መንፈሳዊ በረኸት ዚርከበለን ሰለስተ መዓልትታት
1. ካብ ኣኼባ ኣውራጃ እዚ ዓመት እዚ፡ እንታይ ኢና ኽንረክብ፧
1 ኣብ ምድሪ ኣጻምእ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ የሆዋ ንህዝቡ ብቐጻሊ ይምግቦም ኣሎ። (ኢሳ. 58:11) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንኼነቓቕሓና ዚጥቀመሉ መሰናድዎ ኸኣ ኣኼባ ኣውራጃ እዩ። ኣኼባ ኣውራጃ እዚ ዓመት እዚ ኪቐርብ ከሎ፡ መንፈሳዊ በረኸት ንኽንቅበልን ንኽንህብን ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧—ምሳ. 21:5።
2. እንታይ ምቅርራባት ኢና ኻብ ሕጂ ኽንገብር ዘሎና፧
2 ኣብ ኵለን እተን ሰለስተ መዓልትታት ምእንቲ ኽትርከብ፡ ኣብ ብሕታዊ መደባትካን ዓለማዊ ስራሕካን ምትዕርራያት እንተ ዘይጌርካ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምትዕርራያት ግበር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ብእዋኑ በጺሕካ ኾፍ ምእንቲ ኽትብል፡ ንመገዲ ኽንደይ ሰዓት ከም ዜድልየካ ጸብጺብካዶ፧ ካብቲ የሆዋ ዜዳልወልና ዜነቓቕሕ መንፈሳዊ ምግቢ ዋላ ሓንቲ ኼምልጠና ኣይንደልን ኢና። (ኢሳ. 65:13, 14) ንመደቀሲኻን ንመጐዓዓዚኻን ዜድሊ ምቅርራባት ጌርካዶ፧
3. ካብቲ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ርእይቶታት እዩ ንዓናን ንስድራ ቤትናን ኪጠቕመና ዚኽእል፧
3 እቲ ኣኼባ ኺካየድ ከሎ፡ ሓሳብካ ምእንቲ ኸይገይሽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት እኹል ዕረፍቲ ግበር። ኣብቲ ተዛራባይ ኣተኵር። ንዅሉ እቲ ዚጠቕሶ ጥቕስታት፡ መጽሓፍ ቅዱስካ ገንጺልካ ተኸታተሎ። ሓጺር መዘኻኸሪታት ድማ ጽሓፍ። ወለዲ ንውሉዳቶም ብኣቓልቦ ንኺከታተሉ ምእንቲ ኺሕግዝዎም፡ ስድራ ቤታት ሓቢረን ኮፍ ኪብላ ኣለወን። (ምሳ. 29:15) ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ ኣኼባ፡ ምሸት ምሸት ምስ ስድራ ቤትካ ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ነቲ ኻብቲ ኣኼባ ዝረኸብዎ በረኸት ድሕሪ እቲ ኣኼባ እውን ምእንቲ ኺጥቀሙሉ፡ ኣብ እዋን እታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት፡ እተወሰነ ግዜ መዲብካ ንስድራ ቤትካ ዚዓዪ ነጥብታት ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ።
4. ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ኣስፋሕቲ መንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ኺረኽቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
4 ንኻልኦት በረኸት ኪረኽቡ ሓግዞም፦ ካልኦት እውን መንፈሳዊ በረኸት ኪረኽቡ ንደሊ ኢና። ናብቲ ኣኼባ ንኺመጹ ሓገዝ ዜድልዮም ኣረጋውያን ወይ ካልኦት ኣስፋሕቲ ኣለዉዶ፧ እንተ ደኣ ኣልዮም፡ ክትሕግዞም ትኽእልዶ፧ (1 ዮሃ. 3:17, 18) ሽማግለታት፡ ብፍላይ ከኣ ሓለውቲ ጕጅለ፡ እዞም ኣስፋሕቲ እዚኣቶም ዜድሊ ሓገዝ ከም ዚረኽቡ ኺገብሩ ኣለዎም።
5. ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ኣውራጃ ብኸመይ ኢና ኽንዕድል፧ (ኣብ ላዕሊ ዘላ ሳጹን እውን ርአ።)
5 ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝገበርናዮ፡ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃና እትጅምረሉ መዓልቲ ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲምና፡ ንሰባት ንምዕዳም ወፈራ ኽንገብር ኢና። ጉባኤታት ነቲ እተዋህበን ወረቐት ዕድመ ብምሉኡ ንኺዕድላኦን ብእተኻእለን መጠን ንኽለን ንኺሽፍናኦን ሸቶ ኼውጽኣ ኣለወን። ስድራ ቤትኩም ዘይዓደለቶ ወረቐት ዕድመ እንተ ኣልዩ: ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትህቡ ኸለኹም ምእንቲ ኽትጥቀሙሉ፡ ናብቲ ኣኼባ ሒዝኩምዎ ምጹ። ኣብቲ ዓርቢ ዚግበር ኣኼባ ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኺወሃብ እዩ። ነቲ ወረቐት ዕድመ ኣብታ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረላ ኸተማ ኽትጥቀሙሉ ዘይትኽእሉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኩም፡ ናብቲ ኣኼባ ኽትመጹ ኸለኹም ንኣአንጋዲ ሃብዎ። ኣብቲ ሰንበት ዚቐርብ ናይ መወዳእታ መደረ ምእንቲ ኽትከታተሉ፡ ሓሓንቲ ቕዳሕ ምሳኻትኩም ሓዙ።
6. ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ በየናይ መገድታት ኢና ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ እንኽእል፧
6 ጽቡቕ ጠባይ በረኸት የምጽእ፦ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን መብዛሕትኦም ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” እዮም፡ ብስምዒት ካልኦት ከኣ ኣይግደሱን እዮም፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ምስቶም ጽቡቕ ጠባይ ዜርእዩ ክርስትያን ብጾት ምሕባርሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! (2 ጢሞ. 3:2) ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት ከሎ ብህድኣትን ብስርዓትን ብምእታው፡ ከምኡውን ነቶም ኣብ ቤትና ዚነብሩ ወይ ምሳና ብማኪና ዚመጹ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእ ኮፍ መበሊ ብዘይምሓዝ ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ንኽእል ኢና። ኣቦ መንበር ነቲ ቐቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዚቐርብ ሙዚቃ ምእንቲ ኽንሰምዖ፡ ኮፍ ንኽንብል ኪሕብረና ኸሎ፡ ንተሓባበር ኢና። ሞባይልና ወይ ካልእ ተመሳሳሊ መሳርሒታት ንኻልኦት ከም ዘይርብሽ ምግባር፡ ጽቡቕ ጠባይ ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። እቲ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ፡ ብዘይረብሕ ምኽንያት ምስ ካልኦት ብዘይምዝርራብ፡ ብሞባይላት መልእኽቲ ብዘይምልእኣኽ፡ ብዘይምብላዕ፡ ወይ ኣብ መተሓላለፊታት ብዘይምምልላስ እውን ጽቡቕ ጠባይ ከነርኢ ንኽእል ኢና።
7. ምስ ኣሕዋትና ኽንቀራረብ ከለና ብኸመይ ኢና በረኸት ክንቅበልን ክንህብን እንኽእል፧
7 በረኸት ዜምጽእ ምሕዝነት፦ ዓበይቲ ኣኼባታት ንክርስትያናዊ ሓድነትናን ሕውነትናን ንኸነስተማቕሮ ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። (መዝ. 133:1-3) ‘ልብኻ ንኸተግፍሕን’ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ንዚመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽትረኽቦምን ስለምንታይ ተበግሶ ዘይትወስድ፧ (2 ቈረ. 6:13) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ እንተ ወሓደ ምስ ሓደ ሰብ ወይ ምስ ሓንቲ ስድራ ቤት ንኽትፋለጥ፡ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ፡ ከምዚ ንምግባር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ቤት ምግቢ ምሳሕ ንምዕዳግ ወይ ንምብላዕ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትወጽእ፡ ፍዅስ ዝበለ ምሳሕ ሒዝካ ብምምጻእ፡ ምስቶም ተኣከብቲ እናዕለልካ ተመሳሕ። እዚ ኸኣ ሓድሽን ነባርን ምሕዝነት ንኸተጥሪ መገዲ ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ።
8. ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽንዓዪ ወለንተኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብኸመይከ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧
8 ምስ ክርስትያን ብጾትና ሓቢርና ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ክንጽመድሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ኣብ ሓደ ኽፍሊ ዕዮ እቲ ኣኼባ ንኽትሕግዝ ወይ ምስ ጉባኤኹም ሓቢርካ ንኸተጽሪ ወለንተኛ ኽትከውን ምኸኣልካዶ፧ (መዝ. 110:3) ኣብ ሓደ ዕዮ እንተ ዘይተመዲብካ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼድካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ዕዮ ሓቢርካ ምስ እትዓይዮ ባህ ዜብልን ቀሊልን እዩ ዚኸውን።
9. ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ፡ ብፍላይ ንኣካይዳናን ንትርኢትናን ከነተኵረሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
9 ኣኻይዳና በረኸት የምጽእ፦ እቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ ሰዓታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰለስቲአን መዓልትታት እቲ ኣኼባ ልኡኻት ኣኼባ ኣውራጃ ኢና። ኣብታ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረላ ኸተማ ኽንንቀሳቐስ ከለና ዚዕዘቡና ሰባት፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ኪርእዩ ኪኽእሉ ኣለዎም። (1 ጴጥ. 2:12) ኣኼባ ኣውራጃ ኣብ ዚግበረሉ ኸባቢ፡ ኣብ እነዕርፈሉ ቦታ፡ ከምኡውን ኣብ ኣብያተ-ምግቢ፡ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ንየሆዋ ዜኽብር ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ባጅ ንገብር እንተ ዄንና፡ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ኼለልዩና እዮም። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኣኼባና ንኽንነግሮምን ተወሳኺ ምስክርነት ንኽንህቦምን ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና እዩ።
10. ነቶም ኣብ ሆቴላትን ኣብያተ-ምግብን ዚዓይዩ ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ ኣኼባና ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸም ዜሕድሩ ኽንገብሮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10 ምስቶም ኣብ ሆቴላትን ኣብ ኣብያተ-ምግብን ዚዓዩ ሰራሕተኛታት ብኸመይ ክንተሓባበር ንኽእል፧ ካብቲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ንላዕሊ መደቀሲ ኽፍልታት ክንሕዝ የብልናን፣ ከመይሲ፡ ካልኦት ልኡኻት ክፍሊ ኺስእኑ ይኽእሉ እዮም፡ እቲ ሆቴል እውን መተካእታ ንምርካብ ኬጸግሞ ይኽእል እዩ። መደቀሲ ኽፍሊ ኽንሕዝ ከለና ወይ ክንለቅቕ ከለና፡ እቲ ሆቴል ስራሕ እንተ በዚሕዎ፡ ትዕግስትን ሓልዮትን ከነርኢ ኣሎና። (ቈሎ. 4:6) ነቶም ሳንጣና ዚስከሙልና፡ ክፍልና ዜጽርዩልና ዀነ ኻልእ ኣገልግሎታት ዜቕርቡልና ኣብ ኣብያተ-ምግብን ኣብ ሆቴላትን ዚዓይዩ ሰራሕተኛታት መቝሽሽ ክንህቦም ግቡእ እዩ።
11. ብክርስትያናዊ ኣኻይዳና ጽቡቕ ምስክርነት ከም እተዋህበ ዚሕብር እንታይ ተመክሮታት ኣሎ፧
11 ኣብ እዋን ኣኼባ ኣውራጃ እነርእዮ ጽቡቕ ኣኻይዳ፡ ንኻልኦት እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድረሎም ዚኽእል፧ ሓንቲ ጋዜጣ ኸም ዝሓበረቶ፡ ሓላፊ ናይ ሓደ ኣኼባታት ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ “እቶም ሰባት ኣዝዮም እሩማት እዮም። ኣብ ዓዓመት ክንረኽቦም የሐጕሰና እዩ” በለ። ዓሚ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ፡ ኣብቲ ልኡኻት ኣኼባ ኣውራጃ ዜዕርፉሉ ሆቴል፡ ገንዘብ ዜቐምጠሉ ቦርሳ ጠፍኦ። እቲ ቦርሳ ኸም ዘለዎ ናብቲ ሓላፊ እቲ ሆቴል ምስ ተመልሰ፡ እቲ ሓላፊ ነቲ ዋና እቲ ቦርሳ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ኸባቢ ኣኼባ ብምግባሮም ተጠቒምካ ኢኻ፣ እቲ ሆቴል ብኣታቶም እዩ መሊኡ ነይሩ። እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ቦርሳኻ ኣይምተመልሰልካን” በሎ።
12. ኣኼባ ኣውራጃ ኪቐርብ ከሎ፡ ዕላማና እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧
12 ኣብዚ ዓመት እዚ ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ ይቐርብ እዩ ዘሎ። እቲ ኣኼባን ኣብቲ ኣኼባ ዚህሉ ሃዋህውን በረኸት ዜምጽእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብዙሕ ግዜ ተወሲዱ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ኸኣ ተገይሩ እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ኣብቲ ኣኼባ ንኽትእከብ ዕላማ ግበር፡ ነቲ የሆዋን ውድቡን ዜዳልዉልካ በረኸት ንኽትረክብ ከኣ ተዳሎ። ንኻልኦት በቲ ጽቡቕ ጠባይካን በቲ ባህ ዜብል ምሕዝነትካን በቲ ሰናይ ኣኻይዳኻን ንኽትሃንጾም ቈራጽነት ግበር። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ንስኻን ካልኦትን ከምቲ ዓሚ ሓንቲ ልእኽቲ ኣኼባ ኣውራጃ እተሰምዓ ኺስምዓኩም እዩ፣ ንሳ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ተመክሮ ኣሕሊፈ ኣይፈልጥን እየ” ኢላ ጸሓፈት።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝገበርናዮ፡ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃና እትጅምረሉ መዓልቲ ሰለስተ ሰሙን ኣቐዲምና፡ ንሰባት ንምዕዳም ወፈራ ኽንገብር ኢና
[ኣብ ገጽ 6 ፍረ ሓሳብ]
ኣኼባ ኣውራጃ ኣብ ዚግበረሉ ኸባቢ፡ ኣብ እነዕርፈሉ ቦታ፡ ከምኡውን ኣብ ኣብያተ-ምግቢ፡ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ንየሆዋ ዜኽብር ኪኸውን ኣለዎ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ንኻልኦት በቲ ጽቡቕ ጠባይካን በቲ ባህ ዜብል ምሕዝነትካን በቲ ሰናይ ኣኻይዳኻን ንኽትሃንጾም ቈራጽነት ግበር
[ኣብ ገጽ 4-7 ዘሎ ሳጹን]
መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ 2011
◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅመር እቲ መእተዊ ሙዚቃ ኺስማዕ ከሎ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን 4:55 ድ.ቀ. ሰንበት ድማ 3:40 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ።
◼ መቘም ማካይን፦ መቘም ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጉባኤኹም እተመደበትሉ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽትእከብ ጻዕሪ ግበር።
◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳና ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳና ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።—1 ቈረ. 13:5።
◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራ ቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ ዀነ ጠራሙዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።
◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ን“የይሖዋ ምስክሮች” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።
◼ ሓደጋታትን ድንገተኛ ዅነታትን፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ንሕክምና ዚምልከት ድንገተኛ ዅነታት እንተ ተላዒሉ፡ በጃኹም ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ኣአንጋዲ ንገርዎ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ ነቶም ክፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ኬፍልጦም እዩ፣ እቶም ቀዳማይ ረድኤት ንኺህቡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ኸኣ ረድኤት ኪህቡኹም እዮም።
◼ መድሃኒት፦ ብሓኪም እተኣዘዘልካ መድሃኒት ክትወስድ ዜድልየካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ስለ ዘይቀርብ፡ ዝኣኽለካ ሒዝካ ምጻእ።
◼ ጫማ፦ ኣብ ዓዓመት ምስ ጫማ እተተሓሓዘ ጕድኣት የጋጥም እዩ። ኣብ መደያይቦታትን መሰጋገሪታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከይተሸገርና ንኽንረግጽ ዜኽእለና ሕንኪ ዘለዎ ምሹእ ጫማ ምውዳይ ዝሓሸ እዩ።
◼ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቲ ኣኼባ ብኤፍ.ኤም. ናይ ረድዮ ማዕበል ኪፍኖ እዩ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀሙሉ ሓንቲ ንእሽቶ ኤፍ.ኤም. እትቕበል መሳርሒትን መስምዕን ክትማልኡ ኼድልየኩም እዩ።
◼ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺመጽእ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።
◼ ኣብያተ-ምግቢ፦ ኣብ ኣብያተ-ምግቢ ብጽቡቕ ጠባይኩም ንስም የሆዋ ኣኽብርዎ። ኣብ ከባቢኹም ልሙድ እንተ ዀይኑ፡ መቝሽሽ ሃቡ።
◼ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፦ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከም መደቀሲ ኼገልግል ኣይንመርጽን ኢና። ዜገድድ ኵነታት እንተ ተፈጢሩ ግን፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚሓድሩ፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ንኺሕዝዎ ሓላፍነት ኪስምዖም ይግባእ። እቲ መደቀሲ ብግቡእ ኪዕጸፍ፡ ዝፈሰሰ ነገራት ብኡንብኡ ኺውልወል፡ ወረቓቕትን ካልእ ጓሓፍን ከኣ ኣብቲ ንዕኡ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ።
◼ ጽሬት፦ ክፍሊ ጽሬት በብእዋኑ ጽሬት ኪግበር ዚውድብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵላትና እቲ የሆዋ ኻብ ህዝቡ ዚጽበዮ ዝለዓለ ደረጃ ጽሬት ምእንቲ ኺዕቀብ፡ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ይኹን ኣብ ዕረፍቲ ሕማቕ ትርኢት ምእንቲ ኸይህልዎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝወደቐ ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ጐሓፍ፡ ኣብ ባይታ እቲ ኣዳራሽ ወይ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺግደፍ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኡንብኡ ኣብቲ ንጐሓፍ እተዳለወ ኣቕሓ ኪቕመጥ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ካብ ኮፍ መበሊና ተንሲእና ኽንከይድ ከለና፡ ኣብ ከባቢና ዝወደቐ ነገራት እንተ ኣልዩ ብምርኣይ፡ እናልዓልና እንተ ኸድና ዚነኣድ እዩ።
◼ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም፦ ነታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ፡ ምእንቲ ኺከታተልዎ ንኽፍሊ መጻሕፍቲ ወይ ናብ ጉባኤኻ ምስ ተመለስካ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።
◼ ኣገልግሎት ወለንተኛ፦ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ዕዮ ብወለንታ ምስ እነገልግል፡ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ እንረኽቦ ሓጐስ ዝያዳ ኺውስኽ እዩ። (ግብ. 20:35) ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኼገልግል ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼመልክት ኣለዎ። ዕድሚኦም ትሕቲ 16 ዝዀነ ቘልዑ እውን፡ ምስ ወለዶም ወይ መጕዚት ወይ ከኣ ምስ ካልእ ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ኰይኖም ኪሰርሑ ይኽእሉ እዮም።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ክንዕድል ኢና፧
ክልና ምእንቲ ኽንሽፍን፡ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “ሰላም። ብደረጃ ዓለምለኸ ነዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ ንዕድል ኣሎና። ንዓኻ ኸኣ ኽንህበካ። ኣብዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።” ቀዳማይ ገጽ እታ ወረቐት ዕድመ ዚማርኽ ብምዃኑ፡ ነቲ ብዓል ቤት ከም ዚርእዮ ጌርካ ሃቦ። ውዕዉዕ ስምዒት ኣንጸባርቕ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ወረቐት ዕድመ ኺዕደል ከሎ፡ ዚጥዕም እንተ ዀይኑ፡ መጽሔታት እውን ምስኡ ኺዕደል ኣለዎ።