ቲኦክራቲካዊ ዜና
ኣልባንያ:- ኣብ ሓምለ 353 ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ናይ ኣስፋሕቲ: ከምኡውን ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ምዕዳል መጽሔት ተበጺሑ ነይሩ። ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ብገምጋም 22.4 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣሕሊፎም: 1,073 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሪሖም።
ካሜሩን:- ኣብ ሓምለ ምስቲ 21,323 ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ናይ ኣስፋሕቲ ዝጋጠም ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተኸፊቱ።
ግሪንላንድ:- ኣብ ሓምለ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ዝሃቡ ኣስፋሕቲ 134 በጺሖም። እዚ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ኢዩ ነይሩ።
ዛየር:- ዝቐዝፍ ኵነታት ናይቶም ብኣማእታት ኣሽሓት ናብ ዛየር ዝኣትዉ ስደተኛታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ኣብ ሓምለ 83,442 ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ናይ ኣስፋሕቲ ተበጺሑ። እቶም ኣሕዋት ኣብ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ኣዝዩ ዝነኣድ ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም: ነቲ ብደገ ዝግበር ናይ ረዲአት ስርሓት ድማ ኣዝዩ ከም እተመስገነ ገሊጾም።