ቃል ኣምላኽ መምርሒ ይህብ
1 “ኣብ ሓንቲ ኣዝዩ ብዙሕ ግድላትን ኣዝዩ ሒደት ዝዀነ መፍትሒታትን ዝርከባ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ብዙሓት ሚልዮናት ሰባት ዝበልዕዎ እኹል መግቢ የብሎምን። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ድማ ብወልፊ ሓሽሽ ይተሓዙ። ኣዝየን ብዙሓት ስድራቤታት ከኣ ይፈርሳ ኣለዋ። ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምን ናይ ስድራቤት ዓመጽን ኣብ ዜና ብቐጻሊ ኢዩ ዝስማዕ። እቲ እነስተንፍሶ ኣየርን እንሰትዮ ማይን ድማ ቀስ እናበለ ይብከል ኣሎ። እዚ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ከኣ: ብዙሓት ካባና ግዳይ ገበን ንኸውን።”
2 እታ መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: በዘን ኣብ ላዕሊ ዝረኣናየን ቃላት ኢያ እትጅምር። እቲ መእተዊኣ ካብቲ ሸውዓተ ዓመታት ይገብር እታ መጽሓፍ እተሓትመትሉ ግዜ ሎሚ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። ሰባት ቃል ኣምላኽ መመርሒ ዝህብን ንዅሉ እቲ ዘሳቕዮም ግድላት ድማ መፍትሒ ዘዳሉን ምዃኑ ክፈልጡ የድልዮም ኢዩ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንሰባት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክነበርክተሎም ክንጽዕር ኢና። ርግጽ ኢዩ: ንሓደ ሰብ ጽሑፍ ጥራይ ምግዳፍ ናይ ኣምላኽ መምርሒ ክቕበል ውሕስነት ዝህብ ኣይኰነን። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ዝብል ሸቶ ብምሓዝ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ኣሎና። ከምዚ ዝበለ ጻዕሪ እንተድኣ ገይርና ሓገዝ ከም እንረክብ ርግጽ ኢዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ቀጺሉ ርእይቶ እተዋህበሉ ኣቀራርባታት ኣሎ:-
3 ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ምስ ዘጋጥመካ: ነዚ ኣቀራርባ እዚ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ክሓተኩምዶ:- መንእሰይ ከሎኹም: ኣብዚ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ይረኣኣዩ ነይሮም፧ [መልሲ ተጸበ።] ሎሚ ኵነታት ኣጸቢቑ ተለዊጡ ኢዩ: ኣይኰነን ድዩ፧ ናይዚ ለውጢ እዚ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ምበልኩም፧ [መልሲ ተጸበ።] ብልክዕ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢት ፍጻሜ ኢና እንርኢ ዘሎና። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንዓለም ከምቲ ሎሚ ዘላቶ ገይሩ ኣብ ርእሲ ምግላጹ: ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ዝሓሸት ዓለም ክትህሉ ምዃና ይመባጻዕ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ነፍሲ ወከፍ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ እንተባብዕ ዘሎና። እዚ ዘንብበልኩም ዘሎኹ መጽሓፍ ቅዱስ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ኣጸሓሕፋኡ ክሳዕ ክንደይ ንጹር ምዃኑ ኣስተብሂልኩምዶ፧” ብዘመናዊ እንግሊዝኛ ምጽሓፉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ርዱእ ከም ዝገብሮ ግለጽ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣርእዮ: ክፍጸም ዝረኣናዮ ካልእ ትንቢት እትገልጽ ምዕራፍ 10 ጥቐስ። መጽሓፍ ቅዱስን እታ መጽሓፍን ኣበርክተሉ።
4 ናብ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስን እታ መጽሓፍን ኣበርኪትካሉ ዝነበርካ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ተመሊስካ ክትበጽሕ ከሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ክንዘራረብ ከሎና: ብብዙሕ መገድታት ዘመናዊ ሕብረተሰብ ምስቲ ሒደት ዓመታት ይገብር ዝነበረ ናብራ ክወዳደር ከሎ መሊሱ ከም ዝገደደ ተሰማሚዕና ነይርና ኢና። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ኣዝያ ዝሓሸት ዓለም ክትመጽእ ምዃና ተስፋ ከም ዝህብ ከርእየኩም ኢየ ተመሊሰ መጺአ ዘሎኹ። [ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] እዚ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ካልእ ነገራት ክንርኢ ከተባብዓና ኣለዎ።” ኣብ ምዕራፍ 14 ናይታ ቃል ኣምላኽ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገንጺልካ: ቍጽሪ 3-4 ኣንብብ። ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብረሉ ሕተቶ።
5 ምስ ሓደ መንእሰይ ሰብ ትዘራረብ እንተድኣ ኣሎኻ: ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ ምፈቶኹ:- መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን: ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ትጽቢት ክትገብር ምኽንያት ከም ዘሎካ ይስምዓካዶ፧ መጻኢ ከመይ ኰይኑ ኢዩ ዝርኣየካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ደስ ዘብል ግን: ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ትጽቢት ክትገብር ናይ ሓቂ ምኽንያት ኣሎካ። [መዝሙር 37:10, 11 ኣንብብ።] ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ትሕዝቶኡን እተፈላለየ ኣረአእያ ስለ ዘለዎም: ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ሓቲምና ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ እትህቦ ምኽንያታት ርአ። [ኣብ ገጽ 10-11 ቍጽሪ 16-17 ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ሓቂ ምዃኑ ሓንሳእ እንተድኣ ኣሚንና: ንመጻኢ ርግጽ ተስፋ ክህልወና ጀሚሩ ማለት ኢዩ። ነዛ መጽሓፍ ከተንብባ እንተድኣ ደሊኻ: ሓንቲ ቅዳሕ ክገድፈልካ ሕጕስ ኢየ።”
6 ንሓደ “ቃል ኣምላኽ ” እትበሃል መጽሓፍ እተቐበለ መንእሰይ ተመሊስካ ክትበጽሖ ከሎኻ: ከምዚ ብምባል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ መጻኢ ክሳዕ ክንደይ እትግደስ ምዃንካ ክሰምዕ ኣማሲወሉ ኢየ። ሕጕስን ድሕንነት ዘለዎን መጻኢ ዝመባጽዓልና ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእየካ ምንባረይ ትዝክሮ ኢኻ። ሕጂ ድማ ካልእ ከርእየካ። [ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።] እታ ዝገደፍኩልካ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሰብ ዘይኰነስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዘእምን መርትዖ ትህብ ኢያ። እቲ ኣብኣ ተገሊጹ ዘሎ መርትዖ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። እንታይ ምዃኖም ኣስተብህል። [ኣብ ገጽ 184-5 ቍጽሪ 1-2 ኣንብብ።] ፍቓደኛ እንተድኣ ኴንካ: ብናጻ ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ሕጕስ ኢየ።” ከጽንዕ ፍቓደኛ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ሰብ ሓደ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ እንተልይዎን እንተዘይብሉን ሕተቶ። ዘይብሉ እንተድኣ ኰይኑ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣበርክተሉ።
7 ወለዲ ነዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ይምልስሉ ይዀኑ:-
◼ “ቈልዑ ንኣምላኽ ፍቕርን ክብረትን ከርእዩ ምምሃሮም ቀሊል ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። እዝስ ሓቂዶ ኣይኰነን፧ [መልሲ ተጸበ።] ኵሎም ወለዲ ኣምላኽ ንዓና እንታይ ከም ዝገበረልናን ንዝመጽእ እንታይ ከም ዝገብረልናን ንሰናይ ዝገብሩ ብኸመይ ዓስቦም ከም ዝህቦምን ነቶም ዘይእዙዛት ድማ ብኸመይ ከም ዝቐጽዖምን ንመንእሰያቶም እንተ ዝምህርዎምስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሰናይ ምዀነ! ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እውን ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ኢዩ ዘሎ። [ሮሜ 15:4 ወይ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።] ንደቆም ወይ ንንኣሽቱ ኣዝማዶም ንምሕጋዝ ዝግደሱ ዓበይቲ ሰባት እትኸውን ሕጂ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ እተገርም መሳርሒት ክትርከብ ትኽእል ኢያ። አረ ዓበይቲ ሰባት እውን ከይተረፉ: ንትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ተሓጒሶምሉ ኢዮም!” ሒደት ኣርእስትታትን ስእልታትን ኣርእዮ: ድሕሪኡ ድማ ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ።
8 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እተዘራረብናሉ ግዜ ኣትሒዘ ንዓኻ ይኹን ንደቅኻ ነታ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት መጽሓፍ ከተንብቡዋን ክትዘራረቡላን ከሎኹም ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሐጐሰትኩም ክፈልጥ ተሃንጥየ ነይረ። [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ንርእሶም እውን ከይተረፈ ዘይፈልጥዎ ነገራት ከም ዝጸንሖም ተረዲኦም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብዛ ዛንታ 98 ንምምላሱ ኣመልኪቱ የሱስ ዝሃቦ ትንቢት ነንብብ። [ነቲ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሕጡብ-ጽሑፍ ተዘራረበሉ።] እዝስ ደስ ዘብልዶ ኣይኰነን፧ እቲ ምስዚ ዝተሓሓዝ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እግሪ ናይቲ ገጽ ኢዩ ዝርከብ። ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ክትፈልጥዶ ምደለኻ፧ [ንምዕራፍ ሓደ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ክትመያየጡላ ሓሳብ ኣቕርብ።]” ካልእ ኣማራጺ ድማ ዛንታ 114 ወይ 115 ጠቒስካ ምዝርራብ ኢዩ።
9 ንዓበይቲ ይኹኑ ንንኣሽቱ ንጥቕሚ ቃል ኣምላኽን ንህይወትና ዝህቦ መመርሕን ንኸማስውሉ ክንሕግዞም ከሎና የሆዋ ንጻዕርታትና ክባርኾ ኢዩ።—መዝ. 119:105