መንእሰያት ይሓቱ እትብል መጽሐፍ ኣበርክት
1 ምንም እኳ እታ ራእይ ፍጻሜኡ እትብል መጽሓፍ ነዚ ወርሒ እዚ ክትዕደል እንተ ተመደበት ነቶም በዚ ንመንእሰያት ዘሸግሮም ዘሎ ጸገማት ዝግደስ ወላድን መንእሰይን ነታ መንእሰያት ይሓቱ እትብል መጽሓፍ ክትዕድሎም ክትውስን ትኽእል ኢኻ።
2 ከምዚ ክትብል ጽቡቕ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜ ክትዓቢ ቀሊል ኣይኮነን። መንእሰያት ከቢድ ውሳኔ ክገብሩሎም ዘለዎም ብዙሓት ሐደስቲ ኩነታት የጋጥምዎም ኢዮም። “ክሰቲዶ? ሓሽሽ ክወስድዶ? ምስ ኣንጻር ጾታ እተርእዮ ጠባይ ከመይ ኢዩ?’ መንእሰያት ከምዚኦም ዝበሉ መሰረታውያን ክርክራት ክሓቱ ከለዉ ዝበዝሕ ግዜ ተጋራጫዊ ብዝኾነ መልስታት ይደናገሩ ኢዮም። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ምኽሪ ምእንቲ ክረኽቡ ናበይ ኣቢሎም ኢዮም ዝኸዱ ምበልካ? [መልሲ ተጸበ] እዛ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶን ተግባራዊ መልስታቶምን እትብል መጽሐፍ ሓጋዚ ዝኾነ መምርሒ ትህብ። [ነቶም ኣብ ናይ ትሕዝቶ መውጽኢ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ኣርእዮ ] መንእሰያት ትኽ ዝበሉን ዝዓዩን መልስታት ኢዮም ዝደልዩ። እቶም ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘለዉ መልስታት በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዝተደገፉ ኢዮም።”
3 ካልእ ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ ኣብዚ ኣሎ:-
◼ “ሎሚ መንእሰያት ናይ ዝተፈላለዩ ጸቕጥታት ግዳያት ኢዮም። ብዓወት ምእንቲ ክዋጽኡሎም ሓገዝ የድልዮም። ክንሕግዞም ኢልና እቲ ዝከኣለና ክንገብር ከሎናስ ገለ ተግባራዊ መምርሒ ክህበና ዝኽእል ነገር ክንረክብ ሃሰስዶ ኣይንብልን ኢና? [መልሲ ክህቡ ተጸበ] እቲ ኣዝዩ ዝሓየለ ጸቕጢ ካብ ካልኦት መንእሰያት ማለት መዛንኦም ኢዩ ዝመጽእ። ነዞም ኣብ ገጽ 76ን 77ን ዘለዉ ስእልታት እሞ ተዓዘቡ። [ናብቲ ነቲ ስእሊ ዝገልጽ ጽሑፍን ነቲ ኣብ ገጽ 77 ብፍሉይ ዝተጻሕፈ ሓሳባትን ኣድህብ] እዞም ዝስዕቡ ገጻት ናይዛ ምዕራፍ እዚኣ ቅኑዓትን ዝሰርሑን መልስታት ክዝርዝሮም ኢዩ።”
4 ብርግጽ እዚ ግዜ እዚ ብፍላይ ንመንእሰያት “ንኽትዋጸኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝኾነ ግዜ” ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:1) እታ መንእሰያት ይሓቱ እትብል መጽሓፍ ንሓደ መንእሰይ ነዚ ሕጂ ዘሎ ብድሆታት ብዓወት ከሸንፎ ብሓቂ ክትሕግዞ ትኽእል ኢያ። እቶም 39 ምዕራፋት ብጽቡቕ ዝተገልጹን እቲ ዓንቀጻት ድማ ክዉንን ተግባራውን ኢዩ። ስለዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተረኽበሉ ነዛ ጽብቕቲ ሕታም ክትጥቀመላ እተዳሎኻ ኩን።