ንዝመጽእ ወርሒ ንየሆዋ ምምስጋንካ ከተዕብዮዶ ምኸኣልካ?
1 እቲ መዝሙራዊ ዳዊት ቅቡል ብዝኾነ መገዲ ንየሆዋ ከመስግን ካብ ልቢ ዝመነጨ ድላይ ስለ ዝነበሮ ኢዩ ከምዚ ኢሉ ዝኣወጀ:- “ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ: ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።” (መዝ. 109:30) ኣብ ግራት ኣገልግሎት እጃምና ብዝያዳ ‘ንኹሉ ምስጋናኡ ክንውስኸሉ’ ነዚ ዝመጽእ ወርሒ ንጠቐመሉ። (መዝ. 71:14) ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነር ኮይኖም ነዚ ዝገብሩ ዘለዉ ክትከውንዶ ትምድብ ኣሎኻ?
2 ሕጂ መድብ:- ምሳሌ 21:5 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ብምባል የዘኻኽረና። እዚ ነቲ ነገር ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣቕሪብና ኣብ መደብና ንየሆዋ ቀዳምነት ክንህቦ የዘኻኽረና። (ምሳ. 3:5, 6) ቀጺልኩም ኣበየናይ ግዜ ምትዕርራይ ጌርኩም ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ክልተ ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት ከተውዕልዎ ትኽእሉ ምዃንኩም ንኽትውስኑ ነቲ ናይ ሕጂ ዘሎ መደባትኩም ኣጸቢቕኩም ተዓዘብዎ። ካብ ካልእ ንጥፈታት ግዜ “ምዕዳግኩም” ንስብከት ስራሕ ዝበዝሕ ግዜ ክትውፍዩ ክሕግዘኩም ኢዩ። — ኤፌ. 5:16
3 ተረዳድኡን ተሓባበሩን:- ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣገልግሎቱ ንኽፍጽም “ንምጽንናዑ” ዝኾኑዎ ተዛሪቡ ኣሎ። (ቈሎ. 4:11) መደባትኩም ምስቶም ነዚ ዝመጽእ ወርሒ ሓገዝቲ ፓይነር ክኾኑ ዝደልዩ ተዘራረቡ። ሓገዞምን ዕርክነቶምን ንኹልኹም መንፈሳዊ በረኸት ከምጽኣልኩም ኢዩ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ብዛዕባ ናይ ኣገልግሎት ምትዕርራይን ናይ ስራሕ ዞባን ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ክሕግዘኩም ኢዩ።
4 ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ምስ ዝህሉ: ንኣባላት ናይታ ስድራቤት ሓገዝቲ ፓይነር ኮይኖም ከገልግሉ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ናይ ገዛ ዕዮ ንግዜኡ ክማቐልዎ የድልዮም ይኸውን። ነዞም ዕዮታት እዚኦም ንምዕያይውን መደባት ምትዕርራይ የድሊ ይኸውን። ዕላማኹም ሸቶኡ ክውቅዕ ናይ ቤተሰብ ኣኼባ ጌርኩም ነቶም ዘድልዩ ክትዘራረቡሎም ሓጋዚ ኢዩ። ጽቡቕ ምርድዳእን ምትሕብባርን ናይ ዓወት መፍትሕ ኢዩ።
5 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዙ:- ኵነታት ዘይምሽእ ስለ ዝኾነ ቀልጢፍኩም ሓጋዚ ፓይነር ክኸውን ኣይኽእልን ኢየ ኢልኩም ኣይትወስኑ። ኣብ ትምህርቲ ዘለዉ መንእሰያት: ጡረተኛታት: ቈልዑ ዘለወን ኣዴታትን ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ርእሲ ናይ ስድራቤትን ሓገዝቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሕቲ ምእንቲ ክኾኑ ተሓጒሶም መስዋእቲ ገይሮም ኢዮም። ምስቲ “ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም ኢዩ” ዝብል ሓሳብ እቲ መዝሙራዊ ተሰማሚዖም 60 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ንኸሕልፉ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብሩ ከም ከቢድ ነገር ኣይቆጸርዎን። (መዝ. 33:1) ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን እንተዘይኪኢልካ ከም ናይ ጉባኤ አስፋሒ ንጥፈታትካ ብምዕባይ ስለምንታይ ኣብቲ ሓጎስ ዘይትካፈል?
6 ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምዕያይ ንብዙሓት ናብ ስርዓታዊ ፓይነር ከም መሰጋገሪ መሰረት ኮይኑዎም ኢዩ። ዕዮኦም ብምዕባይ ናብ ስርዓታዊ ፓይነር ምሕላፍ ቀሊል ኮይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።
7 እወ እቲ ወቕቲ ንርእሱ ንዝመጽእ ወርሒ ቲኦክራቲካዊ ዕዮኻ ከተዕቢ ዝሕግዝ ኢዩ። እቶም ኣብ መዓልቲ ዘለዉ ተወሰኽቲ ሰዓታት ኣብ ግዜ ንግሆን ምሸትን ዝያዳ ምስክርነት ክትህብ ዝሕግዙ ኢዮም። ንየሆዋ ኣምላኽና ክንውድስ ዝከኣለና ክንገብር ኢና እንደሊ። ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ነቲ ዝተገብረልና ዘይግባኣና ሕያውነት ሞሳ እነርእየሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ።