ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ኣለዎ
1 መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ናይ ሚልዮናት ኣጸቢቑ ጸልይዎ ኢዩ። እቲ ዝብሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዝያዳ ዝድርኽ ኢዩ። (እብ. 4:12) ነቲ ገይሩልና ዘሎ ኣስተብህለሉ። ብሓቂ ቁም ነገሩ መዋዳድርቲ የብሉን።
2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቶም ቀንዲ ተማሃሮን ተጣበቕትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም። ካብ ቲቪ ምርኣይ ይኹን ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ምዝንጋዕ ተሳትፎታት ቀዳምነት ብምሃብ: ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ናይ ስርዓታዊ ቲኦክራቲካዊ መደብና ገይርና ክንርእዮ ይግብኣና።
3 ስርዓታዊ ልማድ ግበሮ:- ህዝቢ የሆዋ ነቲ ስርዓታዊ ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ: ዘለዎ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዘማስዉሉ ኰይኖም ኢዮም። ንብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓቢ ምልክት: ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ፋብሪካ ህንጻታትና: ንሓላፍ መገዲ “መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ” ብምባል ክምሕጸን ጸኒሑ ኢዩ። ሓደስቲ ኣባላት ናይ ስድራ ቤትኤል: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመት ናይ ቤትኤል ኣገልግሎቶም: መጽሓፍ ቅዱስ ብምልእታ ከንብብዋ ይድለ። ዋላኳ ትሑዝ እንተኾንካ: ነቲ ኣብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ ተሰሪዑ ዘሎ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ትከታተሎዶ ኣሎኻ?
4 እዚ ንምግባር ተሸጊርካ እንተኴንካ ኣብ ወርሒ ሕዳር ከተተዓራርዮ ዘይትፍትን? ነዛ ወርሒ እዚኣ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና መዝሙር 95–109 ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ገጽ ምንባብ ይሓትት። ገሊኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምናልባት ንግሆ ወይ ከኣ ቅድሚ ምድቃሶም ሒደት ከንብቡ ይመርጹ። ብዝኾነ መገዲ ግበርዎ: እቲ ኣገዳስስ ስርዓታዊ ኴንካ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ: ዝርከብ ጥዑይ ጥቕምታት ምዕጻድ ኢዩ።
5 ብዙሓት ሰባት ገና ንመጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ ኢዮም: ካብኡ ከነንብበሎም ከሎናውን ክሰምዑና ፍቓደኛታት ኢዩም። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ነታ ንመንእሰያትን ወለድን ዝጓነፎም ሽግር: በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ጥበብ: ተግባራዊ ኣወዓዕላ እትህብ ንእስነትካ—ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመላ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኢና እንዕድል። እዚ ኸኣ ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት: ጥቕሚ ናይ ቃል ኣምላኽ ንኸተርእዮም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። እዚ ክትገብር ከሎኻ ውዕዉዕ ተገዳስነት ይሃሉኻ።
6 ካብቲ ብሉጽ ኣርእስትታት ናይ መጽሓፍ ንእስነትካ: ዘተሓሳስብ ነጥብታት ብምድላው: እቶም ሰባት ንኽትህልዎም ከም ዝለዓዓሉ ግበር። ነቲ ተግባራዊ ጥቕማ ኣጕልሓዮ። ንሓንቲ ካብተን ኣርእስትታት ናይ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” ንኣብነት ከም ኣብ ትሕቲ “መርዓ” ንኣርእስቲ መ “ሓላፍነት ክርስትያን ወለዲ ኣብ ደቆም” እትብል ወሲድካ ንኸም 2 ቈረንቶስ 12:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8፣ ኤፌሶን 6:4፣ ምሳሌ 22:6, 15 ከምኡውን ምሳሌ 23:13, 14 ዝበሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃም ምስታ መጽሓፍ ኣተሓሕዞ።
7 እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። እንተ ኣንቢብናዮ: እንተ ኣሚንናዮ: ነቲ ምኽሩውን ኣብ ህይወትና እንተ ኣውዒልናዮ: ዓቢ ጥቕምታት ክንረኽበሉ ኢና። መምርሕን ተስፋን ምእንቲ ክህበና ኢዩ ተጻሒፉ። (ሮሜ 15:4) መዓልቲ–መዓልቲ ክንውከሶ ኣድላዪ ኢዩ: ንኻልኦት ንምምሃር ክትጥቀመሉውን ተዳሎ።