መጽሓፍ ቅዱስ—ኣብዛ ሽግር ዘለዋ ዓለም ምንጪ ናይ ምጽንናዕን ተስፋን
1 እዛ ዓለም እዚኣ ንወድሰብ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ኣእቲያ ምጽንናዕን ተስፋን ከም ዘድልዮ ገይራቶ ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ: ምንጪ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ። ተስፋ ናይ ሓንቲ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ይህብ። (ሮሜ 15:4፣ 2 ጴጥ. 3:13) መጽሓፍ ኢንሳይት ጥራዝ 1 ገጽ 311 ከምዚ ትብል:- “ብዘይ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣይምፈለጥናዮን: ካብቲ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ዝርከብ ዘደንቕ ጥቕምታት ኣይምፈለጥናዮን: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊት መንግስቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክንረክብ ክንገብሮ ዝድለ ነገራት ኣይምተረዳእናዮን።”
2 ዋላ’ኳ መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ንጥቀም እንተኾንና: ሰባት ነቲ ካብ ዓለም ዝመጾም ጸቕጥታት ክዋጽእሉ ንምሕጋዝ: ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ኢና። ነቶም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ውልቀሰባት: ቁም ነገር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኸማስዉሉ ንምሕጋዝ እንታይ ክንብል ንኽእል?
3 ንገዛእ ርእስኻ ድሕሪ ምልላይካ ነዚ ዝመሳሰል ክትብል ትኽእል:-
◼ “ ናይ ኣእምሮ ሰላምና ክምንጥሉና ብዝደልዩ ሽግራት ተኸቢብና ከም ዘሎና ብርግጽ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ነዚ ሽግራት እዚ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ዘርእየና ተግባራዊ ምኽሪ ኣበይ ክንረክብ ንኽእል? [መልሲ ተጸበ] ኣነ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንሕጐስ ከም እንኽእል ስለ ዝምህረና ዘጸናንዕ ኮይኑ ረኺበዮ ኣሎኹ። [ሉቃስ 11:28 ኣንብብ] ዕላማ ናይ ዕዮና ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብብዎን ካብቲ መምርሒኡ ኸኣ ንኽጥቀሙን ምትብባዕ ኢዩ።”
4 ከምዚ ዝበለ ቀሊል ኣቀራርባ ክትጥቀም ትመርጽ ትኸውን:-
◼ “ተገዳስነትና ንቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓበየ ኣኽብሮት ንኽውሃቦ ምትብባዕ ኢዩ። ቅዳሕ ናይዛ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምንዎ እትኽእልሉ ምኽንያት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ትራክት ክገድፈልኩም ደስ ምበለኒ። ርግጸኛ ዝኾነ ተስፋ ናይ ዝበለጸት ምድሪ ንኽንረክብ ስለምንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥምት ከም እንኽእል ትገልጽ ኢያ። [ኣብ ገጽ 6 ገንጺልካ ንመዝሙር 37:29 ምስቲ ናይ መጨረሽታ ሕጡብ ጽሑፍ ገይርካ ኣንብቦ] ነዛ ትራክት እዚኣ ባዕልኹም ኣንብብዋ እሞ: ተመሊሰ ክበጽሓኩም ምስ መጻእኩ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ተስፋ ዘሎኩም ሓሳብ ትነግሩኒ።”
5 ገለ ኣስፋሕቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከምዚ ዝበለ ቀጥታዊ ዝኾነ ኣቀራርባ ክጥቀሙ ይደልዩ ይኾኑ:-
◼ “ ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረልኩም ኢየ መጺአ። መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን እቲ መምርሒኡ ኸኣ ነገራት ንምቕናዕ ዝሕግዘናን ኢዩ። ኣሕጽር ኣቢለ ከመይ ኢልኩም ክትጥቀሙሉ ከም እትኽእሉ ከርእየኩም ኣፍቅዱለይ። [“መንግስቲ ኣምላኽ ንወዲ ሰብ እትገብረሉ ነገራት” እትብል ካብ ኣርእስቲ 33ለ ተጠቐሙ። (ገጽ 23 ካብ ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ) ብመሰረት እቲ እተራእየ ተገዳስነት: ሓደ ወይ ክልተ ካብቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ርኣዩ እሞ: እቲ ኣብኡ ዘሎ ነጥቢ ተዘራረብሉ። ኣምላኽ በታ መንግስቱ ገይሩ ንኽፍጽሞ አሚምዎ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ምምልካት ብኸመይ ከም ዝገልጸልና ኣረድእ።] ተመሊሰ እዚ ናይ መንግስቲ ተስፋ እዚ ብዝገፍሐ ክንዘራረበሉ ደስ ምበለኒ።”
6 ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክመርሓና ዝኽእል ሓቂ: ምንጩ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። (ዮሃ. 17:3, 17) ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ምክፋል ነቲ ‘ኹሉ ሰብ ኪድሕን ዚፈቱ’ የሆዋ የሐጕሶ ኢዩ።—1 ጢሞ. 2:4