ከይንጽሎ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ከነቕልብ የድልየና። (1 ቈረ. 2:12) ክዳውንትናን ኵልንትናናን ግቡእን ንኽብሪ ናይቲ እነምልኾ ኣምላኽ ዘንጸባርቕን ክኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ኣብ መንጎ እቶም ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ዝስለምዎ’ ንምዃን ክቡር ክዳውንቲ ምኽዳን ኣየድልን ኢዩ። (ቲቶ. 2:10) ነቲ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 17 ከምኡውን 18 ቍጽሪ 14-18 ዘሎ ብሉጽ: ተግባራዊ ከምኡውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝዀነ ምኽሪ ኣስተብህለሉ። ነቲ ንየሆዋ ዘኽብር ክዳውንቲ ብምኽዳን ክንህቦ እንኽእል ምስክርነት ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ።
11 ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ድሕሪ ኣኼባ ምሸት ምስ ሓዋ ናብ ሓደ ቤት ብልዒ ምስ ከደት: ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነቶም መሰኻኽር ጽሩይን ግቡእን ዝዀነ ክዳን ተኸዲኖም: ባጅ ገይሮም ብምርኣዮም ጽቡቕ ጽልዋ ከም ዝገበረሎም ኣዘንተወት። እዚ ድማ ንገለ ካብቶም ዓማዊል ምስክርነት ንምሃብ ኣኽኢሉ ኢዩ።
12 ንየሆዋ ዝውድስ ጠባይ:- ክርስትያናዊ ጠባይና ነቲ ካልኦት ብዛዕባ ንጹህ ኣምልኾ ዘለዎም ኣረኣእያ ክትንክፎ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ነቲ ብስራት ዝበቅዕን ንየሆዋ ዘወድስን ጠባይ ከነርኢ ኢና እንድሊ።—ፊል. 1:27
13 ዝሓለፈ ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሰሜን ኣንጎላ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተገይሩ ነበረ። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ ጸጥታ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ክልተ ናይ ፖሊስ ሓለፍቲ ናብቲ ቦታ መጹ። ኣብኡ ምሉእ መዓልቲ ወዓሉ። ኣብ መወዳእታ ናይታ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎ ስነ-ስርዓት ዘለዎ ጠባይን ከም እተገረሙ ገለጹ። ሓደ ካብኦም “ስለምንታይ ኢና ናብዚ መጺእና፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባታቶም ስርዓት ከም ዘለዎም ንፈልጥ ኢና” በለ።
14 ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ዘላ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣባል ዝዀነ ሓደ ሰብ ኵሎም ካልኦት ኣባላት ናይታ ንሱ ዝነበራ ሰልፊ ምስ ተቐትሉ ናብ ኣውሮጳ ሃደመ። ብዙሕ ብሕታዊ ሽግራት ስለ ዘሕለፈ ተስፋ ቈረጸ። ኣብ መወዳእታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ፍቓደኛ ኰነ። ንመጀመርያ ግዜ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ክካፈል ከሎ እተፈላለየ መበቈል ዘሎዎም ሰባት ብሰላምን ስምረትን ብሓደ ክእከቡ ምርኣዩ ኣዝዩ ተመሰጠ። ንሓቂ ከም ዝረኸባ ኣመነ: ኣብቲ ኣኼባ ከሎ ድማ ምስ ፖለቲካዊ ነገራት ዝነበሮ ዝዀነ ይኹን ምትእስሳር ክገድፎ ወሰነ። ጸኒሑ ተጠመቐ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ንሱን ደቁን ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ።
15 ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እነርእዮ ጠባይ ነቶም ንመጀመርያ ግዜ ዝካፈሉ ሰባት ብኸመይ ክትንክፎም ኢዩ፧ ነቲ ወለንተኛታት ኴንና ክንሰርሕ ከሎና እነርእዮ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከስተብህልሉ ድዮም፧ ብናይ ኣከባቢና ጽሬት: ካብቲ ቦታ ቅድሚ ምውጻእና ድማ ንሕናን ደቅናን ነቲ ኣብ ጥቓና ዝህሉ ዝዀነ ይኹን ርስሓት ከም እነልዕሎን እንጕሕፎን ብምርኣይ ክድነቑ ድዮም፧ ካብቲ እንነብረሉ ቦታ ናብቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ክንከይድን ክንምለስን ከሎና ነቲ ሰናይ ጠባይና ክዕዘብዎ ድዮም፧ ከም ወለዲ መጠን ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንደቅና ከም እንቈጻጸሮም ከስተብህሉ ድዮም፧ ኵላቶም ዝዕዘቡና ብዛዕባና ጽቡቕ ስምዒት ከም ዘሕድሩ ንምግባር ክንጽዕር ኣሎና።
16 ንወጻኢታት ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ምሽፋን:- ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስታድየም ወይ ናይ መአከቢ ኣደራሻት ኣቲኻ ስፖርት ወይ ድማ ካልእ ትርኢት ንምርኣይ መእተዊ ወረቐት ንምርካብ ዝኽፈል ገንዘብ ብዙሕ ኢዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ገለ ምኽንያት ድማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ክራይ ክቡር ብምዃኑ ኢዩ። ማሕበር ኵሉ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት “መእተዊ ናጻ: ዝእከብ ገንዘብ የለን” ዝብል መምርሒ ኢዩ ዘለዋ። እቲ ንኽራይን ንኻልእ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝህሉ ወጻኢታትን ዘድሊ ገንዘብ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ ክሽፈን፧ እቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝካፈሉ ብዝገብርዎ ልግሲ ዘለዎ ውጽኢት ኢዩ። ከምቲ ቅድም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣብነት ብምስዓብ ዘንጸባረቕዎ ናይ ልግሲ መንፈስ ከም እተንጸባርቑ ድማ ርግጸኛታት ኢና። (2 ቈረ. 8:7) ኵሉ ዝግበር ውጽኢታት ንኸይስረቕ ብርቱዕ ጥንቃቐ ኢዩ ዝግበር: ተቘጺሩ ይምዝገብ: ኣብቲ እተመደቦ ዕላማ ድማ ኢዩ ዝውዕል።
17 ኮፍ መበሊ:- እቲ ኮፍ መበሊ ክተሓዝ ዝከኣል ነቶም ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካን ብማኪና ምሳኻ ንዝጓዓዙን ጥራይ ኢዩ ዝብል ንብዙሕ ዓመታት ክወሃብ ዝጸንሐ መምርሒ ሕጂ እውን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምምሕያሽ ምግባርና ብሓቂ ዘተባብዕ ኢዩ: ኣብቲ ኣኼባ ንዝነበረ ናይ ፍቕሪ ሃዋሁ ድማ ዘዕብዮ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ገለ ኮፍ መበሊታት ካብ ካልእ ንላዕሊ ብቐሊሉ እትረኽቦም ኢዩ። ስለዚ በጃኻትኩም እቲ ዝያዳ ምቹእ ዝዀነ ኮፍ መበሊታት ነቶም ዓበይትን ጽጉማትን ግደፍሎም። ‘ፍቕሪ ናታ ከም ዘይትደሊ’ ኣይትረስዑ።—1 ቈረ. 13:4, 5፣ ፊል. 2:4
18 ካሜራታትን ናይ መምልኢ መሳርሒታትን:- ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ካሜራታትን ናይ መምልኢ መሳርሒታትን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክትጥቀመሎም ከሎኻ ንኻልኦት ዝርብሽ ክኸውን የብሉን። እቲ ፕሮግራም እናተኻየደ ከሎ ስእሊ ንምስኣል ናብዝን ናብትን ንብል እንተድኣ ኴንና ነቶም ጽን ኢሎም ክሰምዑ ዝደልዩ ንርብሾም ኢና። ዝዀነ ይኹን ናይ መምልኢ መሳርሒታት ምስቲ ዝዝርጋሕ ናይ ኤሌክትሪክን ድምጽን ገመዳት ክተሓሓዝ የብሉን: ዝዀነ ይኹን መሳርሒ ኸኣ ነቲ ናይ መንጎ መተሓላለፊታት ዝዓጹ ወይ ንኻልኦት ተዓዘብቲ ከይርእዩ ዝጋርድ ክኸውን የብሉን።
19 ቀዳማይ ረድኤት:- ክፍሊ ቀዳማይ ረድኤት ንዝፍጠር ሃንደበታዊ ነገራት ጥራይ ኢዩ ኣገልግሎት ዝህብ። ዝዀነ ይኹን ሃንደበት ዝለዓል ሕማም: ሕማም ሽኮር: ሕማም ልቢ: ከምኡውን ካልእ ሕማማት ዘለዎ ሰብ እቲ ዘድሊ መድሃኒት ሒዙ ክመጽእ ኣለዎ። ሓገዝ ምእንቲ ክረክብ ብሓደ ንዅነታት ናይቲ ሕሙም ዝርዳእን ሃንደበታዊ ሽግር ምስ ዝለዓል ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእልን ኣባል ስድራቤት ወይ ናይ ጉባኤ ኣባል ክስነዩ ኣለዎም። ፍሉይ ምክትታል ዘድልዮ ሕማም ዘለዎም: እንተዀነ ግን ዝሕግዞም ኣባል ስድራቤት ዘይብሎም ምስ ዝዀኑ: እቲ ኵነታት ነቶም ሽማግለታት ክንገርን ንሳቶም ድማ ዘድሊ ምድላዋት ክገብሩን ይግባእ።
20 ነቲ ዓቢ ኣኼባ ዘድሊ መግቢ:- ኣብ ግዜ ዕረፍቲ መግቢ ክትገዝእ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምውጻእ: ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ኣኼባ ዝካፈል ሰብ ምስኡ መግቢ ሒዙ ክመጽእ ኣለዎ። ከዕግበካ ዝኽእል ፍኹስ ዝበለን ብቐሊሉ ክትሕዞ እትኽእልን መግቢ ኣኻሊ ኢዩ። ናይ ሓምለ 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ቍጽሪ 17 ብዛዕባ እቲ ከነምጽኦ እንኽእል መግቢ ገለ ሓሳባት ሂባ ኣላ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታታት ካብ ጥርሙስ እተሰርሐ መትሓዚ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ሒዝካ ምምጻእ ኣይፍቀድን ኢዩ።
21 እቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ናይ 1998 ዓቢ ኣኼባ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ክጅምር ምዃኑ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ንኽትካፈል እትገብሮ ምድላዋት ወዲእካዶ፧ ተሓዲስካ: ኣብቲ ክቡር ኣገልግሎት የሆዋ ንቕድሚት ንምስጓምን ነቲ ዘለኣለማዊ በረኸት ዘምጽኣልካ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ድማ ብቐጻሊ ንምስዓብን ቈሪጽካ ንቤትካ እትምለስ ይግበርካ።