ኣኼባ ኣውራጃና—ብዛዕባ ሓቂ ሓያል ምስክርነት ዚህብ መሰናድዎ
1. እቲ እስራኤላውያን ዜብዕልዎ ዝነበሩ ዓመታዊ በዓላት፡ ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኼስተንትኑን ንኺመያየጡን እዩ ኣጋጣሚ ዚኸፍተሎም ነይሩ፧
1 ጥንታውያን እስራኤላውያን ዓመታዊ በዓላት ንምብዓል ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ይእከቡ ነበሩ። ንኺእከቡ ዚሕተቱ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ኣብዚ ዜሐጕስ ኣኼባታት እዚ ንኺእከቡ፡ ናብ የሩሳሌም ይጐዓዙ ነበሩ። (ዘዳ. 16:15, 16) እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ሓቅታት ንምስትንታንን ንምምይያጥን ኣጋጣሚ ይኸፍት ነበረ። ገለ ኻብቲ ሓቅታት እቲ፡ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሓደ ኻብኡ፡ የሆዋ ለጋስን ፈቃርን ወሃቢ ምዃኑ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 15:4, 5) ካልእ ሓቂ ኸኣ፡ መምርሕን ዕቝባ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኽትውከል ከም እትኽእል ዚገልጽ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 32:9, 10) ብዘይካዚ፡ እስራኤላውያን ንስም የሆዋ ዝቘሙ ህዝቢ ኸም ምዃኖም መጠን፡ ንጽድቂ የሆዋ ብኸመይ ብግቡእ ከንጸባርቑ ኸም ዘለዎም ከስተንትኑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ዘዳ. 7:6, 11) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ዓዓመት ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃና ይጠቕመና እዩ።
2. እቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚቐርብ መደባት፡ ብኸመይ እዩ ብርሃን ሓቂ ዜብርህ፧
2 እቲ ኣኼባ ብርሃን ሓቂ የብርህ፦ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃና ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜብርህ፡ መደረታት፡ ድራማታት፡ መርኣያታት፡ ከምኡውን ቃለ መጠይቓት ይቐርብ እዩ። (ዮሃ. 17:17) ነቲ ዚመጽእ ኣኼባ ኣውራጃ ንምድላው ዛጊት ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ። ውድብ የሆዋ፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ንዅሎም ሰባት ዚትንክፍ መደብ የዳሉ ኣሎ። (ማቴ. 24:45-47) ኣብቲ ኣኼባ እቲ ንዚቐርብ መደባት ክትርእን ክትሰምዕን ተሃንጢኻዶ ኣለኻ፧
3. ካብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
3 ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ እንተ ተኣኪብናን ጽን ኢልና እንተ ሰሚዕናን ካብቲ ኣኼባ እቲ ብዝያዳ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንኣስራሒኻ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ኺህበካ ዛጊት እንተ ዘይሓቲትካዮ፡ ኣቐዲምካ ንኽትሓቶ ተዳሎ። ኣብቲ ኣኼባ ነቒሕካ ምእንቲ ኽትከታተል፡ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ምሸት ምሸት እኹል ዕረፍቲ ንኽትረክብ ካብ ሕጂ መደብ ግበር። ሓያሎ ሰባት፡ ኣብቲ ተዛራባይ ምትኳርን መዘኻኸሪታት ምሓዝን ሓሳባቶም ንኸይከፋፈል ከም ዚሕግዞም ይገልጹ እዮም። ሞባይል ተሌፎንካ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ መሳርሒታት ንዓኻ ወይ ንኻልኦት ዕንቅፋት ኪፈጥር ኣይተፍቅድ። እቲ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ፡ ከተዕልል፡ መልእኽቲ ኽትሰድድ፡ ወይ ክትበልዕ የብልካን።
4. ወለዲ ንደቆም ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኺጥቀሙ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧
4 ኣብ ዓመታት ሰናብቲ፡ ስድራ ቤታት እስራኤል ኣብ እዋን በዓላት ዳስ ሕጊ ሙሴ ኺንበብ ከሎ ንኺሰምዑ ኺእከቡ ኸለዉ፡ ደቆም እውን “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን” ምሳታቶም ይማልእዎም ነበሩ። (ዘዳ. 31:12) ስድራ ቤታት ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ሓቢሮም ኮፍ ኪብሉን ቈልዑ ነቒሖም ኪከታተሉን ክትርኢ ኸለኻስ ኣየ ኽንደይ ዜተባብዕ ኰነ እዩ! ምሸት ምሸት መዘኻኸሪታትኩም ብምርኣይ ነቲ ብፍላይ ዝሰሓበኩም ነጥብታት ንምንታይ ዘይትመያየጡሉ፧ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ።” ስለዚ፡ ወለዲ ንደቆም፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ዕደመ ዀተቴ ዘለዉ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍትን ኣብቲ ዚሓድሩሉ ቦታን “ስዲ” ኪኸዱ ኣብ ክንዲ ዚገድፍዎም፡ ኪቈጻጸርዎም ይግባእ።—ምሳ. 22:15፣ 29:15።
5. እቲ ኣብቲ እንዓርፈሉ ቦታ እነርእዮ ጽቡቕ ጠባይ ንሓቂ ዚስልማ ብኸመይ እዩ፧
5 ሰናይ ኣኻይዳና ንሓቂ ይስልማ፦ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ እነርእዮ ጽቡቕ ጠባይ እውን ንሓቂ ይስልማ እዩ። (ቲቶ. 2:10) ሰራሕተኛታት ሆቴል ነቶም ንሕግታት እቲ ሆቴል ዜኽብሩ ዀነ ትዕግስትን ልእመትን ዜርእዩ ኣጋይሽ የቕልቡሎም እዮም። (ቈሎ. 4:6) ሓንቲ ሓላፊት፡ “ኣባላትኩም ሕያዎት ስለ ዝዀኑ ናብ ሆቴልና ኺመጹ ንደልዮም ኢና። እሩማትን ለዋሃትን እዮም፣ ንሰራሕተኛታትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሆቴልና እውን ወትሩ ብኽብሪ እዮም ዚሕዝዎ” በለት።
6. ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ፡ ብኣከዳድናና ንሓቂ ኽንስልማ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ባጅና ኽንገብር ከለና፡ ንኻልኦት ሰባት ኣኼባ ኣውራጃ ኸም ዘሎ ንኺፈልጡ ንሕግዞም፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ስምና ኺፈልጡና ይኽእሉ፡ ከምኡውን ንተዓዘብቲ ምስክርነት ንህብ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ዚነብሩ ሰባት፡ ነቶም ባጅ ኣኼባ ኣውራጃ ዚገብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ከምቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልሙድ ዝዀነ ወዘልዘል ዝበለን ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕልን ኣከዳድና ዘይኰነስ፡ ጽፉፍን ሕንኪ ዘለዎን ኣከዳድና ዚኽደኑ ብምዃኖም የስተብህሉሎም እዮም። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ ንኣከዳድናን ኣመለኻኽዓናን ከነቕልበሉ ይግባእ። እቲ ኣኼባ ኸም ስታድዩም ኣብ ዝኣመሰለ ቓልዕ ቦታ እውን እንተ ተገብረ፡ ኣከዳድና ምዕሩግ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኽዳንና ቐይርና ናብ ቤት ምግቢ ኽንከይድ ምስ እንደሊ፡ ልኡኻት እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ምዃንና ኽንዝክር ይግባእ፣ ከምቲ ኣብ ምዝንጋዕ እንኽደኖ ዓይነት ኣከዳድና ኪኸውን የብሉን።
7. ኣብ እዋን ኣኼባ ኣውራጃ፡ ሓደ ኻብቲ ንክርስትያናዊ ሓድነትና ኸነደልድለሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧
7 እስራኤላውያን ዓመታዊ በዓላት ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ምስቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዚነብሩ ብጾቶም ኪራኸቡ ይኽእሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሓድነቶም ይድልድል ነበረ። (ግብ. 2:1, 5) ኣብ እዋን ኣኼባ ኣውራጃ፡ እቲ ብርቂ ዝዀነ ክርስትያናዊ ሕውነትና ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚርአ። እዚ ባህ ዜብል መዳይ መንፈሳዊ ገነትና መብዛሕትኡ ግዜ ንተዓዘብቲ ይምስጦም እዩ። (መዝ. 133:1) ኣብ እዋን ምሳሕ፡ ምግቢ ኽንዕድግ ኢልና ኻብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ወጺእና ኣብ ክንዲ እንኸይድ፡ ፍዅስ ዝበለ ምግቢ ሒዝና ብምምጻእ፡ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ምስቶም ኣብ ጥቓና ኾፍ ዝበሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምልላይን ንምዕላልን ክንጥቀመሉስ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!
8. ኵነታትና ዜፍቅደልና እንተ ዀይኑ፡ ብወለንታ ንኽንዓዪ ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧
8 ተዓዘብቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ብግቡእ እተወደበን ስርዓት ዘለዎን ኣኼባታት ኣውራጃና፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዕዮ ብወለንተኛታት ከም እተዓይየ ምስ ዚፈልጡ ይምሰጡ እዮም። እሞኸ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንምዕያይ ኢልካ፡ ‘ብፍታው ክትመጽእ’ ትኽእል ዲኻ፧ (መዝ. 110:3) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምሉኣት ኣባላት ስድራ ቤት ንደቆም ምእንቲ ኼሰልጥኑ፡ ሓቢሮም ንኺዓዩ ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም። ትሓፍር እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ምዕያይካ፡ ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽትራኸብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓብቲ፡ “ስድራ ቤተይን ሒደት ፈተውትን ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልኦት ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብ ጽሬት ምስ ሓገዝኩ ግና፡ ምስ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ተላለኹ። ሽዑ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ!” በለት። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ምሕጋዝና፡ ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ብምልላይ ልብና ንኸነግፍሕ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፍተልና፡ ብዙሕ ሓጐስ ኬምጽኣልና እዩ። (2 ቈረ. 6:12, 13) ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ብወለንታ ዓዪኻ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ንኽትሕግዝ ብኸመይ ከም እትበቅዕ ንሽማግለታት ሕተቶም።
9. ንሰባት ናብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንኺመጹ ብኸመይ ኢና ኽንዕድሞም፧
9 ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ኺሰምዑ ዓድሞም፦ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝገበርናዮ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን፡ ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምጅማርና ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲምና፡ ንሰባት ንምዕዳም ወፍሪ ኽንገብር ኢና። ጉባኤታት በዚ መዐደሚ እዚ ብእተኻእለ መጠን ክልታተን ኪሽፍና ኣለወን። (“ወረቐት ዕደመ ብኸመይ ክንዕድል ኢና፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣስፋሕቲ ወረቐት ዕደመ እንተ ተሪፍዎም፡ ናብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ሒዞምዎ ኺመጹ ኣለዎም። ከመይሲ፡ እቶም ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
10. እቲ ዓመታዊ ዚግበር ወፍሪ ወረቐት ዕደመ፡ ውጽኢት ከም ዘለዎ ዚሕብር ተመክሮታት ኣዘንቱ።
10 ሰባት ነዚ ዓመታዊ ዚገበር ወፍሪ ምላሽ ይህቡሉ ድዮም፧ ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ሓደ ኣአንጋዲ ንሰብ ሓዳር ኮፍ መበሊ ደልዩ፡ ኮፍ ኣበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ወረቐት ዕደመ ኸም እተቐበሉ እሞ፡ ኣገዳስነት ዘለዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ልዕሊ 300 ኪ.ሜ. ተጓዒዞም ናብቲ ኣኼባ ኸም ዝመጹ ገለጹሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ንሓደ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኺፈልጥ እተሃንጠየ ሰብኣይ ወረቐት ዕደመ ሃበቶ። ብዛዕባ እቲ ወረቐት ዕድመ ኸኣ ገለጸትሉ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ እቲ ኣኼባ ምስ ተጀመረ፡ እታ ሓብቲ ነቲ ሰብኣይ ምስ ዓርኩ ረኣየቶ፣ ክልቲኦም ከኣ ሓደ ኻብቲ ሽዑ ዝወጸ ጽሑፋት ሒዞም ነበሩ።
11. ኣብቲ ዓመታዊ ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ ምእካብና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
11 እቲ እስራኤላውያን ዜብዕልዎ ዝነበሩ ዓመታዊ በዓላት፡ ‘ብፍጽምናን ብእምነትን ምእንቲ ኼገልግልዎ’ ኢሉ የሆዋ ዝሰርዖ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። (እያ. 24:14) ብተመሳሳሊ መገዲ፡ እቲ ዓመታዊ ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ፡ ‘በታ ሓቂ ንኽንመላለስ’ ይሕግዘና፣ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾና ድማ እዩ። (3 ዮሃ. 3) ነቲ ዅሎም ኣፍቀርቲ ሓቂ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ንኺእከቡን ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙን ዚገብርዎ ጻዕሪ የሆዋ ኺባርኾ ንምነ!
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ እነርእዮ ጽቡቕ ጠባይ እውን ንሓቂ ይስልማ እዩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምጅማርና ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲምና፡ ንሰባት ንምዕዳም ወፍሪ ኽንገብር ኢና
[ኣብ ገጽ 3-6 ዘሎ ሳጹን]
መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ 2012
◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ እቲ ኣኼባ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅመር፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ኺስማዕ ከሎ፡ ኵላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ፡ ዓርብን ቀዳምን 4:55 ድ.ቀ. ሰንበት ድማ፡ 3:40 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ።
◼ መቘም ማካይን፦ መቘም ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ፡ ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጉባኤኹም እተመደበትሉ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽትእከቡ ጻዕሪ ግበሩ።
◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳና ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳና ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።—1 ቈረ. 13:5።
◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራ ቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ ዀነ ጠራሙዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።
◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ውጽኢት ገንዘብ ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ን“የይሖዋ ምስክሮች” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።
◼ ሓደጋታትን ድንገተኛ ዅነታትን፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ንሕክምና ዚምልከት ድንገተኛ ዅነታት እንተ ተላዒሉ፡ በጃኹም ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ኣአንጋዲ ንገርዎ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ ነቶም ክፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ኬፍልጦም እዩ። እቶም ቀዳማይ ረድኤት ንኺህቡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ኸኣ ረድኤት ኪህቡኹም እዮም።
◼ መድሃኒት፦ ብሓኪም እተኣዘዘልካ መድሃኒት ክትወስድ ዜድልየካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ስለ ዘይቀርብ፡ ዝኣኽለካ ሒዝካ ምጻእ።
◼ ጫማ፦ ኣብ ዓዓመት ምስ ጫማ እተተሓሓዘ ጕድኣት የጋጥም እዩ። ኣብ መደያይቦታትን መሰጋገሪታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከይተሸገርና ንኽንረግጽ ዜኽእለና ሕንኪ ዘለዎ ምሹእ ጫማ ምውዳይ ዝሓሸ እዩ።
◼ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቲ ኣኼባ ብኤፍ.ኤም. ናይ ረድዮ ማዕበል ኪፍኖ እዩ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀሙሉ ሓንቲ ንእሽቶ ኤፍ.ኤም. እትቕበል መሳርሒትን መስምዕን ክትማልኡ ኼድልየኩም እዩ።
◼ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ሒዝኩም ኣይትምጽኡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።
◼ ኣብያተ ምግቢ፦ ኣብ ኣብያተ ምግቢ ብጽቡቕ ጠባይኩም ንስም የሆዋ ኣኽብርዎ። ኣብ ከባቢኹም ልሙድ እንተ ዀይኑ፡ መቝሽሽ ሃቡ።
◼ ሆቴላት፦ ብእተኻእለ መጠን ሆቴል እንተ ሓዝኩም ይምረጽ።
(1) ካብቲ ብሓቂ ዜድሊ ንላዕሊ ኽፍልታት ኣይትሕዝኡ፡ ካብቲ እተፈቕደ ንላዕሊ ድማ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኣይተሕድሩ።
(2) ኣዝዩ ህጹጽ ኵነታት ኬጋጥመኩም ከሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነቲ እተሓዝኣልኩም ቦታ ኣይትሰርዝዎ። ክትስርዝዎ ምስ ዜድልየኩም ግና፡ ነቲ ሆቴል ብኡንብኡ ኣፍልጥዎ።—ማቴ. 5:37።
(3) ኣብቲ ምግቢ ኽትክሽኑ ዘይፍቀደልኩም ክፍልታት ኣይትኸሽኑ።
(4) ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣብ ዘለኩም ርክብ፡ ኵሉ ሳዕ ፍረ መንፈስ ኣርእዩ። ንሳቶም ንብዙሓት ኣጋይሽ እዮም ዚኣልዩ፣ ንሕያውነትናን ንትዕግስትናን ንልእመትናን ከኣ የማስዉሉ እዮም።
(5) ወለዲ ንደቆም ኣብ ከባቢ እቲ ሆቴል፡ ማለት ኣብ መሓምበሲ ጋብላ፡ ኣብ መዛነዪ ቦታታት፡ ኰነ ኣብ ክፍሊ ምውስዋስ ኣካላት ኵሉ ሳዕ ኪቈጻጸርዎም ኣለዎም።
◼ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፦ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከም መደቀሲ ኼገልግል ኣይንመርጽን ኢና። ዜገድድ ኵነታት እንተ ተፈጢሩ ግና፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሓድሩ፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ንኺሕዝዎ ሓላፍነት ኪስምዖም ይግባእ። እቲ መደቀሲ ብግቡእ ኪዕጸፍ፡ ዝፈሰሰ ነገራት ብኡንብኡ ኺውልወል፡ ወረቓቕትን ካልእ ጓሓፍን ከኣ ኣብቲ ንዕኡ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ።
◼ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትብሃል ፎርም፦ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ እትብሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ፡ ምእንቲ ኺከታተልዎ ንኽፍሊ መጻሕፍቲ፡ ወይ ናብ ጉባኤኻ ምስ ተመለስካ፡ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።—ኣብ ናይ ግንቦት 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 3 ርአ።
◼ ጽሬት፦ ክፍሊ ጽሬት በብእዋኑ ጽሬት ኪግበር ዚውድብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵላትና እቲ የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ዝለዓለ ደረጃ ጽሬት ምእንቲ ኺዕቀብ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ይኹን ኣብ ዕረፍቲ ሕማቕ ትርኢት ምእንቲ ኸይህልዎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝወደቐ ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ጐሓፍ፡ ኣብ ባይታ እቲ ኣዳራሽ ወይ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺግደፍ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡንብኡ ኣብቲ ንጐሓፍ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ካብ ኮፍ መበሊና ተንሲእና ኽንከይድ ከለና ኣብ ከባቢና ዝወደቐ ነገራት እንተ ኣልዩ ብምርኣይ፡ እናኣልዓልና እንተ ኸድና ዚነኣድ እዩ።
◼ ኣገልግሎት ወለንተኛ፦ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ዕዮ ብወለንታ ምስ እነገልግል፡ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ እንረኽቦ ሓጐስ ዝያዳ ኺውስኽ እዩ። (ግብ. 20:35) ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኼገልግል ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼመልክት ኣለዎ። ዕድሚኦም ትሕቲ 16 ዝዀነ ቘልዑ እውን፡ ምስ ወለዶም ወይ ምስ መጕዚቶም ወይ ከኣ ምስ ካልእ ብወለዶም ወይ ብመጕዚቶም ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ኰይኖም ኪሰርሑ ይኽእሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ክንዕድል ኢና፧
ክልና ምእንቲ ኽንሽፍን፡ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “ሰላም፣ ብደረጃ ዓለምለኸ ነዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ ንዕድል ኣሎና። ንዓኻ ኸኣ ክንህበካ። ኣብዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።” ውዕዉዕ ስምዒት ኣንጸባርቕ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ወረቐት ዕድመ ኽትዕድል ከለኻ፡ ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ መጽሔታት እውን ምስኡ ዓድል።