ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ—ኣገዳሲ ጉዳይ
1 ኣኽቢድና ከም እንግደሰሎም ዝገብሩና ነገራት እንታይ ኢዮም? ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክንሃንጽን ክንዕቅቦን ኣዚና ክንግደስ ይግብኣና። ከምዚ ዝዓይነቱ ምቅርራብ ከተማዕብል ብሕታዊ መጽናዕቲ ዓቢ ግደ ኣለዎ። ሎሚ ንምስትንታንን ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ዝኸውን ንውሕ ዝበለ ግዜ ከነሕልፍ ዝፈቕዱልና ኵነታት ዘሎና ውሑዳት ኢና። ይኹን እምበር ንቓል ኣምላኽ ስርዓታውያን ኰይንና እንተ ዘየንቢብናዮ: ንመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ስጋዊ ባህግታታን ምቅዋሙ ክሳዕ እንስእን ክንደክም ንኽእል ኢና።
2 ነቲ ቃል ብሃግዎ:- መጀመርያ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ክንማሃር ከሎና ዝያዳ ፍልጠት ክንረክብ ኢልና ህንጡያት ኢና ነይርና። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ንመንፈሳዊ ዕንጋለ ዝነበረና ጥሜት ቀኒሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንመንፈሳዊ መግቢ “ባህጊ ምሕዳር” ኣድላዪ ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:2) ከምዚ ዝዓይነቱ ባህጊ ብኸመይ ከነማዕብል ምኸኣልና?
3 መኣዛ ናይ እትፈትዎ መግቢ ደስ ዘብል ተዘክሮታት ስለ ዘለዎ: ሸውሃት ይኸፍተልካ ኢዩ። ሓጸርቲ ግዜያት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብተመሳሳሊ ብመንፈሳዊ መገዲ ክትንክፉና ይኽእሉ ኢዮም። ቍሩብ ምቁር መንፈሳዊ ኵላሶ ምስትምቓር ዓሚቍ ሓቅታት ንምርካብ ንሸውሃትና ክኸፍቶ ይኽእል ኢዩ። እቲ ካብ ትምህርቲ ዝርከብ ዕግበት ንቃል ኣምላኽ ኣዕሚቍና ክንኵዕቶ ከተባብዓና ይኽእል ኢዩ።
4 ንዓኻ ውጽኢታዊ ዝኾነ ልማድ ኣማዕብል:- ገሊኦም ምሉእ ምሸት ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክምድብዎ ከለዉ: ካልኦት ግን ሓጸርትን ኣዝዩ ዝደጋገምን መጽናዕቲ ይመርጹ። ኣብቲ ናይ ንግሆ ዘሎ ሰዓታት ጽቡቕ ከተስተብህል ከም እትኽእል እንተድኣ ፈሊጥካ: ቅድሚ ቁርሲ ሕጽር ዝበለ መጽናዕቲ ክትገብር ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ግዜ ምሸት ዝያዳ ንቑሕ እንተድኣ ኴንካ: ምሸት ቅድሚ ምድቃስካ መጽናዕትኻ ክትገብር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣጋጣሚ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ኣገዳሲ ነገር ስርዓታዊ ኴንካ ናብቲ ንዓኻ ውጽኢታዊ ዝኾነ ልማድ ምጥባቕ ኢዩ።
5 ዝያዳ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክንገብር ክንተባባዕ ከሎና ድሮ መደብና ምሉእ ከም ዝኾነ ነመልክት ንኸውን። ይኹን እምበር ግዜና ብኸመይ ከም እንሕልፎ ኵላትና ብቕንዕና ክንምርምሮ የድልየና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት ብምዕዛብ ብዙሕ ሰዓታት ድዩ ዝባኽን? ገለ ብሕታዊ ጥቕምታት ክንስውእ ፍቓደኛታትዶ ኢና? ንግዜና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ክዉን ዝኾነ ምርመራ ምግባር: ነቶም ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዝያዳ ብዘርብሕ ክንጥቀመሎም እንኽእል መዓልታዊ ግዝያት ክገልጾም ኢዩ።—ኤፌ. 5:15, 16
6 መጽናዕቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ዘይተኸፋፈለ ኣቓልቦና ዝሓትት ኢዩ። ከተጽንዕ ከሎኻ ካልእ ነገር ክትገብር ምፍታን ነቲ ጥቕምታት ይቕንሶ ኢዩ። ከነጽንዕ ከሎና ክንበልዕ: ራድዮ ክንሰምዕ ወይ ተለቪዥን ክንከታተል ንዘዙ እንተድኣ ኴንና: ኣብቲ ክንማሃሮ ኢልና እንፍትን ዘሎና: ክንሳሓብ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ጢሞ. 4:15) ስለዚ ካብ መዘንበሊታት ክንርሕቕ ከድልየና ኢዩ።—ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ገጽ 33–4 ርአ።
7 መዓልታዊ መጽናዕትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣገዳሲ ኢዩ: ከመይሲ ናይ የሆዋ መምርሒ እንረኽበሉ መገዲ ኢዩ። ነቲ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ዘሎ ሓቂ ናብ ልብኻ ክኣቱ ሸቶኻ ግበሮ። ነፍሲ ወከፍ እትረኽቦ ኣጋጣሚ ክሳዕ ክንደይ ሓጺር ምዃኑ ብዘየገድስ ንመንፈሳዊ ነገራት ከተንብብ: ክትደግም ወይ ከተስተንትን ተጠቐመሉ።—ዘዳ. 6:6–8፣ ቈሎ. 1:9, 10