ካብ ‘ምስሊ ሓቂ’ ተምሃር
“ንስኻ . . . ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ።”—ሮሜ 2:20።
ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ጽዓር
እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ መስዋእትታት ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧
እቲ ብእስራኤላውያን ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት፡ ምስቲ ሎሚ ብክርስትያናት ዚቐርብ መስዋእትታት ብኸመይ እዩ ዚመሳሰል፧
ሓደ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ከም ዚርከብ ወይ ከም ዘይረክብ ዚገብሮ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧
1. ነቲ ሕጊ ሙሴ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም፡ ምርዳኡ ኼገድሰና ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ጽሑፋት ሃዋርያ ጳውሎስ እንተ ዘይህሉ፡ እቲ እተፈላለየ መዳያት ሕጊ ሙሴ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ንምርዳኡ መጸገመና ነይሩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ የሱስ፡ ከም ‘እሙን ሊቀ ኻህናት’ መጠን፡ ነቶም ብእኡ ዚኣምኑ ሰባት “ናይ ዘለኣለም ምድሓን” ንኺረኽቡ መገዲ ንኪኸፈተሎም ኢሉ፡ ብኸመይ ሓንሳእን ንሓዋሩን ‘መተዓረቒ’ ኬቕርብ ከም ዝኸኣለ ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 2:17፣ 9:11, 12) ጳውሎስ እቲ ማሕደር፡ ‘ጽላሎት እቲ ሰማያዊ ነገራት’ ጥራይ ከም ዝዀነን የሱስ ማእከላይ እቲ ኻብቲ ናይ ሙሴ “ዝሔሸ ኺዳን” ከም ዝዀነን ገለጸ። (እብ. 7:22፣ 8:1-5) ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት እቲ ሕጊ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ መግለጺታት እዚ፡ እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና መሰናድዎታት ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ።
2. ክርስትያናት ኣይሁድ ካብ ኣህዛብ እንታይ ሓለፋ ነበሮም፧
2 እቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ ዘሎ ገሊኡ ሓሳባት፡ ነቶም ካብ ወለዶ ኣይሁድ ዝዀኑ ሕጊ ሙሴ እተማህሩ ኣባላት ጉባኤ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ጳውሎስ፡ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምስቲ መለኮታዊ ሕጊ ሌላ ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ስርዓታቱን ዜመልክት “ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን” ናይ ምውናን ሓለፋ ኸም ዝነበሮም ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ። ክርስትያን ኣይሁድ፡ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ፡ ነቲ ‘ምስሊ ሓቂ’ ምርዳኦምን ንዕኡ ልባዊ ኣኽብሮት ምርኣዮምን፡ ነቶም ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝሃቦም ሕጊ ዘይፈልጡ ሰባት ንኺመርሕዎምን ንኺምህርዎምን ንኼብርሁሎምን ኣኽኢልዎም እዩ።—ሮሜ 2:17-20 ኣንብብ።
ጽላሎት መስዋእቲ የሱስ
3. ነቲ ጥንታውያን ኣይሁድ ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ምምርማርና ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
3 እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ምስሊ ሓቂ፡ ንዕላማታት የሆዋ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መሰረታዊ ስርዓታት ሕጊ ሙሴ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ንሓደ መዳይ እቲ ሕጊ፡ ማለት እተፈላለየ መስዋእትታትን ወፈያታትን ንትሑታት ኣይሁድ ናብ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝመርሖምን ነቲ ኣምላኽ ካባታቶም ዚጽበዮ ብቕዓት ንኺርድኡ ብኸመይ ከም ዝሓገዞምን ንርአ። እቲ ኣምላኽ ካብ ኣገልገልቱ ዚጽበዮ መሰረታዊ ብቕዓታት ስለ ዘይቅየር፡ ነቲ ኣምላኽ ንመስዋእትታትን ወፈያታትን ኣመልኪቱ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ነቲ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ንኽንምርምሮ ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል እውን ክንርኢ ኢና።—ሚል. 3:6።
4, 5. (ሀ) ሕጊ ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዜዘኻኽሮም ነይሩ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ መስዋእትታት ዚገልጽ ሕጊ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧
4 መብዛሕትኡ መዳያት ሕጊ ሙሴ ንጥንታውያን ኣይሁድ ሓጢኣተኛታት ምዃኖም የዘኻኽሮም ነበረ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ዝሞተ ስጋ ሰብ እንተ ደኣ ተንክዩ፡ ኪነጽህ የድልዮ ነበረ። ስለዚ፡ ካብ ሓጢኣቱ ንምንጻህ፡ ሓንቲ ጣላ ላም ትሕረድን ትነድድን ነበረት። እቲ ሓመዅሽቲ ድማ “ንዜንጽህ ማይ” ኪኸውን ይሕሎ ነበረ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዚነጽህ ዝነበረ ሰብ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ንኺንጸገሉ እዩ ዚቕመጥ ነይሩ። (ዘሁ. 19:1-13) ኵሎም ደቂ ሰብ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ከም ዝወረሱ ንምዝኽኻር ድማ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ወለደት ንእተወሰነ ግዜ ርኽስቲ ዀይና ትጸንሕ፡ ድሕሪኡ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ተቕርብ ነበረት።—ዘሌ. 12:1-8።
5 ኣብ መዓልታዊ ናብራ ንዚፍጸም ካልእ እተፈላለየ ምስ ሓጢኣት እተተሓሓዘ ነገራት ንምትዕራቕ፡ መስዋእቲ እንስሳታት ይቐርብ ነበረ። እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ይፍለጦ ኣይፍለጦ ብዘየገድስ፡ እዚ መስዋእትታት እዝን እቲ ጸኒሑ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታትን “ጽላሎት” እቲ የሱስ ዜቕረቦ ፍጹም መስዋእቲ እዩ ነይሩ።—እብ. 10:1-10።
እቲ መስዋእቲ ብምንታይ ተደሪኽካ እዩ ዚቐርብ፧
6, 7. (ሀ) እስራኤላውያን፡ ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኺመርጹ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ነይርዎም፧ እዚኸ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧ (ለ) እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንሓትታ ዘሎና፧
6 ነቲ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእቲ እንስሳ ዚምልከት ሓደ መሰረታዊ ስርዓት፡ እቲ እንስሳ ብዅሉ መዳያቱ “ጐደሎ ዜብሉ” ኪኸውን ነበሮ፣ እዚ ድማ ዕዉር፡ ስቡር፡ ቍሩጽ ወይ ሕሙም ዘይኰነ ማለት እዩ። (ዘሌ. 22:20-22) እስራኤላውያን ንየሆዋ፡ ፍረታት ወይ እኽሊ ኣብ ዜቕርቡሉ እዋን፡ ካብ ምህርቶም እቲ “ዝበለጸ”ን “በዅራት”ን ኪኸውን ይድለ ነበረ። (ዘሁ. 18:12, 29) ጐደሎ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኣይነበሮን። እቲ ንመስዋእቲ እንስሳ ዚምልከት ኣገዳሲ ብቕዓት፡ መስዋእቲ የሱስ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ምዃኑ፡ ከምኡውን የሆዋ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺብጀዎም፡ ነቲ ንዕኡ ዝበለጸን ተፈታውን ዝነበረ ወዱ መስዋእቲ ኺገብሮ ምዃኑ የመልክት ነበረ።—1 ጴጥ. 1:18, 19።
7 እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ፡ ንዅሉ ሕያውነት የሆዋ ዜማስወሉ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ጥሪቱ ነቲ ዝበለጸ መስዋእቲ ተሓጒሱ ኬቕርበሉ ኣይድረኽንዶ፧ እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ ኣብቲ ውልቀ ሰብ እተሓድገ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ጐደሎ መስዋእቲ ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ ነቲ መስዋእቲ ኣገዳሲ ገይሩ ኸም ዘይረኣዮ፡ አረ ጾር እውን ከም ዝዀኖ እዩ ዚሕብር ነይሩ። (ሚልክያስ 1:6-8, 13 ኣንብብ።) እዚ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንኽንምርምሮ ይድርኸና። ስለዚ፡ ‘ንየሆዋ ብምንታይ ተደሪኸ እየ ዜገልግሎ፧ ነቲ ንየሆዋ ንኼገልግሎ ዚድርኸኒ ነገር ኪቕይሮ የድልየኒ ደዀን ይኸውን፧ ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ድየ ዚህቦ ዘለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግባእ።
8, 9. ነቲ እስራኤላውያን መስዋእቲ ንምቕራብ ዚድርኾም ዝነበረ ስምዒት ምምርማርና፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
8 ሓደ እስራኤላዊ፡ ንየሆዋ ልባዊ ምስጋና ንምግላጽ ኢሉ ናይ ፍታው ወይ ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ ወይ ከኣ ስምረት የሆዋ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ መስዋእቲ ምሕራር ምስ ዜቕርብ፡ እንታይ ዓይነት እንስሳ ኺመርጽ ከም ዘለዎ ኽሳዕ ክንድቲ ኣየጸግሞን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ተሓጒሱ እቲ ዝበለጸ ኬቕርበሉ ይኽእል ነበረ። ክርስትያናት ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት መስዋእቲ ዘየቕርቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልእ ዓይነት መስዋእትታት ግና የቕርቡ እዮም፣ ማለት ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ንየሆዋ ንምግልጋል የውዕልዎ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቲ ብዛዕባ ተስፋና ዚገልጽ ብስራት ንምእዋጅ እነቕርቦ “ፍረ ኸናፍር፡” ከምኡውን “ሰናይ ምግባርን ምምቓልን” ንኣምላኽ ባህ ዜብል መስዋእቲ ኸም ዝዀነ ጠቒስዎ ኣሎ። (እብ. 13:15, 16) ህዝቢ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ነገራት ዘለዎም ሞሳን ምስጋናን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ብምክፋል እዮም ዚገልጽዎ። ስለዚ፡ ከምቲ እቶም ናይ ፍታው ወይ ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ዜቕርቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ድራኼኦም ኪምርምሩ ዝነበሮም፡ ሎሚ እውን ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ድራኼኦም ኪምርምሩ ኣለዎም።
9 ሓደ እስራኤላዊ እንተ በዲሉ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ መስዋእቲ ሓጢኣት ወይ መስዋእቲ በደል ኬቕርብ ኣብ ዚድለየሉ ዝነበረ ዅነታትከ፧ እዚ መስዋእቲ እዚ፡ ግዴታ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሰብ ከይፈተወ እዩ ዜቕርቦ ነይሩ ማለት ድዩ፧ (ዘሌ. 4:27, 28) እቲ ሰብ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ዓቂቡ ኺነብር ዚደሊ እንተ ደኣ ነይሩ፡ ነዚ መስዋእቲ እዚ ፈትዩ እዩ ዜቕርቦ ነይሩ።
10. ክርስትያናት ምስ ኣሕዋቶም ወይ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ምስ ዝበላሾ ንምዕራዩ እንታይ “መስዋእቲ” ኺገብሩ ይኽእሉ፧
10 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ከይተፈለጠካ ወይ ብገርህኻ ንሓደ ሓው ከም ዝበደልካዮ ትግንዘብ ትኸውን። ሕልናኻ ድማ ጌጋ ኸም ዝገበርካ ይነግረካ ይኸውን። ንየሆዋ ኼገልግል ዚደሊ ዘበለ ሰብ፡ ብእተኻእሎ መጠን ጌጋኡ ንኺእርም ህርድግ ከም ዚብል ፍሉጥ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ እተበደለ ሰብ ካብ ልቢ ይቕረታ ምሕታት፡ ወይ ድማ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚኸውን ካብ ፈቃራት ክርስትያን ሓለውቲ መንፈሳዊ ሓገዝ ምድላይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:23, 24፣ ያእ. 5:14, 15) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ንሓደ ሓው ወይ ንኣምላኽ ብምብዳል ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንምእራም ሓደ ነገር ክንገብር ኣሎና ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ “መስዋእቲ” ኸነቕርብ ከለና፡ ምስ የሆዋን ምስ ሓውናን ዘሎና ርክብ ነመሓይሽ፡ ጽሩይ ሕልና ድማ ይህልወና። ኣማስያኡ ድማ መገዲ የሆዋ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምዃኑ ነረጋግጽ።
11, 12. (ሀ) መስዋእቲ ምስጋና እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) መስዋእቲ ምስጋና ምስዚ ሎሚ ዘሎ ንጹህ ኣምልኾ እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘለዎ፧
11 ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ ገሊኡ መስዋእትታት፡ መስዋእቲ ምስጋና ኸም ዝዀነ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። እዚ ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ሰላም ምግባር የመልክት ነበረ። እቲ ነዚ መስዋእቲ እዚ ዜቕርብ ሰብን ስድራ ቤቱን ከኣ፡ ንስጋ እቲ እተሰውአ እንስሳ፡ ምናልባት ኣብ ሓደ ኻብቲ መመገቢ ኽፍልታት ቤት መቕደስ ኰይኖም ይምገብዎ ነበሩ። እቲ ነቲ መስዋእቲ ዜቕርቦ ኻህንን እቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ዜገልግሉ ኻልኦት ካህናትን ድማ ካብቲ ስጋ ገግዲኦም ይቕበሉ ነበሩ። (ዘሌ. 3:1፣ 7:31-33) እቲ ሰብ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልዎ ብምምናይ፡ ብሰናይ ባህጊ ተላዒሉ እዩ መስዋእቱ ዜቕርብ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን እቶም ካህናትን የሆዋን ሓቢሮም ብሰላም ኣብ መኣዲ ይካፈሉ ነይሮም ማለት እዩ።
12 የሆዋ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መኣዲ ቐሪቡ ኻብኡ ምእንቲ ኺካፈል፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኽትዕድሞስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ ነይሩ! እቲ ዓዳሚ ነዚ ኽቡር ዕዱሙ፡ ካብቲ ብሉጽ ጥሪቱ ኸም ዘቕረበሉ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኽፍሊ እቲ ምስሊ ሓቂ ዝዀነ መስዋእቲ ምስጋና፡ ኵሎም እቶም ምስ ፈጣሪኦም ጥብቅን ሰላማውን ርክብ ኪህልዎም ዚደልዩ ሰባት፡ በቲ ዝዓበየ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሎም ነዚ ኺረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ጥሪትናን ጕልበትናን ንኣገልግሎት የሆዋ ብምውፋይ ብፍታው መስዋእቲ ምስ እነቕርብ፡ ናብ የሆዋ ኽንቀርብን ዓርክና ኽንገብሮን ንኽእል ኢና።
መስዋእቲ ኸነቕርብ ከለና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ነገራት
13, 14. እቲ ንጉስ ሳኦል ዘቕረቦ መስዋእቲ፡ ብየሆዋ ተቐባልነት ዘይረኸበ ስለምንታይ እዩ፧
13 እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ መስዋእትታት ብየሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ብቕኑዕ ድራኸ ኪቐርብ ነበሮ። ኰይኑ ግና፡ ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘይብሉ መስዋእትታት እውን ንመጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣምላኽ ነዚ መስዋእትታት እዚ ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።
14 ነብዪ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣማሌቃውያን ፍርዱ ዜውርደሉ ግዜ ኸም ዝበጽሐ ነገሮ። ስለዚ፡ ሳኦል ነዞም ጸላእቲ እዚኣቶምን ንኸብቶምን ኬጽንቶም ከደ። ይኹን እምበር፡ ሳኦል ምስ ሰዓረ፡ ንወተሃደራቱ ነቲ ንጉስ ኣማሌቃውያን ዝዀነ ኣጋግ ብህይወት ኪሓድግዎ ፈቐደሎም። ብዘይካዚ፡ ንዘዝበለጹ እንስሳታት ንየሆዋ ኺስውኣሉ ብምባል ነሓፎም። (1 ሳሙ. 15:2, 3, 21) የሆዋኸ እንታይ ገበረ፧ ንሳኦል ብምኽንያት ዘይምእዛዙ ነዓቖ። (1 ሳሙኤል 15:22, 23 ኣንብብ።) ካብዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧ መስዋእትና ብኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ንትእዛዛቱ ኽንሕልዎ ይግባእ።
15. እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ እስራኤልውያን፡ መስዋእቲ እናቕረቡ ሕማቕ ተግባራት ምግባሮም እንታይ እዩ ዚሕብር ነይሩ፧
15 ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እውን ተመሳሳሊ ኣብነት ተመዝጊቡ ኣሎ። እቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኺግበረሎም ንየሆዋ መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ተግባራት ካብ ምግባር ስለ ዘይተቘጠቡ፡ እቲ መስዋእቶም ተቐባልነት ኣይነበሮን። የሆዋ ኸኣ፡ “ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧” ኢሉ ሓተቶም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። . . . ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፉን እዩ” በሎም። ጸገሞም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣምላኽ፡ “ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ፡ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ” በሎም።—ኢሳ. 1:11-16።
16. ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ እዩ፧
16 የሆዋ በቲ እቶም ዘይንስሑ ሓጥኣን ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ሕጕስ ኣይነበረን። ነቲ እቶም ምስ ትእዛዛቱ ተሰማሚዖም ንኺነብሩ ዚጽዕሩ ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎትን መስዋእትን ግና ይቕበሎ ነይሩ እዩ። እቲ ምስሊ ሕጊ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ሓጥኣን ምዃኖምን ሕደገት ሓጢኣት ከም ዜድልዮምን ምሂርዎም እዩ። (ገላ. 3:19) እዚ ምፍላጦም ከኣ ካብ ልቢ ንኺንስሑ ይድርኾም ነበረ። ሎሚ እውን ንሕና እቲ ሓጢኣት ኬተዓርቕ ዚኽእል መስዋእቲ ክርስቶስ ከም ዜድልየና ኽንግንዘብ ኣሎና። ነዚ ንርድኦን ነማስወሉን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ብዅሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎትና እነቕርቦ መስዋእትታት “ባህ” ኪብሎ እዩ።—መዝሙር 51:17, 19 ኣንብብ።
ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት ይሃሉኻ!
17-19. (ሀ) ንመስዋእታዊ በጃ የሱስ ከም እነማስወሉ፡ ንየሆዋ ብኸመይ ክንገልጸሉ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
17 ንሕና፡ “ጽላሎት” ዕላማ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መፈጸምታኡ እውን ንርእዮ ስለ ዘሎና፡ ካብቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓለፋ ኣሎና። (እብ. 10:1) እቲ ንመስዋእቲ ዚምልከት ሕግታት ነቶም ኣይሁድ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኼማዕብሉ የተባብዖም ነበረ። እወ፡ ንኣምላኽ ካብ ልቢ ንኼመስግንዎ፡ ዘዝበለጸ ንኺህብዎ፡ በጃ ኸም ዜድልዮም ንኺግንዘቡ ይድርኾም ነበረ። ሳላ እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዘሎ ሓሳባት፡ የሆዋ ብመሰረት በጃ ንዅሉ ሳዕቤናት ሓጢኣት ንሓዋሩ ኸም ዜልግሶ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ቅድሚኡ ሰናይ ሕልና ሒዝና ኽንመላለስ ከም ዜፍቅደልና ኽንፈልጥ ክኢልና ኢና። መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዜደንቕ ውህበት እዩ።—ገላ. 3:13፣ እብ. 9:9, 14።
18 ካብቲ በጃ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና፡ ካብ ፍልጠት ንላዕሊ ዜድልየና ነገር ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ” በለ። (ገላ. 3:24, 25) እምነት ከኣ ብግብሪ ኽትርአ ኣለዋ። (ያእ. 2:26) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ፡ ነቲ ብሕጊ ሙሴ እተመሓላለፈ ምስሊ ፍልጠት ከኣ ዝነበሮም ክርስትያናት፡ ንፍልጠቶም ኬተግብርዎ ኣተባብዖም። ከምኡ እንተ ገይሮም ከኣ፡ ተግባሮም ምስቲ ዚምህርዎ መለኮታዊ ስርዓታት ኪሰማማዕ ይኽእል ነበረ።—ሮሜ 2:21-23 ኣንብብ።
19 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ኺሕልውዎ ዘይሕተቱ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ዚቕበሎ መስዋእትታት ግና የቕርቡ እዮም። ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም እንኽእል፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
እቲ የሆዋ ኻብ ኣገልገልቱ ዚጽበዮ መሰረታዊ ብቕዓታት ኣይቅየርን እዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ንየሆዋ ኣየናይ እንስሳ መቕረብካሉ፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ነቶም ቅቡል መስዋእትታት ዜቕርቡሉ ሰባት ስምረቱ ይህቦም