ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/94 ገጽ 3-4
  • ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቓል ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል እምነት ይሃሉኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተራእየ ራእያት ጋህዲ ዀነ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 12/94 ገጽ 3-4

ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ

1 “ኣዝዩ ዝጸንዔ ቃል ትንቢት ከኣ አሎና።” (2 ጴጥ. 1:​19) ጴጥሮስ ነዚ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ? እቶም ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋትን ኣብ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እተርኣዩን ናይታ መንግስቲ ትንቢታት: በቲ ጴጥሮስን ካልኦት ክልተ ደቀ መዛሙርትን ገለ 32 ዓመታት ኣቐዲሞም ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ናይ ምልዋጥ ትርኢት ተረጋጊጾም ወይ ድማ ‘ኣዝዮም ጸኒዖም’ ኢዮም። እዚ ድራማዊ ራእይ እዚ የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ብዘንጸባርቕ ክብርን ምሉእ ደገፍ ናይ ኣቦኡን ኣብ ስልጣን መንግስቱ ከም ዝመጽእ ኣረጋጊጹሎም ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ከም ዜብርህ መብራህቲ ገይሮም ናብቲ ቃል ትንቢት ብምስትብሃል ጽቡቕ ይገብሩ’ ነበሩ: እንተዘይከውን ነይሩ ልቦም ምጸልመተ ነይሩ። ናብቲ ዘብርህ ትንቢታዊ ቃል ምቕላብ: ክሳዕ እቲ ‘ኰኾብ ጽባሕ’ ክርስቶስ ኣብ ክብሪ መንግስቱ ዝትንስኣሉ ምቕራብ ናይ ሓድሽ መዓልቲ: ከም ዝጥንቀቑን ዝነቕሑን ክገብሮም ይኽእል ነበረ።​—⁠2 ጴጥ. 1:​16-19፣ ማቴ. 17:​1-9

2 ነቲ ክቡር ናይ ምልዋጥ ትርኢት ክንርኢ ምስ ጴጥሮስ ኣይነበርናን። ይኹን እምበር እቶም ነቲ ትንቢታዊ ቓል ኣቓልቦ ዝሃቡሉ ኣብዚ ወለዶ እዚ ዘለዉ ክርስትያናት: ነቲ ቅድመ–ትርኢት ናይ ክርስቶስ መንግስቲ ዘይኮነስ: እቲ ግርማዊ ንጉስ ብሓቂ ይገዝእ ምህላዉ ዝዕብልል መረጋገጺ ክርእዩ ልዑል መሰል ረኺቦም ኢዮም! ካብ 1914 ንነጀው ነፍሲ ወከፍ ትሓልፍ ዝነበረት ዓመት: እቲ የሱስ ብዛዕባ ንጉሳዊ “ህላዌ” [ትሓዓ ] ዝሃቦ ዘደንጹ “ምልክት” ፍጻሜኡ እናመስከርና ብዝኸድና መጠን እቲ ትንቢታዊ ቓል ኣዝዩ ዝጸንዐ ይኸውን። እቲ ንጉስ ነዚ ስርዓት እዚ ቅድሚ ምጥፍኡ እቲ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ምልክት ዝኾነ ምእዋጅ ናይ ምምሕዳሩ ወይ መንግስቱ ናብ ኩሎም ኣህዛብ ክበጽሕ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ናይ ክርስቶስ መሪሕነት እቲ ናይ መንግስቲ ስብከት ዕዮ ቅድሚ ሕጂ ተገሚቱ ብዘይፈልጥ መጠን ኣብ 231 ሃገራት ይግበር ኣሎ። (ማቴ. 24:​3-14) ብተወሳኺ እቲ ግዜ ናይቲ “ዓቢ ጸበባ” እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: እቲ ዝነገሰ ንጉስ ኣብቲ በጅነታዊ “ደም ናይቲ ገንሸል” እምነት ዝገብሩ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ’ “ዓቢ ጭፍራ” [ትሓዓ ] ክእክብ ጸኒሑ ኣሎ።​—⁠ራእ. 7:​9, 10, 14

3 እቲ ‘ኰኾብ ጽባሕ’ ስለ ዝተንስአ ማለት ክርስቶስ ናብ ስልጣን መንግስቱ ስለ ዝመጸ: ገናዶ ኣብቲ ትንቢታዊ ቃላት ንምቕላብ ምኽንያት ኣሎ ኢዩ? እወ! እቲ ዝኸበረ የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያ ዮሃንስ እቲ ንመጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዘቖመ ተኻታታሊ ራእያት ሂብዎ ኢዩ። ምንም እኳ እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት መተባብዕን መምርሕን እንተነበራ: ነዚ ሕጂ ንሕና እንርከበሉ ዘሎና ‘መዓልቲ ጐይታ’ ንዝነብሩ ግን ፍሉይ ቁም ነገር ኣለወን።​—⁠ራእ. 1:​10

4 “እቲ ዘመን ቀረባ እዩ: እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።” (ራእ. 1:​3) ሕጕሳት ክንከውን እንተድኣ ኰይንና: ንትርጕም እወ: ናይ ሓቂ ምርዳእ ናይዞም ትንቢታውያን ራእያት ክንረኽቦ ኣሎና። እዚ እንታይ ይሓትት? ነቲ ናይ ራእይ ጸብጻብ ኣብ ልብና ምእንቲ ኪኣቱ ምድግጋም የድሊ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: ኣባል ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ ኣማሓዳሪ ኣካል: ናይ ኣሕዋቱ መንፈሳውነት ‘ከነቓቕሕ’ መሰረታዊ ሓቅታት ምድግጋም ኣገዳስነቱ ተረዲእዎ ነበረ። (2 ጴጥ. 1:​12, 13) እዚ ዘመናዊ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብተመሳሳሊ ሞሳና ህያው ኮይኑ ንኽነብር ብተደጋጋሚ ኣቓልቦና ናብቲ ትንቢታዊ ቃላት ብምስሓብ ይሕግዘና ኣሎ።​—⁠ማቴ. 24:​45-47 ትሓዓ።

5 ብኸመይ ከም እተቕልብ:- እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ትንቢታዊ ቓል እንታይ ዝዓይነቱ ኣቓልቦ ኢዩ ዘድልዮ ዘሎ? ሃዋርያ ጳውሎስ ኣምላኽ ከምቶም ቅድመ–ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቱ ብመላእኽቲ ወይ ብነብያት እተዛረቦም ገይሩ ንኽርስትያናት ከም ዘይተዛረቦም የዘኻኽረና። ኣብ ክንድኡስ የሆዋ በቲ “ወራስ ኵሉ” ዝገበሮ ኣዝዩ ፍቑር ወዱ ገይሩ ኢዩ ምሳና ዝራኸብ። (እብ. 1:​1, 2) “ስለዚ ምእንቲ ከይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ከነቕልብ ይግባኣና ኢዩ።” (እብ. 2:​1) እወ: ናብቲ ቃል ኣምላኽ ብፍላይ ድማ ናብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝመጽእ ትንቢታዊ ቓል ከነቕልብ ይግብኣና። ናብቲ መጽናዕቲ ናይ ራእይ ዮሃንስ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንገብር እንኽእልሲ ብኸመይ ኢና?

6 ብመጀመርያ ንመጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ከተንብባ መደብ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ኵላትና ናብቶም ንፍጻሜ ትንቢታት ናይ ራእይ ዮሃንስ እናተወንጨፉ ንቕድሚት ዝኸዱ ዘለዉ ናይዚ ግዜዚ ፍጻሜታት ክንነቕሓሎም የድልየና ኢዩ። ብድሕሪኡ ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዕና ክንዓዪ ድልዋት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዝከኣል እንተኾይኑስ ኣብዚ ኣገዳስነት ናይቲ ራእይ ተርእዮታት ዝግልጸሉ ዘሎ እዋን ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብግቡእ ንምጽናዕ ናይ ብሕቲ ዕላማኻ ግበሮ።

7 ብኻልኣይ: ከተጽንዓ ከሎኻ ነቶም ተጻሒፎም ዘለዉ ሕቶታት ዝምልሹ ቀንዲ ነጥብታት ኣስምረሎም። ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ርኣዮም: ነቲ መግለጺ ናይ ራእይ ዮሃንስ ጥቕሲ ብኸመይ ከም ዝድግፉ ድማ ኣስተብህለሎም። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ: ዓሚቍ ትምህርቲ ክትረክብ ኢኻ። ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ጥበብን ምርዳእን ክትድልብ ጽዓር።​—⁠ምሳ. 4:⁠7

8 ናብቲ ትንቢታዊ ቃል ኣዚኻ ምቕላብ: ካብ ምጽናዕ ንላዕሊ ኢዩ ዘጠቓልል። ከምኡውን ድሕሪ መጽናዕቲ ‘በዚ ኣጸቢቕካ ክትሓስብ  . . . ነዚ ነገርዚ ምሉእ ርእስኻ ክትውፊ’ ማለትውን ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:​15) እቲ ትንቢታዊ ቓል ኣብ ልብና ከም ዝበርህ መብራህቲ ክኸውን እንተደኣ ኰይኑ: ነቲ ውሽጢ ሰብነትና​—⁠ኣተሓሳስባና: ድሌትና: ስምዒትና: ድራኼናን ሸቶናን​—⁠ክጸልዎ ክንፈቕደሉ ይግብኣና። (1 ጴጥ. 1:​19) ስለዚ ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ይግብኣና:- እዚ ሓበሬታ እዚ ንዓይ ብብሕተይ እንታይ ማለት ኢዩ? ብዛዕባ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን እንታይ ተማሂረ? እዚ መጽሓፍ እዚ ንምንታይ ስርዓታት መሰረት ይኸውን? ንትርጕም ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ልበይ ከም ዝኣቱ ይገብርዶ ኣሎኹ? ነዞም ሓቅታት እዚኣቶም ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከውዕሎም እኽእል? ኣብ ስድራቤተይከ? ኣብ ጉባኤኸ? ነቶም ዘጽናዕናዮም ኣብ ግብሪ ብምውዓልና ከምቲ እቲ መዝሙራዊ “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ዝበሎ ክንብል ንኽእል ኢና።​—⁠መዝ. 119:​105፣ እዮ. 29:​3, 4

9 ኣብ ጽንኩር እዋን ንቑሕ ኵን:- ኣብ 33 ከ.አ.ዘ.: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ናይ የሩሳሌም ዝመጽእ ዝነበረ ጥፍኣትን እቲ ናብ ድሓን ዝኾነ ቦታ ዝሃድምሉ ግዜ ዝሕብሮም ኵነታትን ኣጠንቂቕዎም ነበረ። (ሉቃ. 19:​41-44፣ 21:​7-21) ብድሕሪኡ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ሓለፈ። ንገለ ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ኣብቲ ቀረባ መጻኢ ቍሩብ ጥራሕ ዝልውጥ ይመስሎም ነበረ። እቲ ካብቲ ፍቑር ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ናብቲ ቓል ትንቢት ከቕልቡ’ ብ64 ከ.አ.ዘ. ኣብ ካልኣይ መልእኽቱ እተጻሕፈ መዘኻኸሪ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እዋናዊ ኮን ኢዩ ነይሩ! (2 ጴጥ. 1:​19) ብኡንብኡ ብ66 ከ.አ.ዘ.: የሩሳሌም ብሰራዊት ሮማውያን ተኸበት። ሮማውያን ሓይልታት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብሃንደበት ንድሕሪት ምስ ተመልሱ: እቶም ንቑሓት ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ነቲ ናይ የሱስ መምርሒታት ተኸቲሎም ሃደሙ። ብድሕሪኡ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሮማ ሰራዊት ተመሊሶም ንየሩሳሌም ፈጺሞም ኣጥፍእዋ። እቶም ክርስትያናት ኣብቲ ናይ የሱስ ትንቢታዊ ቃላት ኣጸቢቖም ብምቕላቦምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ክኾኑ ኣለዎም!

10 ዘመናውያን ክርስትያናት ክንሕልዎ ዘሎና እንታይ ኢዩ? ኣብቲ ናይ ራእይ ዮሃንስ ራእያት: የሱስ ነዞም ሕጂ ዝነብሩ ዘለዉ ክርስትያናት ብዛዕባ እቶም ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝፍጸሙ ብዙሓት ፍጻሜታት ኣጠንቀቖም። ኣብዘን ዝሓለፋ 80 ዓመታት ብዙሓት ካብዞም ፍጻሜታት ድሮ ተራእዮም ኢዮም:- ምውላድ ናይታ መንግስቲ፣ ናይ ሰማይ ውግእን ዘስዓቦ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስዕረትን ዝተኸተሎ ኣብ ከባቢ ምድሪ ምሕጻርን፣ ምውዳቕ ናይ ዓባይ ባቢሎንን ምቕልቃል ናይቲ ሻምናይ ሓይሊ ዓለም ዝኾነ ቀይሕ ኣራዊትን። እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ትንቢታዊ ቃል በዚ መዳያት እዚ ምፍጻሙ: እዞም ተሪፎም ዘለዉ ድራማዊ ፍጻሜታት ቀልጢፍና ክንርእዮም ምዃንና ዝያዳ ርግጽ ይገብረልና:- ምሕታም ናይ መወዳእታ ኣባላት ናይቶም 144,000: ምእካብ ናይቶም ዓብዪ ጭፍራ ምውዳእ: ምጥፋእ ናይ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ኣርማጌዶን ውግእ: ሰይጣን ኣብ መዓሙቕ ምእሳሩን ሽሓዊ ግዝኣት ናይ ክርስቶስን። ነቲ ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ከነቕልበሉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ:- “እንሆ: ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ: እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ”!​—⁠ራእ. 16:⁠15

11 ነቒሕናዶ ኣሎና? ነቲ ትንቢታዊ ቃል ክሳዕ ክንደይ ኢና ኣኽቢድና እንወስዶ? ህይወትና ንየሆዋ ካብ ንውፊ 5 ዓመት ይግበር ወይ 50 ዓመት ብዘየገድስ: ኣብ ሮማ ንዝነበሩ ክርስትያናት እተጻሕፋ ናይ ጳውሎስ ቃላት ኣባና ይውዕላ ኢየን:- “ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ . . . ሕጂ ኻብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ: ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፉ: መዓልቲ ቐሪባ እያ።” ጳውሎስ ቀጺሉ ንክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ይምዕድ “ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ . . . ብቕንዕና ንመላለስ።” (ሮሜ 13:​11-13) ኣብታ ብሞራል ኣብ ፍጹም ጸልማት ዘላ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። 30 ወይ 40 ዓመት ይገብር ዘሰምብድ ጠባይ ዝበሃል ዝነበረ ኣብዚ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይዚ መበል 20 ዘበንና ንብዙሓት ዓለማውያን ንቡር ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣሕዋት: ናብዚ ናይ ዓለም ጸልማት ተሳሒብኩም ብሞራል ዝመጸ ሸለል ብሃልቲ ከይትኾኑ ንገዛእ ርእስኹም ተጠንቀቑ። ንገዛእ ርእስኻ ነዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሕሱር ኣተሓሳስባን ናይ ህይወት መገድን ሸለል እትብሎን ወይ እትጻወሮን እንተደኣ ኮይንካ: ነቲ ቀልጢፉ ንዘለኣለም ዝፍታሕ ሎሚ ንኹላትና ዘጋጥመና ዓቢ ክርክር ምርኣዩ ክትስእን ኢኻ:- ንሱ ኸኣ ምርግጋጽ ናይ የሆዋ ሉዑላዊነትን ምቕዳስ ስሙን ኢዩ። መንፈሳዊ ምብዕዛዝ ነቲ ሕጂ ኣዝዩ ቀሪቡ ዘሎ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል ኢዩ።

12 ብልባዊ ሞሳ ናይቲ ትንቢታዊ ቓል ዕበ:- እቶም ጥንታውያን እብራውያን ነብያት ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ብዛዕባ እቲ መሲህ እተዛረብዎ መፈጸምታ ኣዕሚቖም ተገዲሶም ኢዮም። ዕላማ ኣምላኽ ክፍጸም “ደለዩን መርመሩን።” (1 ጴጥ. 1:​10, 11) ብተመሳሳሊ ንስኻውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ትንቢታዊ ቃላት እንተ ኣቕለብካሉ: ንመንፈሳዊ ነገራት ምምሳውካ ክዓቢ ኢዩ። መንፈሳዊ ሸውሃትካ በርቲዑ “መዓሙ[ቍ] ኣምላኽ” ንኽትኹዕት ንስራሕ ክለዓዓል ኢዩ። (1 ቈረ. 2:​10) ንልብኻ ብሞሳን ፍቕርን ናይቲ ትንቢታዊ ቓል እንተድኣ መሊእካዮ: ናብ ኣኼባታት ክትከይድ ዋላ ሓደ ክምሕጸነካ ኣየድልየካን ኢዩ፣ ስርዓታዊ ኴንካ ክትእከብን ክትሳተፍን ክትለዓዓል ኢኻ። (ሉቃ. 6:​45) እቲ ‘ቓል ኣብ ልብኻ’ እንተ ኾይኑ ‘ንድሕነት ኪኸውን ክትነግር’ ኪደፍኣካ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 10:​8-10

13 እቲ ግዜ ኣዝዩ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: መላገጽቲ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ምእዋጅ ብምጽናዕና ከባጭዉልና ኢዮም። (2 ጴጥ. 3:​3, 4) ይኹን እምበር: ናብቲ ትንቢታዊ ቃላት ክንነቅሕ ኢና። እቲ መብራህቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ኣበየናይ ናይ ግዜ ቀጻልነት ከምዘሎና የርእየና ኢዩ። ኣብቲ መወዳእታ መዓልትታት ናይዚ ጸልማት ዓለም ምህላውና ደሚቑ የብርህ ኣሎ። እቲ ኰኾብ ጽባሕ ተንሲኡ ኢዩ! ክርስቶስ ኣብ መንግስቲ ስልጣኑ ኢዩ! ምውጋሕ ናይቲ ሓድሽ መዓልቲ ምቕራቡ ድሮ ርኢናዮ ኣሎና። ከምቲ እታ መንግስቲ ነቶም ሰለስተ ሃዋርያት ነቲ ብትኣምራታዊ ራእይ ናይ የሱስ ምልዋጥ ተምሳላ ክርእዩ መሰል ክረኸቡ ንዓና ድማ እቲ መብጽዓ ኣምላኽ ናይ ሓድሽ ዓለም ከምኡ ክውን ተሰፋ ይኾነልና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ