ምስ ካልኦት ብምዕያይ ዝርከብ በረኸታት
1 ኣብቲ ኣገልግሎት ምስ ካልኦት ብምዕያይ ዝርከብ በረኸታት ከም ዘሎስ ይስምዓካዶ? የሱስ ይስምዖ ነይሩ ኢዩ። ዋላኳ እቲ እኽሊ ብዙሕ: ዓየይቲ ከኣ ሒደት እንተ ነበሩ: 70 ደቀ መዛሙርቲ “በብኽልተ” ገይሩ ለኣኾም። ኣብ “ንሱ ዝኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ” ኸይዶም ምስባኾምሲ ከመይ ዝበለ በረኸት ዘለዎ እዋን ኢዩ ነይሩ!—ሉቃ. 10:1, 17፣ ማቴ. 9:37
2 ምስ ካልኦት ምዕያይ የነቓቕሕ ኢዩ። ገሌና ሓፋራትን ንዘይንፈልጦም ሰባት ከነዘራርብ ዝኸብደናን ኢና። ኣብ ጎንና ካልእ ሰብ ምስ ዝህሉ ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ንኽንዛረብ ምብርታዕ ክኾነና ይኽእል ኢዩ። ሰብ ምሳና ምስ ዝህሉ እቲ ዕዮ በቲ እተለማመድናዮ መገዲ ገይርና ንኽንፍጽሞ ይቐለልና። (ምሳ. 27:17) እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።”—መክ. 4:9
3 ምስ ዝተፈላለዩ ኣስፋሕትን ፓይነራትን ክትዓዪ ጽቡቕ ኢዩ። ናይ ሃዋርያ ጰውሎስ ናይ ኣገልግሎት ብጾቱ: ባርናባስ: ሲላስ: ጢሞቴዎሰ ከምኡውን ዮሃንስ ማርቆስ ነይሮም፣ ብሓደ ክሰብኩ ከለዉ ኸኣ ብብዙሕ በረኸታት ባህ ይብሎም ነበረ። ሎሚውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስ ሓደ ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ዓይኻዶ ትፈልጥ? ኣብቲ ምስክርነት ክህብ ከሎ ዘለዎ ክእለት ምስ ተዓዘብካ: ንኸተምሓይሽ ዝሓገዙኻ ገለ ሓሳባት ረኺብካ ኣሎኻ። ንሓደስቲ ኣስፋሕቲኸ ኣሰኒኻ ትፈልጥዶ? ገለ ካብቲ እተለማመድካዮ ኣካፊልካዮም ኣሎኻ ማለት ኢዩ: በዚ ኸምዚ ከኣ ኣብቲ ኣገልግሎቶም ዝያዳ መስለጥቲ ንኽኾኑን ዝያዳ ሓጐስ ንኽረኽቡን ሓጊዝዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
4 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕዶ ኣሎኻ? ከምኡ እንተደኣ ኾይኑ ንሓደ ካብቶም ሽማግለታት ወይ ከኣ ንናይ ወረዳ ተዓዛቢ ከሰንዩኻ ዘይትዕድሞም? እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስና: ምስቶም ተዓዘብቲ ክላለዩ ጠቓሚ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ሓደ ሽማግለ ጽንዓት ክትመርሕ ዘሰክፈካ እንተ ደኣ ኾይኑ: ንሱ ኽመርሓ ንስኻ ኸኣ ክትዕዘብ ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብድሕሪኡ እቲ ተማሃራይ ቅልጡፍ ምዕባለ ምእንቲ ከርኢ ከመይ ገይርካ ክትሕግዞ ከም እትኽእል ሓሳባት ክህበካ ንኽትሓቶ ነጻነት ይሰማዕካ።
5 ምስ ካልኦት ክትዓዪ ከሎኻ ዘተባብዕ ብጻይ ኩን። ብዛዕባ እቲ ዞባ ኣብ እትህቦ ሓሳብ ኣወንታዊ ኹን። ንኻልኦት ኣይትሕመ ወይ ከኣ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ስርዓት ኣይተጕረምርም። ኣእምሮኻ ኣብቲ ኣገልግሎትን ኣብቲ ናይ የሆዋ በረኸታትን ኣተኵሮ። ከምኡ እንተደኣ ጌርካ ንስኻን እቲ ብጻይካን ብመንፈስ ተሓዲስኩም ገዛኹም ክትምለሱ ኢኹም።
6 ኵነታትካ ምስ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ስርዓታዊ ኴንካ ንኸተገልግል ኣሸጋሪ ይገብሮ ይኸውን። ይኹን እምበር እንተ ኽኢልካ: ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ እትዓየሉ ግዜ ዘይትምድብ? ክልቴኹም ክትባረኹ ኢኹም!—ሮሜ 1:11, 12