ኣብ ኣገልግሎት ጠቢብ ኩን
1. ኣብ ኣገልግሎት ጠቢባን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
1 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ልክዕ ‘ከም ኣብ ማእከል ተዃሉ ዘለዉ ኣባጊዕ’ ብምዃን፡ “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ” ይሰብኩ ኣለዉ። (ማቴ. 10:16፣ ፊል. 2:15) ብዛዕባ ዕግርግር፡ እምባጋሮ፡ ከምኡውን ጭከና ዘለዎ ጭውያ ዚገልጽ ዜሰምብድ ጸብጻብ ክትሰምዕ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እኩያት ሰባት ‘እናገደዱ’ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ይሕብር። (2 ጢሞ. 3:13) ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ኢና፡ ኣብ ኣገልግሎት “ጠቢባን” ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል፧—ማቴ. 10:16።
2. እንታይ ኵነታት ምስ ዚፍጠር እዩ ኻብ ሓደ ኽሊ ርሒቕካ ኣብ ካልእ ቦታ ምስባኽ ጥበባዊ ዚኸውን፧
2 ኣስተውዕል፡- ምሳሌ 22:3 ካብ እከይ ‘ክንሕባእ’ ጥበባዊ ምዃኑ ተጕልሕ። ስለዚ፡ ወትሩ ንቑሓት ንኹን! ኣብቲ እንሰብከሉ ኽሊ ዘሎ ዅነታት ደሓን ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሃንደበት ኪቕየር ይኽእል እዩ። ኣብ ጐደናታት ብዙሓት ፖሊስ ኪንቀሳቐሱ ወይ ጭፍራ ሰባት ኪእከቡ ኸለዉ ትርኢ ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ ሕያዋይ ብዓል ቤት ንኽትጥንቀቕ ይሕብረካ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንምፍላጥ ብምህንጣይ ኣብ ክንዲ እትደናጐ፡ ካብቲ ቦታ ርሒቕካ ኣብ ካልእ ቦታ ምግልጋል ጥበባዊ እዩ።—ምሳ. 17:14፣ ዮሃ. 8:59፣ 1 ተሰ. 4:11።
3. እቲ ኣብ መክብብ 4:9 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ኣገልግሎትና ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧
3 ሓቢርካ ዕየ፦ መክብብ 4:9, 10፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ትብል። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት በይንኻ ተገልግል እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣብዚ እዋን እዚኸ በይንኻ ምግልጋል ጸገም ኣይፈጥረልካንዶ፧ ኣብ ገሊኡ ኸባቢ ደሓን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ግና፡ ብፍላይ ምስ መሰየ፡ ሓንቲ ሓብቲ ወይ ሓደ መንእሰይ ንበይኖም ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ኼገልግሉ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ሓደ ትኩር ዝዀነ መገላግልቲ ሓቢርካ ምዕያይ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ብተመክሮ ተራእዩ እዩ። (መክ. 4:10, 12) ብጕጅለ ዄንኩም ከተገልግሉ ኸለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተሓላለዉ። ካብቲ ኽሊ ኽትወጽእ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ቅድሚ ምኻድካ ንመገላግልትኻ ሓብሮም።
4. ንዅሎም ኣባላት ጉባኤና ኻብ ሓደጋ ንምዕቛብ እንታይ ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል፧
4 ሽማግለታት ‘ምእንቲ ነፍሳትና ነቒሖም ስለ ዚሕልዉ፡’ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው ግብራዊ መምርሒ ይህቡ እዮም። (እብ. 13:17) ከም ክርስትያናት መጠን ትሑታት ኴንና ምስ ሽማግለታት ምስ እንተሓባበር፡ በረኸት የሆዋ ኸም እንረክብ እተረጋገጸ እዩ። (ሚክ. 6:8፣ 1 ቈረ. 10:12) ስለዚ፡ ኵልና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ክልና ንጡፍ ምስክርነት ብምሃብ እጃምና ነበርክት፡ ግናኸ ወትሩ ጠቢባን ንኹን።