ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ሕዳር
7 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4
10 ደቒቕ:-ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝተመርጸ ምልክታታትን። ካብ ነፍሲ ወከፍ እዋናዊ መጽሔት: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንጥቀመሎም እንኽእል: ሓደ ወይ ክልተ መዛረቢ ነጥብታት ጥቐስ።
18 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ኣለዎ።” ብሕቶን መልስን። ከምኡውን ኣድላይነት ናይ ስርዓታዊ ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ዝገልጽ ሓሳባት: ካብ መቅድም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ–መዓልቲ ምምርማር—1994 ሓውሰሉ።
17 ደቒቕ:- “መጽሓፍ ቅዱስ—ኣብዛ ሽግር ዘለዋ ዓለም ምንጪ ናይ ምጽንናዕን ተስፋን።” ምስ ተሳተፍቲ ተዘራረበሎም። ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ዘርኢ ክልተ ተዋስኦታት ኣዳሉ።
መዝሙር 24ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።
14 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ናይ ዝኾነ ወፈያ ኣፍልጦን ኣንብብ። ንናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታት ተገይሩ ዘሎ ምድላው ድገም።
17 ደቒቕ:- “እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኹም እተርእዩ?” ዝርርብ። ካብ ናይ 15 ሰነ 1977 ሕታም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ: ካብታ ቀዳመይቲ ኣርእስቲ ቁጽሪ 4, 5 ሓሳባት ወስኸሉ።
18 ደቒቕ:- “ናይ መንግስቲ ስብከትና እነማሓይሸሉ መገድታት።” ብሕቶን መልስን። ሰማዕቲ ነቲ ኣብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝተረኽበ ጽቡቕ ፍረ ንኸርእዩ: ተመኵሮታት ክነግሩ ዓድሞም።
መዝሙር 37ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
21 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 40
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝወሃብ። ኣብ ከባቢኻ ነቲ ነገር ብኸመይ ክትግበር ከም ዝኽእል ኣርኢ።
20 ደቒቕ:- “ኣብቲ ስርዓት ኣምላኽ: ናይ ክርስቶስ ግደ ኣፍልጦ ምሃብ።” ብመሰረት ምዕራፍ 3 ናይታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተማሓደርና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምስ ናይ ድግማ ሕቶታት ሓዊስካ ዝወሃብ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- “‘ከም ብሓድሽ ክሰምዑ’ ሓግዞም።” ምስ ተሳተፍቲ ተዘራረበሉ። ጽንዓት ክትጅምር ከሎኻ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይርካ ከም እትጥቀመሉ ዘርኢ ከልተ ብጽቡቕ እተዳለዉ ተዋስኦታት ኣቕርብ።
መዝሙር 52ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
28 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 58
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ቲኦክራቲካዊ ዜና።
17 ደቒቕ:- “ምስ ካልኦት ብምዕያይ ዝርከብ በረኸታት።” ብሕቶን መልስን። ኣብ ክንዲ ኵሉ ግዜ ናይ ብሕቶም መደብ ብምግባር ብገዛእ ርእሶም ዝኸዱ: ነቲ እታ ጉባኤ መዲባቶ ዘላ ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ኣኼባታት ንኽድግፍዎ ኣተባብዕ። ምስቲ ጉጅለ ምዕያይ ተወሳኺ በረኸታት: ዝያዳ ስሉጥ ኣገልግሎት: ናይ ሓድሕድ ምትብባዕን የምጽኣልካ።
18 ደቒቕ:- ነታ ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ወይ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ኣብዚ ወርሒ እዚ ንሰባት ኣላልዮም። ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣወንታዊ ኹን። ነዛ እዋናዊት ዝኾነት መዝገብ ሃብቲ ንኸተላልያ ውዕዉዕ ተገዳስነት ይሃሉኻ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ የሆዋ ኣብታ ናይ መጨረሽታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜናን ንመጻእን ዝኸውን ኣገዳሲ ነገራት ስለ ዝገለጸ ኢዩ። ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ኢና ዘለና። (ራእ. 1:10) ኣብ መእተዊኻ ነዘን መዓልትታትና ዝኸውን ኣገዳሲ ትንቢት ከተርእዮም ከም እትደሊ ክትጠቕሰሎምውን ትኽእል ኢኻ: ካብኡ ኸኣ ንኸም ራእይ 12:7–10, 12 ወይ ከኣ ራእይ 6:2, 4, 5, 8 ዝበሉ ጥቕስታት ትግንጽለሎም። ርግጽ ኢዩ ገለ ኣስፋሕቲ ንኸም ራእይ 21:3–5 ዝበሉ ጥቕስታት ክጥቀሙ ዝያዳ ደስ ይብሎም ይኸውን። እቶም ኣብ ራእይ 1:3 ዘለዉ ቃላትውን ኣብ ዝኾነ ኣቀራርባ ክኣትዉ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓሚቍን ኣገዳስን ትንቢታት ከም ራእይ ፍጻሜኡ እትበሃል መጽሓፍ ገይሩ ከጕልሖ ዝኽእል ካልእ ጽሑፍ ከም ዘየሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንገለ ገለ ነጥብታት ክገልጽን ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ንኸነላልያ ንኵሉ ከተባብዕ ዝኽእልን ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ተዋስኦ ከም ዘቕርብ ግበር።
መዝሙር 61ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።