“ሕጕሳት ወደስቲ” ናይ 1995 ኣውራጃዊ ኣኼባ
1 ሕጕሳት ንኽንከውን ክንደይ ዝኣክል ምኽንያታት ኢዩ ዘሎና? ምናልባት ገለ ካባና ንዅሎም ክጽብጽብዎም ፈቲኖም ኢዮም። ኣብዛ ምንዋጽ ዘለዋን ዘይርግእትን ዓለም እኳ ንነብር እንተሃለና: ሕጕሳት ንኽንከውን ብዙሕ ምኽንያታት አሎና። ከምቲ ኣብ ናይ ጥሪ 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተገልጸ: “ሕጕሳት ወደስቲ” ዘተባብዕ ኣርእስቲ ናይ 1995 ኣውራጃዊ ኣኼባ ኢዩ።
2 የሆዋ ሓቂ ስለ ዝመሃረና ንውድሶ ኢና። (ኢሳ. 54:13፣ ዮሃ. 8:32) ንሕናውን ብግዴና ንዅሎም እቶም ዕቝባን ሓጐስን ዝደልዩ ተሓጒስ ነቲ ሓቂ ነካፍሎም ኢና። (ህዝ. 9:4፣ ግብ. 20:35) ክርስትያናዊ ሕውነትናውን ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ። ፈቃር ዝዀነ መንፈሳዊ ስድራቤት ዕግበትን ሓጐስን የምጽእ ኢዩ። እዚኣቶም ገለ ካብቶም ንየሆዋ ክንውድሶ ዝድርኹና ቍሩብ ምኽንያታት ኢዮም። እቶም ናይቲ ኣኼባ ዝርርባትን ተዋስኦታትን ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ መወዳእታ መዓልትታት ኽንሕጐስ ምእንቲ ተወሳኺ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ከም እነቕልብ ክገብሩና ኢዮም።
3 ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ:- ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ናይቲ ኣኼባ ምእንቲ ክትርከብ ኢልካ: ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ክትረክብ ምስቲ ዘስርሓካ ሰብ ምትዕርራያት ገይርካዶ?እቶም ናይ ትምህርቲ መደባት እናተኻየደ ኸሎ ሓደ ካብቲ ኣኼባታት ዝካፈሉ: ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ዉሉዳት ዘለውዎም ወለዲ: ነቶም መማህራን ብኣኽብሮት: እቶም ቈልዑ ነዚ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ሃይማኖታዊ ኣምልኾኦም ክካፈሉ ዓርቢ ካብ ትምህርቲ ከብኵሩ ምዃኖም ክሕብርዎም ኣለዎም። እቲ ዝቐርበካ ዓቢ ኣኼባ ኣበይ ኢዩ? እታ ናይ 15 ለካቲት 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ኵሎም እቶም ኣብ ዞባ ናይ ጨንፈር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ 181 ዓቢ ኣኼባታት ዕለትን ቦታን ዝርዝር ኣውጺኣ ኣላ። እቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ እቲ ንጉባኤኻ ዝምልከት ዝርዝራት ድሮ ሓቢሩልካ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ እንግሊዝኛ ብቛንቋ ቻይና: ፈረንሳይ: ግሪኽ: ጣልያን: ጀፓን: ኮሪያ: ፖርቱጋል: ስጳኛ: ተጋሎክ: ቬትናም ከምኡውን ብናይ ኣመሪካ ናይ ምልክት ቋንቋ ዓቢ ኣኼባታት ክህሉ ኢዩ።
4 እቲ መደብ ዓርቢ ሰዓት 9:40 ቅ.ቀ. ጀሚሩ ሰንበት ሰዓት 3:50 ድ.ቀ. ኣቢሉ ክውድእ ኢዩ። ቀዳምን ሰንበትን እቲ መደብ ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ. ክጅምር ኢዩ። እቲ ኣፍ ደገታት ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ክኽፈት ኢዩ። እቶም እተወሰነ ዕዮ ንኽዓዩ እተመዘዙ ጥራይ ኢዮም ኣቐዲሞም ክኣትዉ ዝፍቀደሎም።
5 ከየቋረጽካ ክትህሉ ዲኻ? ሰለስቲኡ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ ክንህሉ ተተባቢዕና ኢና። እዚ ስለምንታይ ኢዩ? የሆዋ ኣብኡ ክንህሉ ይደልየና ኢዩ። ሎሚ እምነትናን መንፈሳዊ ጥዕናናን ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኢዩ ዘሎ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ዓቢ ጸቕጢ ዘጋጥሞም ዝነበረ እዋን ‘ኣኼባኦም ከይሓድጉ’ መኺሩዎም ኢዩ። (እብ. 3:12, 13፣ 10:25) ሰብ ፊልጲ ‘ኣብ ማእከል ቔናንን ጠዋይን ወለዶ’ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ምስናይ እዚ ግን ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም የብርሁ’ ነበሩ። (ፊል. 2:15) እዞም ኣብ ቐዳማይ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ስለምንታይ ኢዮም ፍሉያት ዝነበሩ? ምኽንያቱ ነቲ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ” ሓቢሮም ክእከቡ ዝመርሖም ዝነበረ መምርሒታት ናይቲ መንፈስ ቅዱስ ብምእዛዝ ስለ እተኸተልዎ ኢዩ።—እብ. 10:24
6 እንተ ዘይኰይኑ ዓለም ትጸልወና እሞ ነቲ ምስ ኣሕዋትና ክንራኸብን ንየሆዋ ክንውድስን ዘሎና ድሌት ተዳኽሞ። እዚ ሓጋይ እዚ ንመንፈስ የሆዋ ትሕት ኢልና ክንግዝኦን ነቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ክንሕጐሰሉን ተዓዲምና ኣሎና። ምስ ምሉኣት ስድራቤትና ክንርከብ ቈሪጽና ተላዒልናዶ ኣሎና? ስርዓታውያን ኴንና ፍቕርናን እምንትናን ከነጽንዕ የድልየና ኢዩ። የሆዋ በዚ መገዲ እዚ ንኽሕግዘና ዓመታዊ ኣኼባ ኣዳልዩልና ኣሎ።
7 ናብ ቤትካ መዝገብ ውሰድ:- ካብቲ ዓቢ ኣኼባ ብኸመይ ብዝበለጸ ክትጥቀም ምኸኣልካ? ብሓንቲ ቓል እቲ መልሲ “ኣቓልቦ” ኢዩ። ኣብዛ ኣዝያ ተወጢራን ብናህሪ እትውንጨፍን ዘላ ዓለም እዚ ቐሊል ኣይኰነን። እቶም ምስ ሓይሎም ዘለዉ መንእሰያት ምቕላብ ከቢድ ኰይኑ ይረኽብዎ ይዀኑ ኢዮም: ይኹን እምበር ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክንእከብ ከሎና እዚ ንዅልና ዘጋጥመና ሽግር ኢዩ። ኣቐዲምና መደብ እንተደኣ ገይርና ምቕላብ ቀሊል ኰይኑ ክንርኽቦ ኢና። ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተታ:- ‘ኣርእስቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ እንታይ ኢዩ?’ ኣስተንትነሉ! ‘ስለምንታይ ኢየ ዝኸይድ ዘለኹ: ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲኸ እንታይ ኢየ ክገብር? ምሸትከ ብመዘናግዒታት ድየ ክመልኦ ወይስ ንዕረፍትን ነቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝጐልሑ ንድጋም እኹል ግዜ መዲበ ኣለኹ?’
8 እታ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1984 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ተስተንትን ዲኻ ወይስ ኣብ ናይ መዓልቲ ሕልሚ ኢኻ ዘሎኻ?” እትብል ዓንቀጽ ካብ ኣኼባታት ብኸመይ ከም እንጥቀም ብዙሕ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ ከምዚ ዝብል መደምደምታ ሃበት:- “ኣእምሮኣዊ ምቍጽጻር እቲ ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ።” እቲ ተዛራባይ ክጅምር ከሎ ኵሉ ግዜ ንከታተል ኢና: ይኹን እምበር ምናልባት ንገለ ክፋል ናይቲ ዝርርብ ምስ ሰማዕና ኣእምሮና “ክኹብልል” ነፍቅደሉ ንኸውን። እዚ ንኸይከውን ብኸመይ ኢና ክንከላኸሎ እንኽእል?
9 ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ተዋሂቦም ዝነበሩ ሓሳባት ክድገሙ የድልዮም ኢዩ: ከመይሲ ውጺኢታውያን ኢዮም። ዝከኣል እንተደኣ ኰይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት እኹል ዕረፍቲ ክትረክብ ፈትን። እዚ ኵሉ ግዜ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ ጕዕዞ ኣሎ ከምኡውን ኣብ ሆቴል እንተደኣ ኣሊኻ ከምቲ ኣብ ገዛኻ ቀልጢፍካ ኣይትድቅስን ትኸውን ወይ ጽቡቕ ገይርካ ኣይተዕርፍን ትኸውን። ጽቡቕ ዝዀነ ምምዳብ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ዘድሊ ዕረፍቲ ክትረክብ ክሕግዘካ ኢዩ።
10 ቅልል ዝበለ መዘኻኸሪታት ምውሳድ ንኸተቕልብ ሓጋዚ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ዝዀነ ሓበሬታ ክትጽሕፍ እንተደኣ ፈቲንካ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምሉኦም ክሓልፉኻ ይኽእሉ ኢዮም። ከም ሓሳብ: ንሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃር ወይ ድማ ክወጽእ ዘይክእል ሰብ: ናይቲ መደብ ጹማቕ ከተቕርበሉ ዕላማ ከም ዘሎካ ገይርካ መዘኻኸሪታት ውሰድ። ሽሕ’ኳ ኣብ ኣእምሮኻ ዝዀነ ሰብ እንተዘይብልካ መዘኻኸሪታት ናይ ምጽሓፍ ዕላማ ክህልወካ ኢዩ: ብድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ ድማ ንዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤት ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ክትገብር ከሎኻ ናይቲ መደብ ዝጐልሑ ነጥብታት ከተቕርቦም ኣጋጣሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መዘኻኸሪታት ብምጽሓፍን ነቲ ዝሰማዕካዮ ብምክፋልን ነቲ ሓበሬታ ቀልጢፍካ ኣይክትርስዖን ኢኻ። እትዛረበሉ ነገር ቀልጢፍካ ኣይትርስዖን ኢኻ።
11 ድሕሪ ደጊም መግቢ ዘይቀርብ እኳ እንተዀነ ናይ ድምጺ መሳርሒታት: ጽሑፋት ከምኡውን ብዙሕ ነገራት ዘጠቓልል ንክራይ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ መሳለጥያታት ዝኸውን ብዙሕ ወጻኢታት ክህሉ ኢዩ። እዞም ወጻኢታት እዚኣቶም ብኸመይ ኢዮም ዝሽፈኑ? በቲ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ን“ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝኽፈል ቸክ እንገብሮ ወለንታዊ ውጽኢትና ኢዩ። እዚ ምስ መዝሙር 96:8 ከምኡውን 2 ዜና 31:12 ዝሰማማዕ ኢዩ።
12 ሕጕሳት ወደስቲ ንየሆዋ ብኣምላኻዊ ባህሪ የኽብርዎ:- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ናይ መዕረፊ ኣጋይሽን ናይ ዓቢ ኣኼባ መሳለጥያታት ሰራሕተኛታትን ብዛዕባ ባህርያትና ዘተባብዑ ኣወንታዊ ርእይቶታት ተዋሂቦም ነይሮም ኢዮም። ሓደ ናይ ሆቴል ኣካያዲ ስራሕ ከምዚ በለ:- “ዕጕሳትን ዝተሓባበሩን ንደቆም ድማ ጥንቁቕ ሓለዋ ስለ ዝገብሩሎምን ንመሰኻኽር ከተአንግድ ኵሉ ግዜ ዘሐጕስ ኢዩ።” ሓደ ካልእ ኣመሓዳሪ ናይ ሆቴል ድማ መሰኻኽር ካብ ካልእ ጉጅለ ንላዕሊ ሕጕሳትን እተመሓደሩን ይመስሉ በለ። እቲ ዓቢ ኣኼባና ካብቲ ኣብቲ ቦታ ዝግበር ኣኼባታት ዝዓበየ እኳ እንተ ነበረ: ከምዚ በለ:- “ካብ ምስቶም ብቑጽሪ ኣዝዮም ዝንእስዎም ጉጅለታት ዝወሓደ ጥርዓናትን ሽግራትን ኢዩ ዘጋጥመና።”
13 ሓደ ካልእ ናይ ሆቴል ሰራሕተኛ: ቅድሚ እቲ ናትና እተኻየደ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ዋላ’ኳ ናይቲ ሆቴል ሰራሕተኛታት ብሙሉኣቶም እንተ ነበሩ ብዙሕ ዕንወት ከምኡውን ስርቂ ከም ዘስዓበ ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ዓቢ ኣኼባና ዝምልከት ክዛረብ ከሎ ግን ከምዚ ይብል:- “ብዛዕባ እዚ ዝምልከት በቶም መሰኻኽር ኣይንጭነቕን ኢና። . . . ንሳቶም ኣብዚ ምስ ዝህልዉ ሓደ ወይ ክልተ ናይ ጽገና ሰባት ኢና እንገድፍ ንሱውን ንዘጋጥም ሃንደበታዊ ምብልሻው ናይ ማሽናት ንምዕራይ ጥራይ ኢዩ።”
14 ኵሉ እቲ እተቐበልናዮ ጸብጻባት ከምኡ እንተ ዝኸውን ደስ ምበለና: ዘሕዝን ግን ከምኡ ኣይኰነን። ሓደ ናይ ዓቢ ኣኼባ ኣቦ ወንበር ከምዚ ተዓዘበ:- “ድሕሪ እቲ መደባት ብዙሓት ካብቶም ኮተቴታት ምሸት ብብዝሕ ዝበለ ቍጽሪ ኣብቲ ንእሽቶ ኣደራሽ [ናይቲ ሆቴል] ተኣኪቦም ዓው ኢሎም ይስሕቁን የጭድሩን ነበሩ። እዚ ነቶም ካልኦት ኣጋይሽ . . . ክሳዕ ዝሓርቁ ረበሾም። ገለ መንእሰያት ኣብቲ ኮሮድዮ ይጐዩ: ኣብ ንሓድሕዶም ክበጻጽሑ ከለዉ ነቲ ማዕጾ ገም የብልዎ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ እቲ ክፍልታት ኰይኖም ኣዝዮም ዓው ኢሎም ይዛረቡ።
15 ካልእ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ሽግር ድማ እቲ ብዙሕ ቍጽርታት ናይቶም እቲ መደብ እናተኻየደ ከሎ ኣብቲ ኮሮድዮን ካብቲ መአከቢ ኣደራሽ ወጻኢን ዝዞሩ ሰባት ኢዩ። ኣብ ሓደ ዓሚ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ካብ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃር ሰብ እተጻሕፈ ሓሳብ ኣብቲ ናይ ውጽኢት ሳጹን ተረኽበ። ከምዚ ይንበብ:- “እቲ መደብ እናተኻየድ ከሎ ኣብቲ ኮሮድዮ ምስ ከድኩ ነቲ ዝነበረ ድምጽን ንጥፈታትን ዘረባን ከምኡውን ኣደብ ዘይብሉ ጠባይ ምስ ርአኹ ከምኡ ገይረ ኣዝየ ሰንቢደ ኣይፈልጥን። . . . ኣነ ኣምላኻዊ ፍርሃትን ክብርን ዘጽንዕን ዝማሃርን ዘሎኹ ገና ምስክር ዘይኰንኩ ሰብ ኢየ።” ብርግጽ ዋላሓደ ካባና ነቲ ናይ የሆዋ ምድላው ሞሳ ዝጐደለና ኴንና ክንርአ ኣይንደልን ኢና።
16 ኵሉ ግዜ ንነፍስና ከምዚ ኢልና ክንሓታ ይግብኣና:- ‘ንመን ኢየ ዝውክል: ኣብዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ ስለምንታይ ኢየ ዝካፈል ዘለኹ?’ መንፈሳውነትናን ኣምላኻዊ ተወፋይነትናን ብኣዘራርባና: ብጠባይና ከምኡውን በቲ ንመንፈሳዊ ምድላዋት ዘሎና ሞሳ ኢዩ ዝግለጽ። (ያእ. 3:13፣ 1 ጴጥ. 2:2, 3, 12) እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይድታትን ኣርዑት ሓጺንን ንነዊሕ ዓመታት እተጸመሙ ኣሕዋት ዝያዳ ኣቓልቦ ዘለዎም: ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ብኣኽብሮት ዝመላለሱ: ካብ ኮፍ መበሊኦም ከይተንቀሳቐሱ ኣብቲ ዝርርባትን ተዋስኦታትን ዝምሰጡ ምዃኖም ተራእዮም ኢዮም።
17 ክዳንካን ኵለንተናዊ ኣቃውማኻን መልእኽቲ የተሓላልፉ:- ኣብ 1 ሳሙኤል 16:7: “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ” ኢሉ ኣዘኻኺሩና አሎ። ሰለዚ ሰባት በቲ ትርኢትና ኢዮም ዝፈርዱና። ብፍላይ ንኣምልኾን ብክርስትያናዊ ህይወት ንኽንመላለስ ክንማሃርን ኣብ ዓቢ ኣኼባ ክንእከብ ከሎና ክዳናን ኵለንተናዊ ኣቃውማናን ኣብ ትሐቲ ተዕዝብቲ ኢዩ። ተማሃራይ መንእሰይ እንተደኣ ኴንካ ወይ ድማ እቲ ዓለማዊ ዕዮኻ ምስቶም ዓለማዊ ቅድታት ዝስዕቡ ኣዝዩ ዘቀራርበካ እንተደኣ ኰይኑ ነቲ ክርስትያናዊ ደረጃታት ናይ ዉርዙይ ክዳን ክትሰዕብ ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
18 ናይ ክዳንን ኵለንተናዊ ኣቃውማን ደረጃታት ኣብ ምሉእ ዓለም እተፈላለዩ ኢዮም። ክርስትያናት ውርዙይን ግቡእን ክዳን ክኽደኑ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ነዚ ክውስኖ ዘለዎ መን ኢዩ? ወለዲ: እቶም ኮተቴ ደቆም ከምቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ዓለማውያን መንእሰያት ከም ዘይተኸድኑ ከረጋግጹ ኣለዎም። ኣብዚ ተኣፋፊ ዝዀነ ጉዳይ እዚ ጥቁው ውሳኔ ምእንቲ ክንገብር ክሕግዘና ሃናጺ ዝዀነ መምርሒታት ክወሃብ ጸኒሑ ኣሎ። እታ ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1987 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ ) ዝወጸት “ክዳውንቲ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?” እትብል ዓንቀጽ ክትደግማ ነተባብዓካ። ኣብ ገለ ካብቶም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓበይቲ ኣኼባታትና እንታይ ኢዩ እተራእየ?
19 ሓደ ካብቶም ናይ “ኣምላኻዊ ፍርሃት” ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ተኻየደ እዚ ትዕዝብቲ እዚ ተቐቢልና:- “እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዓቢ ኣኼባ ኣብ ኣከዳድናኦም: ኵለንተናዊ ኣቃውማኦም ከምኡውን ጠባዮም ብዙሕ ለውጢ ኢዮም ኣርእዮም። . . . ይኹን እምበር ገና ተወሳኺ ምምሕያሽ ዘድልዮም ገለ ኵነታትን ልምድታትን ኣለዉ።” ድሕሪ ካልእ ዓቢ ኣኼባ ምክያዱ ዘይውርዙይ ክዳን ኣዝዩ ርኡይ ከም ዝነበረ ጸብጻብ ቀሪቡ። ናይ ገሊኣቶም ክዳን ንኻልኦት ባህ ዘየብል ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ገለ ካብቶም ኣጋይሽ ድማ ነቲ ዘይውርዙይ ክዳን ኣስተብሂሎምሉ ኢዮም። እቲ ናይ ገሊኦም ኣከዳድና ድማ ኣካላትካ ዘርእን ምስ ነብስኻ ዝለግብን ኢዩ ነይሩ።
20 ዝበዝሑ ካብቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝግበረሉ ከባቢ ዉርዙይን ክብረት ዘለዎን ክዳን ይለብሱ። ደሓር ግን ኣብ ሆቴል ወይ ቤት መግቢ ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ባጅ ምስቲ “ንህዝቢ ኣምላኽ ዘይከውን . . . ኳሌታን እጅገን ዘይብሉ ወዛል ክዳን: ዝኣረገ ቱታ: ኣዝዩ ሓጺርን ቅዲ ዝኽተልን ክዳውንቲ” ይለብስዎ። እቶም ሽማግለታት ኣብ ግዜ እቲ ዕረፍቲ ከምዚ ዓይነት ክዳን ክገብሩ ዝንባለ ከም ዘለዎም እንተደኣ ተዓዚቦም: ቅድሚ እቲ ዓቢ ኣኼባ: ብፍላይ ነቶም ከም ኣጋይሽ መጠን ነቲ ክርስትያናዊ ዓቢ ኣኼባ ክሳተፉ ዝመጹ: ከምዚ ዓይነት ክዳን ግቡእ ከም ዘይኰነ ብሕያውነት ግናኸ ጽኑዕ ምኽሪ ክህብዎም ኣለዎም። በጃኹም ምስቲ ነዚ ዓቢ ኣኼባ ዝሳተፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃራይካ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መምርሒታት ናይ ጠባይን ክዳንን ርኣዮ።
21 ሆቴላት:- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፊናንሳዊ ጾር ምእንቲ ከይህሉ ብዙሕ ጻዕርታት ይግበር ኢዩ። በጃኻ ምስቶም ናይ ሆቴል ሰራሕተኛታት ክትራኸብ ከለኻ ትዕግስተኛን ሕያዋይን ክትከውን ዘክር። ብጕዕዞ ደኺምና ክንከውን ንኽእል ኢና ከምኡውን ክፍሊ ንኽትረክብ ዘሎ መስርዕ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል: ይኹን እምበር እቲ ትዕግስትኻ ሸለል ተባሂሉ ዝሕልፍ ኣይኰነን። ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ብዛዕባ ናይ ሆቴል ክፍልታት ዝምልከት እታው ምስቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮኦም ኰይኖም ክርእይዎ ጠቓሚ ክኸውን ኢዩ። በቲ ናይቲ ከባቢ ልምዲ ጌርካ ሞቕሽሽ ክትህብ እውን ኣድላዪ ምዃኑ ክንዝክር የድልየና።—22 ሰነ 1986 ንቕሑ!
22 ካሜራታት ከምኡውን ናይ መምልኢ መሳርሒታት:- ብዛዕባ ካሜራታት ከምኡውን ናይ መምልኢ መሳርሒታት ብሕያውነት መዘኻኸሪታት ምሃብ ግቡእ ኢዩ። ካሜራታት: ካምኮርደራት ወይ ድማ ዝዀነ ዓይነት ናይ መምልኢ መሳርሒታት ክትጥቀም መደብ እንተደኣ ገይርካ ነቶም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ሓልዮት ከተርኢ በጃኻ ዘክር። እቲ መደብ እናተኻየደ ኸሎ ዘወርወር ክትብል አረ ኣብ ቦታኻ ኴንካ ምምላእ ንኻልኦት ዘዘንብሎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ድምጺ መሳርሒታት ወይ ካልእ ዝዀነ ይኹን ነገር ምስቲ ናይ ኤለክትሪክን ድምጽን ኣገባባት ክተሓሓዝ የብሉን: ዝዀነ ይኹን መሳርሒ ነቲ ናይ መንጎ መተሓላለፊታት ክዓጹ የብሉን። ስእልታት ክትስእል ወይ ገለ ክፋላት ናይቲ መደብ ብካምኮርድ ወይ ናይ ድምጺ መምልኢ ክትመልእ ምውሳን ናይ ብሕቲ ጉዳይ ኢዩ። ድምጽታት ስእልታት ከምኡውን እተመልኡ ድምጽታት ደሓር ክትርእዮም ወይ ክትሰምዖም ከሎኻ ጽቡቕ ተዘክሮታት ከምጽኡልካ ይኽእሉ ኢዮም። ኵሎም እዞም መሳርሒታት እዚኣቶም ንኻልኦት ዘዘንብሉ ወይ ድማ ንዓኻ ካብቲ መደብ ዝያዳ ጥቕምታት ንኸይትረክብ ዝዓግቱኻ ምእንቲ ኸይኰኑ ብሚዛናዊ መገዲ ክዝውተሩ ኣለዎም። ድሕሪ ናብ ቤትካ ምምላስካስ ነቲ እተመልአ ድምጽታት ክትሰምዖ ግዜ ትረኽበሉዶ? መዘኻኸሪታት ምውሳድ ኣኻሊ ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ትኸውን።
23 ኮፍ መበሊ:- ኣብቲ “ኣምላኻዊ ፍርሃት” ናይ 1994 ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዛዕባ ኮፍ መበሊ ንኻልኦት ምሓዝ ብዝመጸ ምምሕያሽ ተዓዚብካዶ? ገለ ምዕባለታት ተገይሩ ኢዩ ይኹን እምበር ገና ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ክንጥቀቐሉ ከድልየና ኢዩ:- ኮፍ መበሊ ክተሓዝ ዝኽእል ነቶም ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካን ነቶም ብማኪና ምሳኻ ዝጓዓዙን ጥራይ ኢዩ። ኣብኡ ከም ናይ ማሕበር ዕዱማት ኢና ዘሎና። እቲ ክራይ ናይቲ መአከቢ ኣደራሽ ብናይ ወለንታዊ ውጽኢት ኢዩ ተኸፊሉ። ክንጥቀመሉ ምዃና ዘይነረጋግጸሉ ኮፍ መበሊ እንተ ሓዝናስ ፍቕራውን ሓልዮት ዘለዎንዶ ኢዩ? ነቶም ከም ቁጥዐ ሰብነት ዝኣመሰለ ናይ ንፋስ ለውጢ ጸገም ዘለዎም ክኸውን ተባሂሉ እተፈልየ ቦታ ወይ ክፍሊ ንኽተሓዘሎም ዝግበር ሕቶ ዘይንቕበል ምዃንና ምስ ይቕረታ ንገልጽ።
24 ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ኣኼባ ነቶም ዝዓበዩን ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎምን ፍሉይ ምድላው ይገብር ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ኮፍ ክትብል ዘይግብኣካ እንተደኣ ኰይኑ ቦታ ከይትሕዝ በጃኻ ተጠንቀቕ ኢኻ። ከምኡውን ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮም በቲ ክኣልዮም እተመዘዘ ሓገዝ እንተ ዘይረኺቦም ንኽትድግፎም ንቑሕት ኵኑ።
25 ነቲ ዓቢ ኣኼባኻ ዘድሊ መግቢ ምድላው:- ከም እትፈልጦ እቲ ናይ 1994 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ከምዚ ኢሉ ምልክታ ይህብ:- “ካብ ናይ 1995 ኣውራጃዊ ዓቢ ኣኼባ ከምኡውን ናይ መስከረም 1995 ናይ ወረዳ ኣሰምብልታትን መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብልታትን ጀሚሩ መግቢ ኣይክህሉን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ናቱ መግብን መስተን ከምጽእ ኢዩ።” እታ ናይ ለካቲት 1995 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እታው ድማ ስለምንታይ እዚ ምትዕርራ እዚ ከም እተገብረን ነፍሲ ወከፍ ነቲ ዓቢ ኣኼባ ዝኸውን ናቱ መግብን መስተን ብኸመይ ከም ዘዳሉን ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳባት ገሊጻ ኣላ። ነቲ ኣኼባ ክዳለዉ ከለዉ ነዚ እታው እዚ ኵሎም ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ ምስቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታቶም ኰይኖም ክመያየጥሉ ጽቡቕ ኢዩ። ኵሎም እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮ መግቦምን መስቲኦምን ሒዞም ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ክመጹ ከም ዘለዎም ክንገሮም ኣገዳሲ ኢዩ።
26 ሓድሓደ ነጥብታት ንምጕላሕ ዝኣክል ንምሳሕ ዝኸውን ከተምጽእ ከሎኻ ነዞም ነጥብታት እዚኣቶም ክትሓስበሎም ከድልዩኻ ኢዮም:- ፍኹስ ዝበለ: ቀሊልን ዘዕግብን መግቢ ኰይኑ ከምቲ ሰባት ንዓለማዊ ስራሕ ክኸዱ ከለዉ ዝማልእዎ ከም እኒ ናይ እተጠብሰ ስጋ እምበቲቶ: ዝነቐጸ ፍሩታታት: ፉል: እተጠብሱ ምግብታትን ሓድሽ ፍሩታታትን ኢዮም። ዝስተ ድማ ኣብ ዘይስበር መትሓዚ ወይ ፔርሙስ ኰይኑ ቡን: ልስሉስ መስተታት: ናይ ፍሩታ ጹማቕ ወይ ድማ እተዓሸገ ማይ ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ንኣሽቱ መዝሓሊታት ዘድሊ እንተደኣ ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ኮፍ መበሊኻ ዝኣቱ ምስ ዝኸውን ቅቡል ኢዩ። ይኹን እምበር ዓበይቲ ንስድራቤት ምሉእ ዝኸውን ናይ ዙረት መዝሓሊታት: ኣልኮላዊ መስተ: ወይ ድማ ብጥርሙዝ እተሰርሑ መትሓዚታት ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ክመጹ የብሎምን። እቲ መደብ እናተኻየደ ከሎ ምብላዕ ክውገድ ኣለዎ። እዚ ነቲ ዝወሃብ ዘሎ መንፈሳዊ መግቢ ዘይምምሳው ዘርኢ ኢዩ።
27 ተወሳኺ መጠንቀቕታ ድማ ኣብቲ ናይቲ ሆቴል ክፍልታት ንእኡ ተባሂሉ እተዳለወ ክሽነ እንተ ዘይብሉ ምኽሻን ክግበር የብሉን። እቲ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ክኸውን እተመደበ ግዜ ቀሊል መግቢ ክንበልዕን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቲኦክራቲካዊ ሕብረት ከነስተማቕርን ተባሂሉ ከም እተዳለወ ኣኽቢድካ ክሕሰበሉ ሰናይ ኢዩ። ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን እቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝወሃብ መንፈሳዊ መግቢ ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ነገራት ኣውራ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና: ብእኡ መሰረት ከኣ ክንምድብ ይግብኣና።
28 2 ሰነ 1995 እቲ ቀዳማይ “ሕጕሳት ወደስቲ” ኣውራጃዊ ኣኼባ ክጅምር ኢዩ። ምቅርራብካ ወዲእካዶ ከምኡውን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሕጕስ ዕርክነትን ጽቡቕ መንፈሳዊ ነገራትን ከተስተማቕር ተዳሊኻዶ ኣሎኻ? ነቲ ከም ናይ የሆዋ ሕጕሳት ወደስቲ ኴንና እንነበርና ከሎና ኣብዚ ሓጋይ እዚ ነቲ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኴንካ ነዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ ንምክፋል እትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ክባርኸካ ልባዊ ጸሎትና ኢዩ።
ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
ጥምቀት:- እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ቅድሚ እቲ ናይ ቀዳም ንግሆ መደብ ምጅማሩ ኣብቲ እተመደበሎም ቦታ ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። ገለ ነቲ ኣጋጣሚ ክብሪ ዘይህብን ካብኡ ዝረሓቐን ክዳውንቲ ክኽደኑ ተራእዩ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ንኽጥመቕ መደብ ዘለዎ ዉርዙይ መሐንበስን ሽጎማኖን ከምጽእ አለዎ። ድሕሪ እቲ ናይቲ ተዛራባይ ናይ ጥምቀት ዝርርብን ጸሎትን እቲ ናይቲ መደብ ኣቦ ወንበር ነቶም ሕጹያት ሓጺር መምርሒ ምስ ሃበ መዝሙር ክግበር ክነግር ኢዩ። ድሕቲ እታ ናይ መወዳእታ መስመር ናይታ መዝሙር እቶም ኣሳሰይቲ ነቶም ሕጹያት ናብቲ መጠመቒ ቦታ ክመርሕዎም ኢዮም። ጥምቀት ምልክት ወፈያ ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ሰብን የሆዋን ዝግበር ጥብቅን ብሕታውን ጉዳይ ስለ ዝዀነ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ጥምቀት ሕጹያት ኣእዳዎም ተታሓሒዞም ዝጥመቕሉ ናይ ጥምቀት ብጻይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምድላው የለን።
ባጅ ካርድ:- በጃኻ ነቲ ናይ 1995 ባጅ ካርድኻ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ከምኡውን ካብን ናብን እቲ ዓቢ ኣኼባ ክትመላለስ ከሎኻ ግበሮ። እዚ ንዓና ክንመላለስ ከሎና ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ኣጋጣሚ ክህበና ኢዩ። ባጅ ካርድን መትሓዚኦምን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘይርከቡ ስለ ዝዀኑ: ብጉባኤኻ ገይርካ ክትረኽቦ ኣሎካ። ነቲ ሓድሽ ቅድመ ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክትማልኦ ዘክሮ ኢኻ። ኣባላት ስድራቤት ቤትኤልን ፓይነራትን መንነት ወረቐቶም ምስኦም ክህሉ ኣለዎ።
ናይ ሆቴል ክፍሊ:- ነቲ በቲ ዓቢ ኣኼባ እተዋህበ ክፍልታት ጥራይ ክትጥቀሙ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምትሕብባር ንሓትት። ነቲ ናይ ማሕበር ምትዕርራያት ሓሊፍና ካብቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘየሎ ሆቴል ንሕዝ እንተደኣ ኴንና ወይ ድማ ካብተን ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሆቴላት ካብቲ ውዕል እተገብረሉ ንላዕሊ ገንዘብ እንተደኣ ከፊልና ነቲ ኣሕዋትና ዝሓሸ ዋጋ ንኽንረክብ ኢሎም ዝገበርዎ ብዙሕ ጻዕሪ ዋጋ ኣይንህቦን ኢና ዘሎና ማለት ኢዩ። ኣብቲ ሆቴል ሽግር እንተደኣ ኣጋጢሙካ ቀልጢፍካ ክትፈትሖ ምእንቲ ክሕግዘካ ነቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘሎ ናይ ሆቴል ክፍልታት ተዓዛቢ ከተመልክት ኣይትጠራጠር። ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ብፍሉይ ዘድሊ ናይ ክፍሊ መሕተቲ ቅርጻ ናብቲ ዝምልከቶ ኣድራሻ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ብቑልጡፍ ከም እተላእከ ከረጋግጹ አለዎም። ነቲ ብፍሉይ ዘድሊ እተገብረ ምትዕርራይ ክትስርዞ እንተደኣ ደሊኻ ካልኦት ምእንቲ ክምደበሉ ነቲ በዓል ቤት ወይ ሆቴል ከምኡውን ነቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ክፍልታት ዝምድብ ኣካል ቀልጢፍካ ከተፍልጦም ኣሎካ።
ወለንታዊ ኣገልግሎት:- ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ገለ ግዜ መዲብካ ኣብ ሓዲኡ ካብቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ክፍልታት ክትሕግዝ ምኸኣልካዶ? ንቑሩብ ሰዓታት እውን ይኹን ንኣሕዋትና ምግልጋል ኣዝዩ ሓጋዝን ብዙሕ ዕግበት ከምጽኣልናን ይኽእል ኢዩ። ክትሕግዝ ትኽእል እንተደኣ ኴንካ በጃኻ ነቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘሎ ናይ ወለንታዊ ኣገልገሎት ክፍሊ ኣፍልጥ። ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ወላዲ ወይ ሓደ ዓቢ ሰብ ሓላፍነት ብምስራሕ ጽቡቕ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።
ናይ መጠንቀቕታ ቃላት:- ናብቲ ሽግር ክፈጥር ዝኽእል ብምስትብሃል: ዘየድሊ ጸገማት ባዕልና ክንኣልዮ ንኽእል ኢና። ዝበዝሕ ግዜ ሰረቕትን ዘይስከፉን ሰባት ነቶም ካብ ከባቢ ገዝኦም ዝረሓቑ ኢዮም ዝሃድኑ። መኪናኻ ኵሉ ግዜ ዕጽውቲ ምዃና ኣረጋግጽ ከምኡውን ዝዀነ ሰብ ሰይሩ ክኣቱ ምእንቲ ከይፍተን ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣብ ዝርአ ኣይትሕደግ። ሰረቕትን ጁባ ሃሰስ ዝብሉን ናብ እኩባት ሰባት ኢዮም ኣቓልብኦም ዝገብሩ። ኣብቲ ኮፍ መበሊኻ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትገድፍ ጥበባዊ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ክርስትያን ምዃኑ ከተረጋጋጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንምንታይ ፈታኒ ነገር እንቕርብ? ብገለ ካብ ወጻኢ ዘለዉ ቈልዑ ክጨውዩ ፈተነ ከም እተገብረ ጸብጻብ በጺሑና ኢዩ። ደቅኻ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮም።
እቲ ኣብ ሆቴላት ዘሎ ናይ ተለቭዥን መደባት ብዕሉግ: ስእለ–ጽዩፋዊ ፊልምታት ኢዩ ዘቕርብ። ነዚ መስድዒ እዚ ተጠንቀቕሉ ከምኡውን ቈልዑ ነቲ ኣብቲ ክፍሊ ዘሎ ተለቭዥን ከም ድላዮም ክጥቀምሉ ኣይተፍቅደሎም።
ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ዝምልከት ጉዳይ ሓበሬታ ደልዩ ናብቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ምምሕዳር ኣይደውል። እቲ ሓበሬታ ካብ ሽማግለታት እንተደኣ ዘይተረኺቡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ዘሎ ፋይል ብድሕሪ እቲ ብፍሉይ ዘድሊ ናይ ክፍሊ መሕተቲ ቅርጻ ዘሎ ኣድራሻታት ጸሓፍ።