ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ካብ መስከረም ክሳዕ ታሕሳስ:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ብ3.00 ብር/ናቕፋ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።
◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እተወገዱ ወይ ካብ ማሕበር እተፈለዩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ካልኣይቲ ዓንቀጽ ካብ ቍጽሪ 5-15 ከምኡውን ገጽ 17 ኣብ ዘሎ ሳጹን እተዋህበ መምርሒ ክስዕቡ መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም ኣሎ።
◼ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ንዅሉ እቲ ሓድሽ ይኹን ዝሕደስ ኵንትራት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይ ብሕቶም ኵንትራት እውን ይኹን በታ ጉባኤ ኣቢሎም ክሰድዎ ኣለዎም።
◼ ማሕበር ንጽሑፋት ዝምልከት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ሕቶታት ከተማልእ ኣይትኽእልን ኢያ። እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ኵሎም: ነቲ ኣብ ጽሑፋት ዝዓዪ ሓው ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ክነግርዎ: ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቅጥዒ ናብ ማሕበር ቅድሚ ምልኣኹ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ምልክታ ከም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዝሕተቱ ጽሑፋት ኣየኖት ምዃኖም በጃኹም ኣይትረስዕዎ።
◼ መጺኡ ዘሎ ሓድሽ ጽሑፍ:- ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር።