ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/94 ገጽ 1
  • ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ኣለዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ኣለዎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—ዋጋ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብቓል ኣምላኽ ተፈሳህ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 11/94 ገጽ 1

ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ኣለዎ

1 መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ናይ ሚልዮናት ኣጸቢቑ ጸልይዎ ኢዩ። እቲ ዝብሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዝያዳ ዝድርኽ ኢዩ። (እብ. 4:⁠12) ነቲ ገይሩልና ዘሎ ኣስተብህለሉ። ብሓቂ ቁም ነገሩ መዋዳድርቲ የብሉን።

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቶም ቀንዲ ተማሃሮን ተጣበቕትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም። ካብ ቲቪ ምርኣይ ይኹን ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ምዝንጋዕ ተሳትፎታት ቀዳምነት ብምሃብ: ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ናይ ስርዓታዊ ቲኦክራቲካዊ መደብና ገይርና ክንርእዮ ይግብኣና።

3 ስርዓታዊ ልማድ ግበሮ:- ህዝቢ የሆዋ ነቲ ስርዓታዊ ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ: ዘለዎ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዘማስዉሉ ኰይኖም ኢዮም። ንብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓቢ ምልክት: ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ፋብሪካ ህንጻታትና: ንሓላፍ መገዲ “መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ” ብምባል ክምሕጸን ጸኒሑ ኢዩ። ሓደስቲ ኣባላት ናይ ስድራ ቤትኤል: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመት ናይ ቤትኤል ኣገልግሎቶም: መጽሓፍ ቅዱስ ብምልእታ ከንብብዋ ይድለ። ዋላኳ ትሑዝ እንተኾንካ: ነቲ ኣብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ተሰሪዑ ዘሎ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ትከታተሎዶ ኣሎኻ?

4 እዚ ንምግባር ተሸጊርካ እንተኴንካ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከተተዓራርዮ ዘይትፍትን? ነዛ ወርሒ እዚኣ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና መዝሙር 95–109 ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ገጽ ምንባብ ይሓትት። ገሊኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምናልባት ንግሆ ወይ ከኣ ቅድሚ ምድቃሶም ሒደት ከንብቡ ይመርጹ። ብዝኾነ መገዲ ግበርዎ: እቲ ኣገዳስስ ስርዓታዊ ኴንካ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ: ዝርከብ ጥዑይ ጥቕምታት ምዕጻድ ኢዩ።

5 ብዙሓት ሰባት ገና ንመጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ ኢዮም: ካብኡ ከነንብበሎም ከሎናውን ክሰምዑና ፍቓደኛታት ኢዩም። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ነታ ንመንእሰያትን ወለድን ዝጓነፎም ሽግር: በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጥበብ: ተግባራዊ ኣወዓዕላ እትህብ ንእስነትካ​—⁠ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመላ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኢና እንዕድል። እዚ ኸኣ ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት: ጥቕሚ ናይ ቃል ኣምላኽ ንኸተርእዮም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። እዚ ክትገብር ከሎኻ ውዕዉዕ ተገዳስነት ይሃሉኻ።

6 ካብቲ ብሉጽ ኣርእስትታት ናይ መጽሓፍ ንእስነትካ: ዘተሓሳስብ ነጥብታት ብምድላው: እቶም ሰባት ንኽትህልዎም ከም ዝለዓዓሉ ግበር። ነቲ ተግባራዊ ጥቕማ ኣጕልሓዮ። ንሓንቲ ካብተን ኣርእስትታት ናይ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” ንኣብነት ከም ኣብ ትሕቲ “መርዓ” ንኣርእስቲ መ “ሓላፍነት ክርስትያን ወለዲ ኣብ ደቆም” እትብል ወሲድካ ንኸም 2 ቈረንቶስ 12:⁠14፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8፣ ኤፌሶን 6:⁠4፣ ምሳሌ 22:⁠6, 15 ከምኡውን ምሳሌ 23:⁠13, 14 ዝበሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃም ምስታ መጽሓፍ ኣተሓሕዞ።

7 እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። እንተ ኣንቢብናዮ: እንተ ኣሚንናዮ: ነቲ ምኽሩውን ኣብ ህይወትና እንተ ኣውዒልናዮ: ዓቢ ጥቕምታት ክንረኽበሉ ኢና። መምርሕን ተስፋን ምእንቲ ክህበና ኢዩ ተጻሒፉ። (ሮሜ 15:⁠4) መዓልቲ–መዓልቲ ክንውከሶ ኣድላዪ ኢዩ: ንኻልኦት ንምምሃር ክትጥቀመሉውን ተዳሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ