“ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ
1 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ንጢሞቴዎስ ኣዘኻኸሮ። (2 ጢሞ. 3:16 NW ) ቃል ኣምላኽ መንፈስ ዝነፈሶ ብምዃኑ: ኣብኡ ክንኣምን እኹል ምኽንያት ኣሎና። ናይዚ ዓመት እዚ ኣውራጃዊ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስቲ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዝብል ኢዩ። ኣብ ሓቂ ብዙሕ ዓመታት ዝገበርና ንኹን ወይ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብ ማሕበር የሆዋ ዝመጻእና ብዘየገድስ: እቲ ፕሮግራም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና እምነት ከሐይለልና ኢዩ። ኵልና ኣብ ብምሉኡ እቲ ፕሮግራም ንምክፋል ምድላው ክንገብር ኣሎና። ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት: ብፍላይ ድማ እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም: ምሳና እንተድኣ ተኻፊሎምስ ክሳዕ ክንደይ ሃናጺ ኰን ክኸውን ኢዩ!
2 ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ:- ኣብዚ ዓመት እዚ ንጥቕምና ተባሂሉ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፕሮግራም ኣውራጃዊ ኣኼባ ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ጉባኤኻ ተመዲባትሉ ዘላ ዓቢ ኣኼባ ተነጊሩካ ኣሎ: ኣብ ሰለስቲኡ መዓልታት ናይቲ ፕሮግራም ንምክፋል ንጹር መደባት ክትገብር ኣሎካ። እቲ ዘድሊ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ምእንቲ ክህበካ ንሓለቓኻ ነጊርካዮዶ፧ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ውሉዳት እንተድኣ ኣልዮምኻ: እቲ ኣብ ከባቢኻ ዝግበር ዓቢ ኣኼባ ድማ ኣብ እዋን ትምህርቲ ዝካየድ እንተድኣ ኰይኑ: ደቅኻ ኣብዚ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ሃይማኖታዊ ልምምዶም ዝዀነ ኣኼባ ንምክፋል ዓርቢ ከብኵሩ ምዃኖም ንመምህራኖም ብኣኽብሮት ኣፍሊጥካዮምዶ፧—ዘዳ. 31:12
3 እቲ ፕሮግራም ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰዓት 9:30 ቅ.ቐ. ክጅምር ኢዩ። እቲ ኣፍ ደገታት ሰዓት 8:00 ቅ.ቐ. ክኽፈት ኢዩ። ኣቐዲሞም ክኣትዉ ዝፍቀደሎም እቶም ንኽዓዩ እተመዘዙ ጥራይ ኢዮም: እዚኣቶም ግን እቲ መአከቢ ቦታ ንዅሉ ሰብ ክሳዕ ዝኽፈት ኮፍ መበሊ ክሕዙ ኣይፍቀደሎምን ኢዩ።—ፊል. 2:4
4 ጽን ኢልካ ምስማዕ ሰናይ ኢዩ:- ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣብ ስፍራ ጸልማት ከም ዘብርህ መብራህቲ ገይሮም ብምውሳድ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ሰናይ ምዃኑ ኣዘኻኺርዎም ነበረ። (2 ጴጥ. 1:19) ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ኣሎና። ኣብዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ኣረጊት ዓለም ምንባር ልክዕ ከም ኣብ ስፍራ ጸልማት ምህላው ኢዩ። ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ምውጻእና ሕጕሳት ኢና። (ቈሎ. 1:13፣ 1 ጴጥ. 2:9፣ 1 ዮሃ. 5:19) ኣብ ብርሃን ምንባር ምእንቲ ኽንቅጽል: ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል የሆዋ ጽን ኢልና ብምስማዕ እምነትና ጽንዕቲ ገይርና ክንሕዛ የድልየና ኢዩ። ናይዚ ዓመት እዚ ኣውራጃዊ ኣኼባና ልክዕ ከምዚ ክንገብር ከተባብዓና ኢዩ።
5 ኣብቲ ፕሮግራም ከነተኵር እንተድኣ ኴንና ብወገንና ጻዕሪ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከምኡ ምስ እንገብር ግን ብርግጽ ክንባረኽ ኢና። እቲ መደባት ክውሰድ ከሎ ንቑሓት ምእንቲ ክንከውን ናብቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ቦታ ጽቡቕ ዕረፍቲ ወሲድና ንምምጻእ ክንጽዕር ኣሎና። እቲ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ኮፍ መበሊኻ ምእንቲ ክትህሉ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ቦታ ኣቐዲምካ ንኽትርከብ እኹል ግዜ ይሃሉኻ። ድሕርዚ ኣብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፕሮግራም ክጅምር ከሎ ዝግበር ናይ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ሕበር። ዓበይቲ ኣብነት ክዀኑ: ወለዲ ድማ ንደቆም ከለማምዱ ኣለዎም።—ኤፌ. 6:4
6 ናይታ መዓልቲ ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ ንኣርእስቲ ናይቲ ክፍልታት እንተድኣ ርኢናዮ: እቲ መደብ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እንታይ ነጥብታት ከም ዝቐርብ ንምርኣይ ብሃንቀውታ ክንጽበ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ እቲ ትምህርቲ ክቐርብ ከሎ ነቲ ኣብኡ ዘሎና ተገዳስነት ከዕብዮ ኢዩ። ነቲ ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ነቶም ካብ ልቢ ዝደልይዎ ሰባት ዓስቦም ከም ዝህቦም ዝነግር ርግጽ ተስፋኡን ስለምንታይ ከም እንኣምን ንኻልኦት ሰባት ክንገልጸሎም ዝሕግዘና ነጥብታት ንምርካብ ብሃንቀውታ ክንጽበ ንኽአል ኢና። (እብ. 11:1, 6) ነቲ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ፕሮግራም ንምዝካሩ ምእንቲ ክሕግዘና ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪታት ምውሳድ ጽቡቕ ኢዩ። ብዙሕ መዘኻኸሪታት እንተድኣ ወሲድና: ኣብ ምጽሓፍ ኣዚና ትሑዛት ስለ እንኸውን ገለ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ክሓልፈና ይኽእል ኢዩ።
7 ዝሓለፈ ዓመት ገለ መንእሰያት እቲ ፕሮግራም እናተኻየደ ከሎ: ኣብ ክንዲ ናብቲ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ንጥቕምና ኢሉ ዘዳለዎ ትምህርቲ ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ምስ ካልኦት ሰባት ከዕልሉ እንደገና ተራእዮም ኢዮም። የሱስ መንፈሳዊ መግቢ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ክህበና ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ። (ማቴ. 24:45-47 NW ) ስለዚ እምበኣር: ካብቲ መግቢ እቲ ምእንቲ ክንጥቀም ኣብኡ ክንካፈልን ሞሳ ከነርእን ኣሎና። (2 ቈረ. 6:1) ገሊኦም ቈልዑ ምስ ዝርብርቡ: ምእንቲ ክትስኡን ዘወርወር ክብሉን ከም መመኽነይታ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክኸዱ ከም ዝሓቱ እውን ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ቤት ግቡእ ዝዀነ ልምምድ እንተድኣ ተዋሂብዎም ብዘየድሊ ምኽንያት ናብ ዓይኒ ምድሪ ክኸዱ ኣይሓቱን ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ: ዕብይ ዝበሉ መንእሰያት ኣብ ብሕት ዝበለ ቦታ ብሓንሳእ ኮፍ ይብሉ: የዕልሉ: ሕሽዅሹዅ ይብሉ: ከምኡውን ኣብ ንሓድሕዶም ወረቓቕቲ ይጸሓሓፉ። እዞም ሎሚ ብዙሕ ጸቕጥታት ዘጋጥሞም ዘሎ መንእሰያትና: ኣብ እዋን እቲ ፕሮግራም ካልእ ነገራት ክገብሩ ዘይኰነስ: ኣብቲ ዝቐርብ ዘሎ ትምህርቲ ከተኵሩ ኢዩ ዘድልዮም። ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዘይሰማማዕ ናይ ንእስነት ባህግታት ክርሕቕ ኣለዎ። (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 2:22 ኣረኣእዮ።) ናይ ኵላቶም ዓበይትን መንእሰያትን ኣቓልቦ: ንየሆዋ ከኽብሮን ከሐጕሶን ኢዩ።
8 ሓደ ካብቶም ኣሳሰይቲ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ነገር እዚ ዝምልከት ምኽሪ ምሃብ ኣድላዪ ኰይኑ እንተድኣ ረኺብዎ: ካብ የሆዋ ዝመጸ ፍቕራዊ ምድላው ከም ዝዀነ ገይርካ ክርአ ኣለዎ። (ገላ. 6:1) ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ጻዕሪ እንገብረሉ ምኽንያት ምእንቲ ‘ክንሰምዕን ክንማሃርን’ ከም ዝዀነ ኵልና ክንዝክር የድልየና። (ዘዳ. 31:12) ከምኡውን ‘ጥበበኛ [ሰብ] ይሰምዕ ፍልጠቱውን ይውስኽ።’ (ምሳ. 1:5) ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ቅድሚ ምክፋልኩም ኣብ ዘሎ ግዜ ከም ስድራቤት ኴንኩም: ብሓንሳእ ኮፍ ምባል: እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝካየደሉ ግዜ ዘይምንቅስቓስ: ጽን ኢልካ ምስማዕ ካብቲ ፕሮግራም ምሉእ ጥቕሚ ንምርካብ ኣድላዪ ምዃኑ ተመያየጥሉ።
9 ንየሆዋ ዘሐጕስ ስልማት:- ህዝቢ የሆዋ ኣብ ዓለም ቅሉዓት ኢዮም። (1 ቈረ. 4:9) በቲ ሰናይ ዝዀነ ናይ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን መዐቀኒ ብሓፈሻ ፍሉጣት ኢና። ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 3:3, 4 ዘሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል: ምስቲ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክሓብሩ ከለዉ ዝነበሮም ኵነታትን ሕጅን ክወዳደር ከሎ ኣብ ትርኢቶም ዓቢ ለውጢ ኣምጺኡ ኢዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን መዐቀኒታት ፈጺሙ ዘይቀራረብ ኢዩ። ብትርኢትና—ቅጥዒ ዘይብሉ ክዳውንቲ ብምኽዳን: ኣብ ኣመሻሽጣና ዓለማዊ ቅድታት ብምስዓብ: ወይ ሕንኪ ዘይብሉ ክዳን ብምግባር—ንዓለም ካብ ምምሳል ክንሕሎ ንደሊ ኢና። ኣብነታዊ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ነቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝካፈሉ ሓደስቲ ሰባት ክርስትያናት ንነፍሶም ብኸመይ ከም ዝስልምዋ ንምርኣይ ክሕግዞም ኣለዎ።
10 ጽቡቕ ጠባይ ምርኣይ:- ጽቡቕ ጠባይ ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ምልክት ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:12) ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ—ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ: ኣብ ኣብያተ መግቢ: ኣብ መዕርፎ ኣጋይሽ: ከምኡውን ክንጓዓዝ ከሎና—ጠባይና ጽቡቕ ምስክርነት ክህብ ከምኡውን ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን ምእማን ንሰባት እንታይ ክገብረሎም ከም ዝኽእል ካልኦት ንኽርድኡ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ። እዚ ገለ ሰባት ንየሆዋ ክፈልጥዎ ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ። (ምስ 1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣረኣእዮ።) ንኣምላኽ ብጠባይና ናይ ምኽባር መሰል ኣሎና። እዚ ጽሬት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ኮፍ መበሊና ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ወረቓቕቲ ክንድርቢ ኣይንደልን ኢና። ዝወደቐ ነገራት—መግቢ: ወረቓቕቲ: መጠቕለሊታት ወዘተ . . . —ምስ እንርኢ ድማ: ኣልዒልና ናብቲ ነዚ ዕላማ እዚ ተባሂሉ እተዳለወ መጕሓፊ ቦታታት ክንእክቦ ሰናይ ኢዩ። ከምኡውን ኣብቲ መተሓላለፊታት ንኻልኦት ሰባት ክንጕንጽን ክንደፋፋእን ኣይንደልን ኢና።
11 ነቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ወጻኢታት ምሽፋን:- ኵልና ምስቲ ኣብ ዓቢ ኣኼባ ምክፋል እተተሓሓዘ ወጻኢታት ክህልወና ኢዩ። ክንሓስበሉ ሰናይ ዝዀነ ካልእ ወጻኢ ድማ ኣሎና። እቲ ንዓቢ ኣኼባ ዝጠቅም መሳለጥያታት ዋግኡ ክቡር ኢዩ። ካልእ ክሽፈን ዘለዎ ወጻኢታት እውን ኣሎ። እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብወለንታ እንገብሮ ለጋስ ወፈያታትና ዝምስገን ኢዩ።—ግብ. 20:35፣ 2 ቈረ. 9:7, 11, 13
12 ኮፍ መበሊ:- ኮፍ መበሊ ክተሓዝ ዝኽእል ነቶም ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካን ነቶም ብማኪና ምሳኻ ዝጓዓዙን ጥራይ ኢዩ ዝብል ንብዙሕ ዓመታት ክዋሃብ ዝጸንሐ መምርሒ ሕጂ እውን ክቕጽል ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብዙሓት ኣሕዋት ምስዚ መምርሒታት እዚ ተሰማሚዖም ክኸዱ ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝርአ ናይ ፍቕሪ ሃዋሁ ክብ ኣቢልዎ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ መአከቢ ቦታታት ገሊኡ ኮፍ መበሊ ካብቲ ኻልእ ዝያዳ ምቹእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በጃኻ ሓልዮት ኣርኢ: እቲ ዝያዳ ምቹእ ዝዀነ ኮፍ መበሊ ነቶም ኵነታቶም ዘጸግሞም ሰባት ሕደገሎም። ከምኡውን ድሕንነትን ስርዓትን ምእንቲ ክሕሎ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብቲ መደያይቦታት ኮፍ ክብል ወይ ነቲ መተሓላለፊታት ክዓግቶ የብሉን።
13 ካሜራታትን መቕረጺ መሳርሒታትን:- ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ካሜራታትን መቕረጺ መሳርሒታትን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ክንጥቀመሎም ከሎና ነቶም ተሳተፍቲ ከይሰምዑ ዝዓናቕፎም ክኸውን የብሉን። ነቶም ኣብቲ ፕሮግራም ከተኵሩ ዝጽዕሩ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ዝርብሽ ስለ ዝዀነ: እቲ መደባት እናተወስደ ከሎ ክንስእል ኢልና ዘወርወር ክንብል የብልናን። ዝዀነ ይኹን መቕረጺ መሳርሒታት ምስ ስርዓተ ኤለክትሪክን ድምጽን ናይቲ ኣኼባ ክተሓሓዝ የብሉን: ዝዀነ ይኹን መሳርሒ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ዘሎ መተሓላለፊታት ዝዓግት ወይ ንኻልኦት ተዓዘብቲ ከይርእዩ ዝኽልክል ክኸውን የብሉን።
14 ቀዳማይ ረድኤት:- እቲ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ክፍሊ: ንሓደጋታት ጥራይ ኢዩ ዘገልግል። ነቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ክሕክም ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ንጥዕናኻን ንጥዕና ስድራቤትካን ዘድልየካ ነገራት ክትሓስብ ዘሎካ። በጃኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣስፕሪን: መግቢ ንምሕቃቕ ዝሕግዝ ነገር: ፋሻ: መላገቢ ዝኸውን መራፍእ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ሒዝካ ምጻእ: ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ነገራት ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ኣይርከብን ኢዩ። ሕዱር ሕማም ዘለዎ ኣባል ስድራቤት ዝሓዘ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ሕሙም ዝሕግዞ ሰብ ከም ዘለዎ ከረጋግጽ ኣለዎ። ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ኣባላት ስድራቤት ዘይብሎም ንጥዕንኦም ፍሉይ ቈላሕታ ዝደልዩ ሰባት እንተድኣ ኣለዉ: ናይ ጉባኤኦም ሽማግለታት ብዛዕባ ኵነታቶም ክሕበሩን ዘድሊ ምድላዋት ክገብሩን የድልዮም ኢዩ።
15 ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝብላዕ መግቢ:- ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ሒደት ወይ ፈጺሙ ናይ መግቢ ኣገልግሎት ዘይምህላዉ ኣብ ኵሉ እቲ መደባት ናብቲ መንፈሳዊ መግቢ ንምትኳር ዝያዳ ናጻ ግዜ ከም ዝርከብ ገይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምድላዋት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ነቲ እተገብረ ምቅላል ናይቲ ድኻም ዝምልከት ብርክት ዝበለ ናይ ሞሳ መግለጺታት ተረኺቡ ኢዩ። ኵሉ ሰብ ከምቲ ኣብ ናይ ሓምለ 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣብ ቍጽሪ 17 ሓሳብ ተዋሂብሉ ዘሎ መግብታት ዝኣመሰለ: ንምሳሕ ዝኸውን ጠቓምን ዘዕግብን መግብታት ከምጽኡ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ካብ ጥርሙዝ እተሰርሐ መትሓዚታት ወይ ኣልኮላዊ መስተ ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ክመጽእ የብሉን። ንዅሎም እቶም ድሕሪ ምብልዖም ንቦታኦም ዘጽርይዎ ሰባት ንንእዶም።
16 ንመንፈሳዊ በዓልናን ነቲ ኣብ ግዜ ሓጺር ናይ ዕረፍቲ እዋናት እንረኽቦ ምቕሉልን ሰላም ዝመልኦን ናይ ብጻይነት ሃዋሁ ብሓቂ ነማስወሉ ኢና። ምስ ዕላማ ናይዚ ምድላው እዚ ብምስምማዕ: ኣብቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ መግቢ ንኽትዕድግ ነቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ሓዲግካ ኣብ ክንዲ እትኸይድ: በጃኻ ገለ ዝብላዕ ነገር ምሳኻ ተማላእ። በዚ ኸምዚ: ነቲ ናይ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሕብረት ንምስትምቓር ዝያዳ ግዜ ክህልወካ ኢዩ።
17 “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክጅምር ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕሰና ኰን ኢዩ! ነቲ የሆዋ ብማሕበሩ ገይሩ ዘዳለወልና ሰናይ መንፈሳዊ ሽሻይ ምሉእ ብምሉእ ክንሕጐሰሉ ምእንቲ ኽንክእል: ኵልና ነቲ ፕሮግራም ብምሉኡ ንምክፋል ዘኽእለና ምድላዋት ከም ዝገበርና ነረጋግጽ። በዚ መገዲ እዚ: ኣብዘን ኣብ ቅድሜና ዘለዋ መዓልትታት ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳለና’ ክንከውን ኢና።—2 ጢሞ. 3:17
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
(ኣብ ገጽ 4 ዓምዲ 1 ይቕጽል)
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣውራጃዊ ኣኼባ (ካብ ገጽ 3 ዝቐጸለ)