ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ሓደገኛ ዝኾነ ዞባ: ክንዓዪ ኸሎና እንታይ ጥንቃቐ የድሊ?
1 ብሕልፊ ካብ ከተማ ወጻኢ: እናወሰኸ ዝኸይድ ጸብጻብ ናይ ዓመጻን ስርቅን ናዕብን ንሰምዕ ኢና። የሸግረና እኳ እንተ ኾነ: ኣብቲ ናዕቢ ዘለዎ ከባቢታትውን ከይተረፈ ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ምላሽ ዝህቡ ቅኑዓት ሰባት ከም ዝርከቡ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ኣብቲ ግቡእ ግዜ የሆዋ ክሕልወና ምዃኑ ብምትእምማን ተቢዕና ንቕድሚት ንቐጽል።—ምሳ. 29:25፣ 1 ተሰ. 2:2
2 ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ከባቢ ክንከይድ ከሎና: የሆዋ ጥንቁቓትን ብጽቡቕ እነመዛዝንን ክንከውን ኢዩ ዝደልየና። ትኩር ኩን። “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።” (ምሳ. 22:3) ተመኵሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣድላዪ እንተ ደኣ ኮይኑ: በብጽምዲ ኣብ ምዕያይ ዘሎ ጥበብ የማስዉሉ ኢዮም። መክብብ 4:9, 12 ከምዚ ይብል:- “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። . . . ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ: ክልተ እዮም ዚቃወምዎ።”
3 ጸልማት ኮረደዮ ወይ ከኣ ጽምዋ መደያይቦታት ዘለዎ ህንጻታት ኣብ ምእታው ዝያዳ ጥንቃቐ ግበር። ኣብ ሓደ ቤት ወይ ህንጻ ክትኣቱ ዕድመ ክትቅበል ከሎኻ ተጠንቀቕ። ምስቶም ዘፋራርሑን ዝከራኸሩን ዝመስሉ ኣይትማጐት። ኣኽረርቲ ሃይማኖተኛታት ክተረክብ ከሎኻ እንተ ዘይኮይኑ: ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝኾንካ ንምንጋር ኣይትደንጒ። ገለ ኣስፋሕቲ ምእንቲ ኽልለዩ ኵሉ ግዜ ኣብ ኢዶም መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! መጽሔት ይሕዙ።
4 ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘዘው ዝብሉ ኣስተውዕለሎም። ክቡር ስልማት ኣይትሰለም። ምሸት ክትወጽእ እንተ ኾይንካ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ከባቢታት ኣይትኺድ። ኣደዳ ስርቂ እንተ ደኣ ኾይንካ: እሞ ኸኣ ገንዘብካ ጥራይ ዝደልዩ እንተ ኾይኖም ኣይትቃለሶም: ካብቲ ዘሎካ ዝኾነ ይኹን ንብረት ህይወትካ ትበልጽ።—ማር. 8:36
5 ገለ ግዜ እቲ ሓደጋ ካብቶም ነቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድና ዘይፈትውዎ ሃማኖተኛታት ኣኽረርቲ ኢዩ ዝመጽእ። ኣብ ክርክር ክንኣቱ ኣይንደልን ኢና። (2 ጢሞ. 2:24) ብቐሊሉ ናብ ናዕቢ ክመርሕ ዝኽእል ኩነታት ብጥበብ ኢና እነወግዶ። (ምሳ. 17:14) ንኣብነት ኣብ ገለ ከባቢታት ብጉጅለ ምምስካር ጥበባዊ ኣይኮነን። (ማቴ. 10:16) ንኣሽቱ ኣስፋሕቲ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ክዓዩ ኣለዎም። ነቲ መሪሕነት ዝወሰዱ ኣሕዋት ትኩራት ብምዃን: ኵነታት ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ክከታተልዎ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ካልኦት ኣብ ጥቓኻ ክህልዉ ጽቡቕ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ዓይነት ናይ ዓመጻን ምዕግርጋርን ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝለዓል: እቶም ጉጅለ ነቲ ዞባ ብቕልጡፍ ክሓድግዎ ይግባእ።
6 ትኩራትን ጥንቁቓትን ምስ እንኸውን ነቶም ኣብ ሓደገኛ ከባቢ ዘለዉ ‘ብዛዕባ እቲ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ: ዚጕህዩን ዚትክዙን’ ክንረኽቦም ክንክእል ኢና።—ህዝ. 9:4