ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/96 ገጽ 7
  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • “ሕጕሳት ወደስቲ” ናይ 1995 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ናይ 1998 ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ኣኼባ ኣውራጃና—ብዛዕባ ሓቂ ሓያል ምስክርነት ዚህብ መሰናድዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 8/96 ገጽ 7

ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት

ጥምቀት:- እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ቅድሚ እቲ ናይ ቀዳም ንግሆ መደብ ምጅማሩ ኣብቲ እተመደበሎም ቦታ ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። ገለ ነቲ ኣጋጣሚ ክብሪ ዘይህብን ዘሕስርን ክዳውንቲ ከም እተኸድኑ ተራእዩ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ንኽጥመቕ መደብ ዘለዎ ሰብ: ከም ፖሊስተር: ምስ ጠልቀየ ኣካላትካ ዘየርኢ ውርዙይ ክዳን ከምኡውን ሽጎማኖ ከምጽእ ኣለዎ። እቲ ተዛራባይ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ምስ ሃበን ጸሎት ምስ ገበረን እቲ ናይቲ መደብ ኣቦ መንበር ነቶም ሕጹያት ሕጽር ዝበለ መምርሒ ድሕሪ ምሃብ መዝሙር ክግበር ይነግር። እታ ናይ መወዳእታ መስመር ምስ ተዘመረት: እቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ነቶም ሕጹያት ናብቲ መጠመቒ ቦታ ክመርሕዎም ኢዮም። ጥምቀት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ሰብን የሆዋን ዝግብር ናይ መሕርሮን ብሕታውን ጉዳይ ምልክት ወፈያ ስለ ዝኰነ: ንስእሊ ተባሂሉ ዝዀነ ምድንጓያት ክህሉ የብሉን።

ባጅ ካርድ:- በጃኻ ነቲ ናይ 1996 ባጅ ካርድኻ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ከምኡውን ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ክትከይድን ክትምለስን ከሎኻ ግበሮ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ክንመላለስ ከሎና ጽቡቕ ምስክርነት ምእንቲ ክንህብ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ። ባጅ ካርድን መትሓዚኦምን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘይርከቡ ስለ ዝዀኑ: ብጉባኤኻ ገይርካ ክትረኽቦ ኣሎካ። ንዓኻን ንስድራቤትካን ዝኸውን ካርድ ንምሕታት እቲ ኣኼባ ሒደት መዓልትታት ክሳዕ ዝተርፎ ኣይትጸበ። ነቲ እተሓደሰ ቅድመ ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ሰነድ ክትማልኦ ዘክሮ ኢኻ።

ናይ መደቀሲ ክፍሊ:- ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ነቲ ናይ መደቀሲ ዝምልከት ሕቶ ናብቲ ዝምልከቶ ኣድራሻ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ብቕልጡፍ ከም እተላእከ ከረጋግጹ ኣለዎም። ነቲ በዚ መደብ እዚ እተዳለወ መደቀሲ ዘይትጥቀም እንተድኣ ኴንካ: ካልኦት ምእንቲ ክምደብሉ ንኽልቲኦም ነቲ በዓል ቤትን ነቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ናይ መደቀሲ ክፍሊ ዝምድብ ኣካልን ቀልጢፍካ ከተፍልጦም ኣሎካ።

መተሓላለፊታት ናጻ ግበሮም:- ከም መርኣያ ናይ ስርዓትን ኣኽብሮትን ሓልዮትን: መውጽኢታት: ደረጃታት ከምኡውን መታሓላለፊታት ካብ መዐንቀፊ ናጻ ክንገብሮም ክንጽዕር ይግብኣና። ተቐበልቲ ኣጋይሽ: ምስቲ ናይቲ ስታዲዩም ናይ ድሕንነት ስርዓታት ብምስምማዕ: ኣብቲ ንመተሓላለፊ ዘገልግል ደረጃታት ኮፍ ከይብል ንዝዀነ ሰብ ክኽልክሉ ክንገሩ ኢዮም።

ወለንታዊ ኣገልግሎት:- ናይ መግቢ ኣገልግሎት ስለ ዝተረፈ: እቶም ቅድም ኣብቲ ክፍሊ እቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሕጂ ኣብ ካልእ ዓይነት ክፍሊ ክዓዩ ወለንተኛታት ኰይኖም ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ኣብ ሓደ ካብቶም ክፍልታት ከም ኣብ ጽሬት ዝኣመሰለ ንምሕጋዝ ገለ ግዜ ክትምድብ ምኸኣልካዶ፧ ንቑሩብ ሰዓታት እውን ይኹን ንኣሕዋትና ምግልጋል ኣዝዩ ሓጋዝን ዘዕግብን ኢዩ። ክትሕግዝ ትኽእል እንተድኣ ኴንካ በጃኻ ነቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘሎ ናይ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ኣፍልጥ። ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ወላዲ ወይ ሓደ ዓቢ ሰብ ሓላፍነት ብምስራሕ ጽቡቕ ኣበርከቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ናይ መጠንቀቕታ ቃላት:- ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ሽግር ብምስትብሃል: ዘየድሊ ጸገማት ባዕላትና ክንኣልዮ ንኽእል ኢና። ዝበዝሕ ግዜ ሰረቕትን ካልኦት ርሕራሐ ዘይብሎምን ሰባት ነቶም ካብ ከባቢ ገዝኦም ዝርሓቑ ኢዮም ዝሃድኑ። መኪናኻ ኵሉ ግዜ ዕጽውቲ ምዃና ኣረጋግጽ ከምኡውን ዝዀነ ሰብ ሰይሩ ክኣቱ ምእንቲ ከይፍተን ዝዀነ ይኹን ነገር ኣብ ዝርአ ኣይትሕደግ። ሰረቕትን ጁባ ሃስስ ዝብሉን ሰብ ብብዝሒ ኣብ እተኣከበሉ ቦታታት ኢዮም ኣቓልብኦም ዝገብሩ። ዝዀነ ይኹን ክቡር ነገር ኣብ ኮፍ መበሊኻ ክትገድፍ ጥበባዊ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ክርስትያን ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንምንታይ ፈታኒ ነገር እትቕርብ፧ ገለ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ቈልዑ ክጨውዩ ፈተነ ከም ዝገበሩ ጸብጻብ በጺሑና ኢዩ። ደቅኻ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ