ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/95 ገጽ 6
  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ናይ 1997 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • “ሕጕሳት ወደስቲ” ናይ 1995 ኣውራጃዊ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ናይ 1998 ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 7/95 ገጽ 6

ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት

ጥምቀት:- እቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ቅድሚ እቲ ናይ ቀዳም ንግሆ መደብ ምጅማሩ ኣብቲ እተመደበሎም ቦታ ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። ገለ ነቲ ኣጋጣሚ ክብሪ ዘይህብን ካብኡ ዝረሓቐን ክዳውንቲ ክኽደኑ ተራእዩ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ንኽጥመቕ መደብ ዘለዎ ሰብ: ከም ፖሊስተር: ምስ ጠልቀየ ኣካላትካ ዘየርኢ ውርዙይ ክዳን ከምኡውን ሽጎማኖ ከምጽእ አለዎ። ድሕሪ እቲ ናይቲ ተዛራባይ ናይ ጥምቀት ዝርርብን ጸሎትን እቲ ናይቲ መደብ ኣቦ መንበር ነቶም ሕጹያት ሓጺር መምርሒ ምስ ሃበ መዝሙር ክግበር ክነግር ኢዩ። ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ መስመር ናይታ መዝሙር እቶም ኣሳሰይቲ ነቶም ሕጹያት ናብቲ መጠመቒ ቦታ ክመርሕዎም ኢዮም። ጥምቀት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ሰብን የሆዋን ዝግበር ጥብቅን ብሕታውን ጉዳይ ምልክት ወፈያ ስለ ዝዀነ: ንስእሊ ተባሂሉ ዝዀነ ምድንጓያት ክህሉ የብሉን።

ባጅ ካርድ:- በጃኻ ነቲ ናይ 1995 ባጅ ካርድኻ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ከምኡውን ናብቲ ዓቢ ኣኼባ ክትከይድን ክትምለስን ከሎኻ ግበሮ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ክንመላለስ ከሎና ጽቡቕ ምስክርነት ምእንቲ ክንህብ ኣጋጣሚ ዝህብ ኢዩ። ባጅ ካርድን መትሓዚኦምን ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘይርከቡ ስለ ዝዀኑ: ብጉባኤኻ ገይርካ ክትረኽቦ ኣሎካ። ነቲ እዋናዊ ቅድመ ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክትማልኦ ዘክሮ ኢኻ። ኣባላት ስድራቤት ቤትኤልን ፓይነራትን መንነት ወረቐቶም ምስኦም ክህሉ ኣለዎ።

ናይ መደቀሲ ክፍሊ:- ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ነቲ ናይ መደቀሲ ዝምልከት ሕቶ ናብቲ ዝምልከቶ ኣድራሻ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ብቑልጡፍ ከም እተላእከ ከረጋግጹ ኣለዎም። ነቲ በዚ እተገብረ ምትዕርራይ ክትስርዞ እንተድኣ ደሊኻ: ካልኦት ምእንቲ ክምደበሉ ንኽልቲኦም ነቲ በዓል ቤትን ነቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ክፍልታት ዝምድብ ኣካልን ቀልጢፍካ ከተፍልጦም ኣሎካ።

መተሓላለፊታት ናጻ ግበሮም:- ከም መርኣያ ናይ ስርዓታውነት: ኣኽብሮት ከምኡውን ሓልዮት መውጽኢታት: ደረጃታት ከምኡውን መተሓላለፊታት ካብ መዐንቀፊ ናጻ ክንገብሮም ክንጽዕር ይግብኣና። ተቐበልቲ ኣጋይሽ: ምስቲ ናይቲ ስታዲዩም ናይ ድሕነት ስርዓታት ብምስምማዕ: ኣብቲ ንመተሓላለፊ ዘገልግል ደረጃታት ኮፍ ከይብል ንዝዀነ ሰብ ክኽልክሉ ክንገሩ ኢዮም።

ወለንታዊ ኣገልግሎት:- ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ኣብ ሓደ ካብቶም ክፍልታት ንምሕጋዝ ገለ ግዜ ክትምድብ ምኸኣልካዶ፧ ንቑሩብ ሰዓታት እውን ይኹን ንኣሕዋትና ምግልጋል ኣዝዩ ሓጋዝን ብዙሕ ዕግበት ከምጽኣልናን ይኽእል ኢዩ። ክትሕግዝ ትኽእል እንተድኣ ኴንካ በጃኻ ነቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዘሎ ናይ ወለንታዊ ኣገልገሎት ክፍሊ ኣፍልጥ። ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ወላዲ ወይ ሓደ ዓቢ ሰብ ሓላፍነት ብምስራሕ ጽቡቕ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ናይ መጠንቀቕታ ቃላት:- ናብቲ ክፍጠር ዝኽእል ሽግር ብምስትብሃል: ዘየድሊ ጸገማት ባዕልና ክንኣልዮ ንኽእል ኢና። ዝበዝሕ ግዜ ሰረቕትን ዘይስከፉን ሰባት ነቶም ካብ ከባቢ ገዝኦም ዝረሓቑ ኢዮም ዝሃድኑ። መኪናኻ ኵሉ ግዜ ዕጽውቲ ምዃና ኣረጋግጽ ከምኡውን ዝዀነ ሰብ ሰይሩ ክኣቱ ምእንቲ ከይፍተን ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣብ ዝርአ ኣይትሕደግ። ሰረቕትን ጁባ ሃሰስ ዝብሉን ናብ ገየሽትን እኩባት ሰባትን ኢዮም ኣቓልብኦም ዝገብሩ። ኣብቲ ኮፍ መበሊኻ ዝዀነ ይኹን ክቡር ነገር ክትገድፍ ጥበባዊ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ክርስትያን ምዃኑ ከተረጋጋጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንምንታይ ፈታኒ ነገር እትቕርብ፧ ብገለ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ቈልዑ ክጨውዩ ወይ ነቲ ባጅ ካርዶም ክሰርቁ ፈተነ ከም እተገብረ ጸብጻብ በጺሑና ኢዩ። ደቅኻ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ