ንእዋን መጽናዕትኻ ዝያዳ ባህ ዜብልን ውጽኢታውን ግበሮ
ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንእዋን መጽናዕትና ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽንገብሮ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ቀጺልና እስከ ኻብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ጥቕሚ ንኽንረክብ ዜኽእለና ሰለስተ ኣገዳሲ ስጕምትታት ንርአ።
1 ጸሊ፦ ብቐዳምነት ጸሊ። (መዝ. 42:8) ስለምንታይ፧ ንመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ከም ሓደ ኽፋል ኣምልኾና ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ስለዚ፡ ኣብ መጽናዕትና ምእንቲ ኸነተኵርን መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበናን ንየሆዋ ኽንልምኖ ኣሎና። (ሉቃ. 11:13) ሓንቲ ባርባራ ዝስማ ንነዊሕ እዋን ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ፡ “ቅድሚ ንባብ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማረይ፡ ወትሩ እጽሊ እየ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ምሳይ ዘሎን ነቲ ዝገብሮ ዘለኹ ዚሰምሮን ኰይኑ ይስምዓኒ” በለት። ቅድሚ መጽናዕቲ እነቕርቦ ጸሎት፡ ነቲ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንቅበሎ፡ ንኣእምሮናን ንልብናን ይኸፍቶ እዩ።
2 ኣስተንትን፦ ገሊኣቶም ሰባት፡ ግዜ ስለ ዚሓጽሮም፡ ንቓል ኣምላኽ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ እዮም ዜንብብዎ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕሚ የምልጦም እዩ። ንየሆዋ ኼገልግል ካብ ዚጅምር ልዕሊ 50 ዓመት ዝገበረ ካርሎስ፡ ንመጽናዕቱ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንምግባር፡ ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ኺምድብ ከም ዘለዎ ተረድአ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሕጂ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ገጻት፡ ማለት በብመዓልቱ ዳርጋ ኽልተ ገጽ ጥራይ እየ ዘንብብ። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ዘንበብክዎ ነገራት ኣገዳሲ ትምህርቲ ምእንቲ ኽረክብ፡ ኣብ ምስትንታን ዝያዳ ግዜ አሕልፍ።” (መዝ. 77:12) ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ እንተ መዲብና፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠትን ምርዳእን ኪሰፍሕ እዩ።—ቈሎ. 1:9-11።
3 ተግብር፦ ናይ ሓደ ንጥፈት ግብራዊ ጥቕሚ እንተ ተረዲኡና፡ ካብኡ ብዙሕ ኢና እንጥቀም። ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ሓደ ብስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብር ጋብሪኤል ዚብሃል መንእሰይ ሓው፡ “መጽናዕቲ፡ ነቲ በብመዓልቱ ዜጋጥመኒ ጸገማት ንኽዋጽኣሉ ይሕግዘኒ እዩ፣ ንኻልኦት ንኽሕግዝ እውን የዳልወኒ እዩ” በለ። ወሲኹ ኸኣ፡ “ንዅሉ እቲ እተመሃርክዎ ኣብ ውልቃዊ ህይወተይ ክትግብሮ እጽዕር እየ” በለ። (ዘዳ. 11:18፣ እያ. 1:8) እወ፡ ክንቀስሞን ክንትግብሮን እንኽእል ማእለያ ዘይብሉ ኣምላኻዊ ፍልጠት እዩ ዘሎ።—ምሳ. 2:1-5።
ድግማ፦ ብዛዕባ እቲ ኻብቲ ምንጪ ዅሉ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ዚመጽእ ፍልጠት ምርምር ምግባር፡ ከመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! (ሮሜ 11:33) ስለዚ፡ ኣብ ዚቕጽል እዋን መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ምእንቲ ኸነተኵርን መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበካን ናብ የሆዋ ጸሊ። ድሕሪኡ፡ ሓሓሊፍካ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ኣስተንትን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ተግብሮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ባህ ዜብልን ውጽኢታውን ኪዀነልካ እዩ።