ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/94 ገጽ 1
  • ጠቢቕካ ዝሰዓብ ኣርኣያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጠቢቕካ ዝሰዓብ ኣርኣያ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ምምሃር ክእለትካ ኣማዕብል
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ‘ኣስኣሰሩ ስዓብ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • “መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • “ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 12/94 ገጽ 1

ጠቢቕካ ዝሰዓብ ኣርኣያ

1 የሱስ: ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምዃኑ ዘየተሓታትት ኢዩ ነይሩ። ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ፍጹም ዝኾነ ኣብነት ሰርዓሎም። ምስቲ ብቕዓት ናይ ፍጽምናኡ እኳ ክንመዓራረ ዘይንኽእል እንተኾንና: ‘[ጠቢቕና ትሓዓ ] ኣስኣሰሩ ክንስዕብ’ ተነጊሩና ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:​21) ነታ ሓቂ ብቕንኢ ንኻልኦት እናኣካፈልናያ: ብዝከኣለና መጠን ንየሱስ ክንመስል ክንደሊ ይግብኣና።

2 የሱስ ካብ ሰባኺ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ: ንሱ ዝበለጸ መምህር ኢዩ ነይሩ። “እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴ. 7:​28) ንሱ ኣዝዩ ስሉጥ ዝነበረስ ስለምንታይ ኢዩ? እስኪ ነቲ ‘ኣማሃህራኡ’ ጥብቕ ኢልና ንርኣዮ።

3 ንየሱስ ብኸመይ ክንክተሎ ከም እንኽእል:- የሱስ ብኣቦኡ ኢዩ ተማሂሩ ነይሩ። (ዮሃ. 8:​28) ድራኼኡ ንየሆዋ ከኽብርን ስሙ ክውድስን ኢዩ ነይሩ። (ዮሃ. 17:​4, 26) ኣብ ስብከትናን ኣማሃህራናን ድራኼናን ንየሆዋ ከነኽብር ድኣምበር: ናብ ገዛእ ርእስና ኣቓልቦ ክንስሕብ ኣይግብኣናን።

4 ኵሉ እቲ የሱስ ዝምህሮ ዝነበረ: ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጻሒፉ ዝነበረ ኢዩ ብቐጻሊ ዝጠቅስ ዝነበረ። (ማቴ. 4:​4, 7፣ 19:​4፣ 22:​31) ንሰማዕትና ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሖም ኢና እንደሊ: በዚ ድማ እቲ እንሰብኮን እንምህሮን ኣብቲ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን እተሞርኮሰ ምዃኑ ክርእዩ ኣጋጣሚ ንህቦም።

5 የሱስ ሓጺር: ግብራውን ዘይተሓላለኸን ኣገላልጻ ኢዩ ዝጥቀም ነይሩ። ንኣብነት: ናይ ኣምላኽ ምሕረት ከመይ ገይርና ከም እንረክብ ክገልጽ ከሎ: ንገዛእ ርእስና ንኻልኦት መሓርቲ ክንከውን ኣተባቢዑና ኢዩ። (ማቴ. 6:​14, 15) ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብቐሊልን ተግባራዊ ብዝኾነ ኣገላልጻን ገይርና ከነቕርቦ ክንፍትን ይግብኣና።

6 የሱስ ንኣተሓሳስባ ናይ ካልኦት ከበራብር ምሳሌታትን ሕቶታትን ብኽእለት ይጥቀም ነበረ። (ማቴ. 13:​34, 35፣ 22:​20–22) ብዛዕባ ልሙድን መዓልታዊ ነገራትን ዝገልጹ ምሳሌታት: ንሰባት ዝተሓላለኹ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ–እምነታት ንኽርድእዎም ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። ሰማዕትና ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ዘለዉ ክሓስቡ ዘተባብዖም ሕቶታት ክንሓቶም ይግብኣና። ሕቶታት ናብ ቅኑዕ ዝኾኑ መደምደምታታት ክበጽሑ ክሕግዝዎም ይኽእሉ ኢዮም።

7 የሱስ: ነቶም ዝያዳ ሓበሬታ ደልዮም ዝሓቱ ዝነበሩ: ከበድቲ ነገራት ክገልጸሎም ግዜ ይወስድ ነበረ። እቶም ብሓቂ ዝግደሱ ዝነበሩ: ከም ደቀ መዛሙርቱ: ዝኣመሰሉ ንትርጕም ናይቲ የሱስ ዝምህሮ ዝነበረ ክርድእዎ ኪኢሎም ኢዮም። (ማቴ. 13:​36) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ሕቶታት ብቕንዕና ምስ ዝሕተቱ ሓገዝቲ ክንከውን ይግብኣና። ነቲ መልስታት ዘይንፈልጦ እንተድኣ ኰይንና: ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መጽናዕቲ ገይርና ነቲ ሓበሬታ ሒዝና ካልእ ግዜ ክንምለስ ንኽእል ኢና።

8 የሱስ: ንኽምህር ተግባራዊ ዝኾነ ኣብነት ተጠቕመ። ሓደ ኣብነት ናይዚ: ጎይታኦም እኳ እንተ ነበረ: እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ምሕጻቡ ኢዩ። (ዮሃ. 13:​2–16) ትሑት መንፈስ ምስ እነርኢ: እቶም እተማህሩ ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ክለዓዓሉ ኢዮም።

9 የሱስ ንናይ ሰባት ኣልባብን ነቲ ንጽድቂ ዘለዎም ፍቕርን ተንኪፍዎ ኢዩ። ንሕናውን ከምኡ ኣልባብ ክንበጽሕ ኢና እንደሊ። ነቲ ንዝለዓለ ክቡር ኣካል ምምላኽ ከምኡውን ምስ ካልኦት ብሰላምን ሓጐስን ምንባር ዝብል ባህርያዊ ባህጊ ወድሰብ ክንትንክፍ ኢና እንፍትን።

10 ኣብ ወርሒ ታሕሳስ: ነታ ራእይ​—⁠እቲ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! [እንግሊዝኛ] ወይ ድማ ዝሰማማዕ ምስ ዝኸውን ነታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ብምብርካት: ነቲ ብዛዕባ የሱስ እተማሃርናዮ ነገራት ንኻልኦት ከነካፍሎ ንኽእል ኢና። ነቲ ናይ የሱስ ናይ ኣማሃህራ ኣገባባት ምንጽብራቕና: እቶም ቅኑዓት ነቲ ንሱ ዝማሃሮ ክንገልጽ ከሎና ክሰምዑ ከለዓዕሎም ይኽእል ይኸውን።​—⁠ማቴ. 10:​40

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ