ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/98 ገጽ 3-7
  • ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣስለጥቲ ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣስለጥቲ ኩኑ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ካብ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 11/98 ገጽ 3-7

ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣስለጥቲ ኩኑ

1 ሰማይ ይጽልምት: እቲ ዘፍርህ ሃሚ እዝንኻ ብዘደንቁር ዓው ዝበለ ድምጺ እናወሰኸ ይኸይድ። ትኪ ዝመስል ደበና ይወርድ። እዚ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ንኸባድማ ዝመጽእ ዘሎ ብሚልዮናት ዝቝጸር ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ኢዩ! እዚ ብነብዪ ዮኤል እተገልጸ ትርኢት: ሎሚ ኣብቲ ብቕቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽን በቶም መተሓባብርቶም ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራን ዝግበር ዘሎ ዕዮ ስብከት ይፍጸም ኣሎ።

2 እታ ናይ 1 ግንቦት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 11 ቍጽሪ 19 ከምዚ ዝብል ሓሳባት ትህብ:- “ናይ ኣምላኽ ዘመናዊ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ኣብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ‘ኸተማ’ ጽዑቕ ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ። (ዮኤል 2:⁠9) . . . ነቲ ናይ የሆዋ መልእኽቲ ክእውጁ ኸለዉ: ገና ንዅሉ ዕንቅፋት ይሰግሩ: ኣብ ናይ ሚልዮናት ሰባት ኣባይቲ ይኣትዉ: ንሰባት ኣብ መገዲ ይነግርዎም: ብቴሌፎን የዘራርብዎም: ከምኡውን ብእተኻእለ መጠን ንሰባት ይረኽብዎም ኣለዉ።” ኣብዚ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዕዮ እዚ ምክፋልሲ ዓቢ መሰልዶ ኸይኰነ፧

3 ንሕና ከምቶም ዕላምኦም ንርእሶም ምምጋብ ጥራይ ዝዀነ ኣንበጣ ዘይኰነስ: ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን ብዛዕባ ህይወት ናይቶም እንሰብከሎም ሰባት ኣጸቢቕና ንግደስ ኢና። ካልኦት ነቲ ቃል ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ ክቡር ሓቂ ንኽማሃሩዎ ከምኡውን ናብ ዘለኣለማዊ ድሕነት ዝመርሖም ስጕምቲ ክወስዱ ድራኸ ንኽሓድሮም ክንሕግዞም ንደሊ ኢና። (ዮሃ. 17:⁠3፣ 1 ጢሞ. 4:⁠16) ስለዚ ኸኣ: እቲ ኣገልግሎትና እንፍጽመሉ መገዲ ኣስላጢ ክኸውን ንደልዮ ኢና። እቲ እንጥቀመሉ ናይ ስብከት ሜላ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ዝበለጸ ውጽኢት ብዘምጽእ ኣገባብን ግዜን ንፍጽሞ ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንሓስበሉ ኣሎና። ‘ኵነታት እዛ ዓለም እዚኣ ይቀያየር’ ስለ ዘሎ: ነቲ ኣስለጥቲ ንኸይንኸውን ዝዓናቕፈና ብድሆ ብእተኻእለ መጠን ንጋጠሞ ምህላውና ንምርግጋጽ ነቲ እንጥቀመሉ ሜላን ኣቀራርባን ምስ እንምርምሮ ሰናይ ንገብር።​—⁠1 ቈረ. 7:⁠31 NW

4 ንሰባት ብብዙሕ መገድታት ገይርና ክንረኽቦም ንጽዕር እኳ እንተዀንና: እቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ግን ገና ዓንዲ ሕቖ ኣገልግሎትና ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ዘለዉ ሰባት ክትበጽሖም ከሎኻ ኣብ ገዝኦም ዘይርከቡ ወይ ደቂሶም ድዮም ዝጸንሑ፧ ምስ እትስእኖም ነቲ ብስራት መልእኽቲ ከተካፍሎም ዘይምኽኣልካ ክንደይ ተስፋ ዘቝርጽ ኰን ኢዩ! ነዚ ብድሆ እዚ ብኸመይ ኢኻ ክትጋጠሞ እትኽእል፧

5 ተዓጻጻፍን ምኽንያታውን ኩን:- እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ብለይቲ ዓሳ ይገፉ ነበሩ። ለይቲ ምግፋፍ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ለይቲ ምግፋፍ ንዓታቶም ጥዑም እኳ እንተ ዘይነበረ: ብዙሕ ዓሳ ንምግፋፍ ግን ዝበለጸን ውጽኢታውን ግዜ ኢዩ ነይሩ። እታ ናይ 15 ሰነ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዚ ተግባር እዚ ሓሳብ ክትህብ ከላ “ንሕናውን ከምኡ ንዞባና ኣጽኒዕና ኣብቲ መብዝሕትኦም ሰባት ኣብ ገዝኦም ጸኒሖም ክቕበሉና ዝኽእሉሉ ጊዜ ንግፈፍ” ብምባል ትገልጽ። ኣብ ሓያሎ ከባቢ ከተማ ዘሎ ማሕበረሰብን መንበሪ ከባቢታትን ዝነብሩ ሰባት ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣንጊህና ምስ እንበጽሖም ኣብ ገዝኦም ክርከቡ ከም ዝኽእሉ: እንተዀነ ኣብቲ ግዜ እቲ ብሓፈሻ ክንበጽሖም ከም ዘይደልዩ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ልምዲ እተገብረ ደቂቕ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኵነታት ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ምብጻሕ እትገብረሉ ሰዓታት ርፍድ ምስ በለ ወይ ድሕሪ ቐትሪ ክትገብሮዶ ምኸኣልካ፧ ከምዚ ምግባር ንስልጡነት ኣገልግሎትና እነዛይደሉ ከምኡውን ንብጾትና እቲ መግለጺ ሓቀኛ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ዝዀነ ሓልዮት እነርእየሉ ሰናይ መገዲ ኢዩ።​—⁠ማቴ. 7:⁠12

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ 4:⁠5 “ለውሃትኩም [“ምኽንያታውነትኩም:” NW ] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ብምባል የዘኻኽረና። ምስዚ መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒ ብምስምማዕ: ነቲ ናይ ስብከት ዕዮና ብቕንእን ብምዉቕ ስምዒትን እናፈጸምና ኣብ ሜላና ሚዛናውያንን ምኽንያታውያንን ክንከውን የድልየና። ‘ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ካብ ምምሃር ከነብኵር’ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎትና ምኽንያታውን ውጽኢታውን ኣብ ዝዀነ ግዜያት ክፍጽሞ ኢና እንደሊ። (ግብ. 20:⁠20) ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ዝገበርዎ: ኣብቲ ንዓና ኣዝዩ ዝጥዕመና ግዜያት ዘይኰነስ ኣብቲ ውጽኢታውያን ክንኰነሉ እንኽእል ግዜያት ‘ንምግፋፍ’ ኢና ክንግደስ ዘሎና።

7 ከመይ ዝበለ ምትዕርራይ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧ መብዛሕትኡ ግዜ: ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ሰዓት 8:30 ወይ 9:00 ኢዩ ዝካየድ: እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ድማ እታ ጕጅለ ናብቲ ዞባ ብምኻድ ቀልጢፋ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ትጅምር። ይኹን እምበር: ገሊኦም ኣካል ሽማግለታት: እታ ጕጅለ ኣብቲ ናይ መንበሪ ቦታታት ካብ ቤት ናብ ቤት ቅድሚ ምጅማራ ከም ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት: ናይ ንግዲ ዞባ: ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ዝኣመሰለ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት ንኽትካፈል ምድላው ገይሮም ኢዮም። ካልኦት ጉባኤታት ከኣ ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣጸቢቑ ምስ ረፈደ ኢየን ዝገብርኦ። ድሕርዚ: እታ ጕጅለ ትኽ ኢላ ናብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ እትገብረሉ ዞባ ትኸይድ: ክሳዕ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብቲ ኣገልግሎት ትጸንሕ። ኣብ ገሊኡ ዞባታት: ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ክንዲ ንግሆ ድሕሪ ቐትሪ ምግባሩ ዝበለጸ ግዜ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ምግባር ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ዝያዳ ውጽኢት ንኽርከብ ጽቡቕ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

8 መስተውዓልትን ጥበበኛታትን ኩኑ:- ንሰባት ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ክንረኽቦም ከሎና: ነቲ መልእኽትና ብዝምልከት ዘጋጥመና መልሲ እተፈላለየ ኢዩ። ገለ ሰብ ቤት ተቐበልቲ: ካልኦት ድማ ሸለል በሃልቲ ኢዮም። ሒደት ከኣ ተኸራኸርቲ ወይ ቍጡዓት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምስ ዘጋጥሙና: ኣብታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ ) ኣብ ገጽ 7 “ምስቶም ንሓቂ ዋላ ሓንቲ ክብሪ ዘየርእዩ ሰባት ‘ክርክር ገጢምና ክንዕወት’ ” ክንደሊ ከም ዘይብልና መዘኻኸሪ ተዋሂቡና ኢዩ። እቲ በዓል ቤት ቍጡዕ እንተድኣ ዀይኑ: ገዲፍናዮ ክንከይድ ዝበለጸ ኢዩ። ሰባት ምሳና ክዘራረቡ ወይ ንኣመለኻኽታና ክቕበልዎ ጸቕጢ ብምግባር ከነቘጥዖም የብልናን። መልእኽትና ንኽቕበልዎ እውን ኣይነገድዶምን ኢና። ከምኡ ምግባር ምኽንያታዊ ዘይምዃን ኢዩ: ብሓፈሻ ኸኣ ንኻልኦት መሰኻኽርን ነቲ ዕዮን ዕንቅፋት ክፈጥር ይኽእል ኢዩ።

9 ኣብ ሓደ ዞባ ምዕያይ ቅድሚ ምጅማርና: እቶም ኣይትምጽኡና ዝበሉና ነበርቲ ዘለዉዎ ኣድራሻ ኣበይ ምዃኑ ንምፍላጥ ነቲ ኣብቲ ናይ ዞባ ካርድ እተገብረ ምልክት ምዕዛቡ ጥበብ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣድራሻ ኣሎ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ኣብቲ ዞባ ዝዓዪ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ እተን ክብጽሓ ዘይብለን ኣባይቲ ኣየኖት ምዃነን ክሕበር ኣለዎ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ እዘን ኣባይቲ እዚኣተን ክብጽሓ መምርሒ ከይሃበ ዋላ ሓደ ሰብ ብኢደ ወነኑ ክበጽሐን የብሉን።​—⁠ናይ ሰነ 1994 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕቶ ሳጹን ርአ።

10 ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከሎና መስተውዓልቲ ብምዃን ንስልጡነትና ክብ ከነብሎ ንኽእል ኢና። ናብ ሓንቲ ገዛ ምስ ቀረብኩም ተዓዘብቲ ኩኑ። እቲ መሳዅቲ ተዓጽዩ ወይ ከኣ እቲ መጋረጃ ናይቲ መስትያት ገና ተዘርጊሑ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ ውሽጢ ዝስማዕ ድምጺ የለንዶ ኢዩ፧ እዚ እቶም ሰብ ቤት ገና ደቂሶም ከም ዘለዉ ክሕብር ይኽእል ኢዩ። ተመሊስና እንተድኣ በጺሕና: ምስቲ በዓል ቤት ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነ ምይይጥ ክንገብር ንኽእል ኢና። ምናልባት ቍጽሪ ገዛ መዝጊብካ ንሒደት ደቓይቕ ነዛ ገዛ እዚኣ ምሕላፋ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብቲ ዞባ ቅድሚ ምውጻእካ ቍጽሪ ናይታ ገዛ እንደገና ከተረጋግጽ ወይ ኣብ ካልእ ሰዓት ተመሊስካ ንኽትበጽሓ መዘኻኸሪ ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

11 ገና ግን ከይሓሰብናዮ ንሓደ ሰብ ካብ ድቃሱ ምስ እነተስኦ ወይ ምስ እንርብሾ ሕማቕ ኵነታት ክለዓል: እቲ በዓል ቤት ከኣ ክቝጣዕ ወይ ክሓርቕ ይኽእል ኢዩ። እንታይ ዓይነት ምላሽ ኢና ግን ከነርኢ ዘሎና፧ ምሳሌ 17:⁠27 “ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ” ብምባል ትመክር። ምስክርነት ብምሃብና ይቕረታ ዘይንሓትት እኳ እንተዀንና: ኣብ ዘይምቹእ ግዜ ስለ ዝበጻሕናዮ ግን ኣዚና ከም ዝሓዘንና ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ተመሊስና ንኽንበጽሖ ብዝያዳ ዝጥዕሞ ካልእ ግዜ መዓስ ምዃኑ ብትሕትና ክንሓቶ ንኽእል ኢና። ካብ ልቢ ከም እንሓሊ ዘርኢ ልኡም ኣዘራርባ መብዛሕትኡ ግዜ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ የህድኦ ኢዩ። (ምሳ. 15:⁠1) እቲ በዓል ቤት ስርሑ ለይቲ ምዃኑ እንተድኣ ሓቢሩና: ኣብ መጻኢ ምሹእ ኣብ ዝዀነ ግዜ ምእንቲ ክብጻሕ ኣብቲ ናይ ዞባ ካርድ መዘኻኸሪ ክንጽሕፍ ንኽእል ኢና።

12 ንዞባና ምሉእ ብምሉእ ንምዕያይ ክንጽዕር ከሎና እውን መስተውዓልቲ ምዃን የድሊ። ብዙሓት ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ክንበጽሖም ከሎና ኣብ ገዝኦም ስለ ዘይርከቡ: ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ምእንቲ ከነካፍሎም ንኽንረኽቦም ተወሳኺ ጻዕሪ ክንገብር ከድልየና ኢዩ። (ሮሜ 10:⁠13) ሓድሓደ ግዜ ኣስፋሕቲ ንሰባት ኣብ ገዝኦም ንምርካብ ንሓንቲ ገዛ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ይበጽሑዋ ኢዮም። እቶም ጐረባብቲ ኸኣ ነዚ ከየስተብሃልሉ ኣይተርፉን ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዛውትና ‘ኵሉ ግዜ ኢዮም ዝመላለሱ’ ዝብል ሕማቕ ስምዒት ከልዕል ይኽእል ኢዩ። ነዚ ግን ብኸመይ ኢና ከነርሕቖ እንኽእል፧

13 ምስትውዓል ተጠቐሙ። ነቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኽቡ ሰባት እንደገና ክትበጽሑዎም ከሎኹም: ኣብቲ ገዛ ሰብ ከም ዘሎ ዝሕብር ገለ ምልክት ኣሎ ድዩ፧ እቲ በዓል ቤት ከም ምሸት ኣብ ዝኣመሰለ እተፈላለየ እዋናት ተጠቒምካ ሒደት ፈተነታት ብምግባር ክርከብ እንተድኣ ዘይተኻኢሉ: ተሌፎን ገይርካ ምርካቡ ዝከኣል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብተሌፎን እንተድኣ ዘይተረኺቡ ድማ ብፍላይ እቲ ዞባ ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ብተደጋጋሚ እንተድኣ ተሸፊኑ: ኣብ ማዕጽኡ ትራክት ወይ ናይ ዕድመ ወረቐት ብጥንቃቐ ክግደፍ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ እቲ ዞባ ክዕየ ከሎ እቲ በዓል ቤት ክብጻሕ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

14 እቲ በዓል ቤት ክኸፍተልና ኸሎ ሓሚሙ ከም ዘሎ ምስ እንርኢ ወይ ንሕማቕ ኵነታት ኣየር ምስ ዝቃላዕ: ኣብቲ ኣፍ ደገ ኴንና ዘረባ ከነንውሕ የብልናን። እተዉ ምስ ዝብለኩም: ነቲ ምድሪ ቤት ከይተርስሕዎ ተጠንቀቑ። ብዙሓት ተኻረይቲ ኣብ ዘለውሉ ኣባይቲ ከተገልግሉ ከሎኹም: ቀስ ኢልኩም ተዛረቡ: ነቶም ተኻረይቲ ክርብሽ ዝኽእልን ምህላውኩም ዝሕብርን ድምጺ ኣይተስምዑ።

15 ስርዓትን ክብርን ይሃልኹም:- ጽቡቕ ኣመዳድባ ምግባር: ኣብቲ ዞባ ዓይኒ ሰብ ዝስሕብ ብዝሒ ዘለዎ ጕጅለታት ከይንኸውን ይሕግዘና ኢዩ። ገለ ሰብ ቤት ብዙሓት ማካይን ወይ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ዘለውዎ ጕጅለ ኣብ ከባቢ ገዝኦም ምስ ዝመጹ ክፈርሁ ይኽእሉ ኢዮም። መንበሪ ቦታታት “ዝወሩ” ሰባት ከም ዝዀንና ገይሮም ክሓስቡና ኣይንደልን ኢና። እቲ ዝዕየ ዞባ ኣብቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ክምደብ ዝበለጸ ኢዩ። ብስድራቤት ዝቘመት ሒደት ኣስፋሕቲ ዘለዋ ጕጅለ ነቶም ሰብ ቤት ብዙሕ ከየፍርሆም ይኽእል ኢዩ: እቲ ዞባ ክዕየ ኸሎ ድማ እንደገና ምምድዳብ ዘድሊ ኣይኰነን።

16 ወለዲ ኣብ ሓደ ዞባ ከገልግሉ ኸለዉ እቶም ደቆም ስርዓት ንኽገብሩ ብጥንቃቐ ክዕዘቡዎም ኣድላዪ ኢዩ። ቈልዑ ምስ ዓበይቲ ሓቢሮም ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ኸለዉ: ኣዝዮም እሩማት ክዀኑ ኣለዎም። እቶም ነበርቲ ወይ ሓለፍቲ መገዲ ኣቓልቦኦም ናባኹም ምእንቲ ከይገብሩ: እቶም ቈልዑ ክጻወቱ ወይ ከም ድላዮም ክዕንድሩ ክፍቀደሎም የብሉን።

17 ሻሂ ክንሰቲ ኢልና ኣብ እንገብሮ ዕረፍቲ እውን ሚዛናውያን ምዃን ኣድላዪ ኢዩ። እታ ናይ ሰነ 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 3 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣብ ግራት ኣገልግሎት እንከሎና: ንኸነዕርፍ ክቡር ግዜ ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: እቲ ኵነታት ኣየር ሕማቕ ምስ ዝኸውን: ዕረፍቲ ከሐድሰናን ክንቅጽል ክሕግዘናን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ግና: ንሰባት ክምስክሩ ትሑዛት ብምዃን ኣብቲ ንኣገልግሎት እተመደበ ግዜ ንዕረፍቲ ምስ ኣሕዋት ከይሓብሩ ኢዮም ዝመርጹ።”

18 ብዙሓት ኣስፋሕቲ: ሰባት ክርከብሉ ኣብ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ​—⁠ኣብ መገዲ: ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ቦታ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት​—⁠ናብ ሰባት ብምቕራብ ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም ኢዮም። ንሕናውን ብቓልና ጥራይ ዘይኰነስ ምኽንያታውያን ብምዃንና ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ንደሊ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ካብቲ ናይ ጉባኤኦም ዞባ ክሓልፉ የብሎምን: ከምኡውን ነቶም ብናይ ንግዲ ከባቢታት ዝሓልፉ ሰባት ወይ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታ ዘለዉ ሰራሕተኛታት መገዲ ምእንቲ ከይዓግትዎም ኣብ ሓደ ጐደና: መገዲ ወይ መናፈሲ ቦታ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣሕዋት ክዓዩ ከም ዘለዎም ኣብ ምውሳን ምስትውዓል የድልዮም። ኣብ መገዲ ከነገልግል ከሎና: ኣብ ኣእምሮና ውጽኢታውያን ምዃን ዝብል ሸቶ ሒዝና ኣበርቲዕና ብምዕያይ: ኣብቲ ኣገልግሎት ከነተኵር ንደሊ ኢና። ብብሕታዊ ዕላላት ክንዋሓጥ ኣይንደልን ኢና። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ: ከነዘራርቦም እንኽእል እኹላት ሰባት ስለ ዘለዉ: ብስራት ከይተዛረብና ብዙሕ ደቓይቕ ከነሕልፍ ኣይንደልን ኢና። እቲ ናይ ካልእ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ደገፍ ክግበረሎም ገለ ፍሉይ ምድላው እንተ ዘይገይሩ: ንኣገልግሎትና ብስርዓትን ክብሪ ብዝመልኦ ኣገባብን ንምፍጻም ኣብቲ ንጉባኤና እተመደበላ ዞባ ጥራይ ነገልግል።​—⁠ምስ 2 ቈረንቶስ 10:⁠13-15 ኣረኣእዮ።

19 ህዝባዊ ምስክርነት ክዋሃበሉ ዝከኣል ሰፊሕ ቦታታት ዘለወን ገለ ጉባኤታት ነቲ ቦታ ናብ ዞባታት ከፋፊለንኦ ኢየን። ድሕርዚ ንሓደ ኣስፋሒ ወይ ጕጅለ ናይ ዞባ ካርድ ይወሃቦ። እዚ ድማ: ዞባታት ኣስላጢ ብዝዀነ መገድን ብቐሊሉን ንኽሽፈን ይሕግዝ: ምስቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:⁠40 ዘሎ ‘ኵሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን’ ዝብል ስርዓት ብምስምማዕ ድማ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ብሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ንኸየገልግሉ የኽእሎም።

20 ኣካላዊ ትርኢትና ኵሉ ግዜ ክብረት ዝህብን ስም የሆዋ ዝጸርና ኣገልገልቲ ምዃንና ዝውክልን ክኸውን ኣለዎ። እቲ እንጥቀመሉ መሳርሒታት እውን ከምኡ ክኸውን ኣለዎ። ዝኣረገ ቦርሳን ገጻቱ እተዓጻጸፈ ረሳሕ መጽሓፍ ቅዱስን ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዘሕስር ኢዩ። ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን: ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሕብረተሰብ መንነትካን እንታይነትካን ከምኡውን ነገራት ኣብ ምምሕዳር እንታይ ዓይነት ብቕዓት ከም ዘሎካ ሓበሬታ ዝህብ ምዃኑ ሓሳብ ተዋሂቡ ኢዩ። ስለዚ: ኣካላዊ ትርኢትና ኵሉ ግዜ ‘ንወንጌል ዝበቅዕ’ ድኣ እምበር: ወጀሃላይ ወይ ጠገለ ዘይብሉ ወይ ኣቓልቦ ዝስሕብ ወይ ቅጥዒ ዘይብሉ ክኸውን የብሉን።​—⁠ፊል. 1:⁠27፣ ምስ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9, 10 ኣረኣእዮ።

21 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:⁠26 “ኣነ እጐዪ አሎኹ: ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን: እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን” ብምባል ይገልጽ። ንሕናውን ንጳውሎስ ብምምሳል: ውጽኢታውን ፍረ ዘለዎን ኣገልግሎት ክንዓዪ ወሲንና ኢና። ሎሚ ከም ክፍሊ ናይ የሆዋ “ናይ ኣንበጣ ሰራዊት” ኴንና ኣብቲ ናይ ምምስካር ዕዮ ብቕንኢ ክንካፈል ከሎና: ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ንዅሎም እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ኣብ ምብጻሕ ክርስትያናዊ ምኽንያታውነትን ምስትውዓልን እንጥቀም ይግበረና።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

(ናብ ገጽ 5 3ይ ዓምዲ ይቕጽል)

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

. . . ኣስለጥቲ ኩኑ (ካብ ገጽ 4 ዝቐጸለ )

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ