“ከም ብሓድሽ” ክሰምዑ ሓግዞም
1 “እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና።” (ግብ. 17:32) እዚ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎሰ ዝገበሮ ፍሉጥ ዝርርብ እተዋህቦ መልሲ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ሎሚውን ገለ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጀመርታ ምብጻሕና ዘካፈልናዮም ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ዝያዳ ክሰምዑ ፍቓደኛታት ኢዮም።
2 መብዛሕትኡ ትምህርትና: ነቲ ተገዳስነት ክንኩስኵስ ኢልና ምስ ተመለስና ኢዩ ዝፍጸም። ጽቡቕ ምድላው ኣብ ምምላስና ኣወንታዊ ፍረ ንኽንረክብ ክሕግዘና ኢዩ። ገጽ 51 ናይታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትምሕጸን:- “መጀመርታ ነቲ ነገር ዝድግፍ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ። ምኽንያት ናይቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳባት ክትርዳእ ፈትን። እቲ ሓሳባት ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቃላት ገይርካ ከተቕርቦ ትኽእል እንተ ኴንካ ርአ። ናይቲ ጥቕሳዊ መርትዖታት ጽቡቕ ምርዳእ ሓዝ። ነቲ ጥቕስታት በሳልጦ ክትጥቀመሉ ተዳሎ።”
3 ናብ ሕቶታት ዘለዎ ብዓልቤት እንተደኣ ተመሊስካ: ሸቶኻ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ክትረክብን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምርን ምዃኑ ኣስተውዕል። ሕቶታት ክትምልስ ከሎኻ ዝርርብ ኣይትሃብ። ነቲ ጥቕስታት ክዛረብ ብምሕዳግን ነቲ ቀንዲ ነጥብታት ብሕቶታት ገይርካ ብምጕላሕን ምስቲ በዓልቤት ተረዳዳእ። ጥቕስታት: ካብቲ ንዕዮና ጽቡቕ መሳርሒት ዝኾነት “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ” ወይ ከኣ ምምርማር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ብዙሓት ሰብ–ቤት: ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት እተመስረተ ሓጺር መልሲ የሐጕሶም: ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ነዊሕ ክትዘራረበሉ ኣየድልን ኢዩ። ኣብ ሓደ ምብጻሕ ከኣ ብዙሕ ሕቶታት ኣይትመልስ። እቲ ዝበለጸ ኸኣ ንሕቶ ብሓገዝ ናይ ሓደ ንዕኡ ዝበቅዕ ጽሑፍ ገይርካ ምምላስ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ምብጻሕ ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትልውጦ።
4 ነታ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት” እትበሃል ትራክት ንዝገደፍካሉ ምብጻሕ እንተደኣ ኾይኑ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ከትፍትን ትኽእል:-
◼ “ኵልና በቲ መጻኢ ግዜ ሒዙልና ዘሎ ነገር ንግደስ ኢና። ነዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ኵነታት ብምዕዛብ: እንታይ ክኸውን ኢዩ ኢልኩም ትሓስቡ? [መልሲ ተጸበ] እንታይ ከም ዝኸውን ሰብ ክግምት ጥራይ ኢዩ ዝኽእል: ኣምላኽ ግና እንታይ ከም ዝፍጸም ብልክዕ ይፈልጥ ኢዩ። [ኢሳይያስ 46:10 ኣንብብ] መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን: በረኸታት ናይ ገነታዊት ሓዳስ ምድሪ ከነስተማቕር ምዃንና ከም ዝንበ ክትፈልጥ ይገርመካ ይኸውን። [ኣብ ገጽ 4 ሳልሳይ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብብ] ብዛዕባ እዚ ዘደንቕ መብጽዓ እዚ ዝያዳ ክነግረካ ኣፍቅደለይ።”
5 ነቲ ናይ “ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ዝገበርካዮ ምብርካት ትከታተል እንተሊኻ ከኣ: እዚ ርእይቶ እዚ ይዓየልካ ይኸውን:-
◼ “ቅድሚ ቀረባ ግዜ: ቅዳሕ ናይዛ መጽሓፍ ቅዱስ ገዲፈልካ ነይረ: ብዝበለጸ ንኽትጥቀመላ ኸኣ ተመሊሰ ክሕግዘካ ምዃነይ ቃል ኣትየ ነይረ። ገለ ገለ ግዜ: ምስ ሰባት ዕርክነታዊ ዝኾነ ዝምድና ብኸመይ ከም እንገብር ይጨንቀና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ምኽሪ ይህብ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነቲ እትደልዮ ንኽትረኽቦ የቃልለልካ ኢዩ። [ኣብ ገጽ 1595 ገንጽል እሞ ኣብ ትሕቲ “ፍቕሪ” እትብል ኣርእስቲ ርአ። ንኸም 1 ቈረንቶስ 13:4፣ ቈሎሴ 3:14፣ ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 4:8 ዝበሉ ጥቕስታት ኣስተውዕለሎም። ኣሕጽር ኣቢልካ ነዚ ስርዓታት እዚ ምትግባር ከመይ ኢሉ ሰናይ ፍረ ከም ዘፍሪ ግለጸሉ።] እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ንሽግራትና ተግባራዊ ዝኾነ መፍትሒ ከም ዝህብ ዝገልጽ ሓደ ኣብነት ኢዩ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ: ሓጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንኽህልወና መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዘና ካልእ መገዲ ከርእየኩም ደስ ይብለኒ።”
6 ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዝበልጽ ንኻልኦት ከነመሓላልፎ እንኽእል ሃብቲ የለን። ከምዚ ዝበለ ፍልጠት: ፍርሓት የሆዋ ይምህር: ንሰባት ብመገዱ ንኽመላላሱ የተባብዕ: እዚ ኸኣ ናይ ዘለኣለም በረኸታት የምጽእ።—ምሳ. 2:20, 21