ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/94 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ታሕሳስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ታሕሳስ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 5 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 12 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 19 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 26 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 12/94 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ታሕሳስ

5 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 68

12 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝሰማምዑ ምልክታታትን። ነቲ ሓድሽ መጽሔታት ክብርከት ከሎ ክቐርብ ዝኽእል ሓደ ወይ ክልተ ዓንቀጻት ጥቐስ። ሓደ ክኢላ ኣስፋሒ ብሓደ ካብተን ዓንቀጻት ተጠቒሙ ኣቀራርባ ከም ዘርኢ ግበር።

15 ደቒቕ:- “ጠቢቕካ ዝሰዓብ ኣርኣያ” ሕቶን መልስን።

18 ደቒቕ:- “ነቲ ናይ ክርስቶስ ትንቢታት ከቕልብሉ ዓድሞም።” ምስ ተኣከብቲ ተመያየጠሎም። ክልተ ሓጸርቲ ተዋስኦታት ኣዳሉ። ኣድላይነት ቅኑዕ ናይ ቤተ–ቤት መዝገብ ምሓዝ ጽቐጠሉ፣ ኣሕጽር ኣቢልካ እንታይ ሓበሬታ ክምዝገብ ከም ዘለዎ ድገም።

መዝሙር 153 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

12 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 86

13 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ቲኦክራቲካዊ ዜናን። ዝኾነ ናይ ወፈያ ኣፍልጦ ዝሕውስ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ንዓለማዊ ናይ በዓል ሰላምታ ብኸመይ ከም እትምልሸሉ ገለ ሓሳባት ሃብ።​—⁠ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ታሕሳስ 1990 ገጽ 8 ርአ።

14 ደቒቕ:- “ኣብ ኣማሃህራካ ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ግበር።” በቲ ናይቲ ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ብፍላይ በታ ጉባኤ ዝድለ መዘኻኸሪ ብምምልካት ነቲ “ናይ 1995 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ መምርሒ” ዝድግፍ መምርሒታት ድገም።

14 ደቒቕ:- “ኣብ ኣማሃህራካ ዘየቋርጽ ኣቓልቦ ግበር።” በቲ ናይቲ ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝወሃብ ዝርርብ። ብፍላይ በታ ጉባኤ ዝድለ መዘኻኸሪ ብምምልካት ነቲ “ናይ 1995 ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ መምርሒ” ዝድግፍ መምርሒታት ድገም።

18 ደቒቕ:- “ንቤት ኣምላኽ ሞሳ ኣርኢ።” ሕቶን መልስን። ብዛዕባ ንኣኼባታት ግዜ ምኽባር ኣድላይነቱ ብዝምልከት ተወሳኺ ሓሳብ ሃብ።​—⁠ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ 1990 ገጽ 26-9 [እንግሊዝኛ] ርአ።

መዝሙር 99 መዕጸዊ ጸሎትን።

19 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 78

10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ግራት ኣገልግሎት ውሽጣዊ ምትዕርራያት ድገም። ኣብ ናይ ከባቢ ዞባ እዋናውያን መጽሔታት ዝቐርበሉ መገድታት ሓሳብ ሃብ።

20 ደቒቕ:- “ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ።” እታው። ካብ ቍጽሪ 1-8 ብሕቶን መልስን ብሽማግለ ዝወሃብ። ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ኣብ ግብሪ ኣዋዓዕላኦም ተመያየጥ።

15 ደቒቕ:- “ስዓብቱ ኪኾኑ ኣተባብዕዎም።” ምስ ተኣከብቲ ተመያየጠሎም። ክልተ ሓጸርቲ ተዋስኦታት ግበር። ኵሎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ገለ ናይ ግራት ኣገልግሎት ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ክጥቀምሉ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 22 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

26 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 74

 5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ዝመጽእ ዘሎ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዝርዝር ኣዘኻኽር።

20 ደቒቕ:- “ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ።” እታው። ካብ ቍጽሪ 9-13 ብሕቶን መልስን ብሽማግለ ዝወሃብ። ምጽናዕ እታ መጽሓፍ ኣገዳስነቱ ኣጕልሕ። ነቲ ኣብዚ ናይ መወዳእታ መዓልታት ንመምርሒና ኣገዳሲ ዝኾነ መንፈሳዊ መምርሒታት ሞሳ ኣርኢ።

20 ደቒቕ:- ካብ ናይ 1994 ዓመት መጽሓፍ መተባብዒ ኣውጽእ። ካብ ገጽ 80 (ሕጡብ ጽሑፍ 3) ክሳዕ 82 (ላዕሊ): 83 (ሕጡብ ጽሑፍ 3) ክሳዕ 85 (ላዓሊ): 85 (ሕጡብ ጽሑፍ 3) ክሳዕ 87: 96-97: 100-101 ከምኡውን 115 ብተመስጦ ኣቕርብ። ኢሳ. 54:​17ን ዓመት ጥቕስን ተመልከት እሞ ኵሎም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ኣተባብዓዮም። እቶም እንግሊዝኛ ዘንብቡ ናቶም ቅዳሕ ናይ ዓመት መጽሓፍ ክእዝዙ ኣዘኻኽር።

መዝሙር 94 ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ