ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ መስዋእቲ ኣቕርበሉ
“እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ [“ብምሉእ ነፍስኹም፡” NW] ግበርዎ።”—ቈሎ. 3:23።
ክትምልሶ ትኽእልዶ፧
ንየሆዋ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ብኸመይ ከነኽብሮ ንኽእል፧
ኣብ ኣምልኾና እንታይ መስዋእትታት ኢና እነቕርብ፧
ስጋዊ ጥሪትና ንየሆዋ ብኸመይ ክንውፍዮ ንኽእል፧
1-3. (ሀ) የሱስ ኣብ ዕንጸይቲ ምስቃሉ፡ የሆዋ ኻባና ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኣይቅበልን እዩ ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዘሎ መስዋእትታት እንታይ ሕቶታት እዩ ዚብገስ፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንሕጊ ሙሴ ኸም ዝደምሰሶ ገሊጹሎም እዩ። (ቈሎ. 2:13, 14) ድሕሪ መስዋእቲ የሱስ ኵሉ እቲ ኣይሁድ ንኣማእታት ዓመታት ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ተረፈ፡ ዋጋ ዘይብሉ ድማ ኰነ። እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዜብጽሓና ቐጻዒ’ ወይ መምህር ብምዃን ዕዮኡ ፈጺሙ እዩ።—ገላ. 3:24።
2 እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ መስዋእትታት ፈጺሞም ኣይግደሱን ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ” ብምባል፡ ኣገዳስነት መስዋእቲ ኣጕሊሑ ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:5) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ እቲ ንኣምላኽ እተወፈየ ህይወት ሓደ ክርስትያን፡ ብዅሉ መዳያቱ ኸም “መስዋእቲ” ኪቝጸር ከም ዚኽእል ኣጕሊሑ ኣሎ።—ሮሜ 12:1።
3 ስለዚ እምበኣር፡ ሓደ ክርስትያን ገለ ነገራት ንየሆዋ ብምውፋይ ወይ ድማ ምእንቲ የሆዋ ኢሉ ገለ ነገራት ብምጥንጣን መስዋእትታት የቕርብ እዩ። ነቲ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ብቕዓታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵሉ መስዋእትታትና ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧
ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ
4. ብዛዕባ መዓልታዊ ንጥፈታትና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧
4 ንመዓልታዊ ንጥፈታትና ምስቲ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእትታት ከነተሓሕዞ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። ዕዮ ገዛ፡ ዕዮ ቤት ትምህርቲ፡ ሸመታ ዀነ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ብላዕሊ ላዕሉ ኺርአ ኸሎ፡ ምስ መንፈሳዊ ነገራት ምንም ምትሕሓዝ ዘይብሉ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ርእስኻ ንየሆዋ ዝወፈኻ እንተ ዄንካ፡ ወይ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ርእስኻ ንምውፋይ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ እቲ ንስጋዊ ነገራት ዘሎካ ኣመለኻኽታ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ክርስትያናት ኢና። ንቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብራና ኽንዓየሉ ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ [“ብምሉእ ነፍስኹም፡” NW] ግበርዎ” ብምባል እተማሕጸነና።—ቈሎሴ 3:18-24 ኣንብብ።
5, 6. ብዛዕባ እነርእዮ ጠባይን ኣከዳድናን ንኽንውስን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
5 መዓልታዊ ንጥፈታት ሓደ ክርስትያን፡ ክፍሊ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ እንገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኸም እንገብሮ ጌርና “ብምሉእ ነፍስና” ኽንገብሮ ስለ ዝመዓደና፡ ብዛዕባ ምሉእ ናብራ ህይወትና ኸም እንሓስብ ይገብረና እዩ። ነዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ጠባይን ግቡእ ኣከዳድናን ድዩ ዘሎና፧ ወይስ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና፡ ብሰንኪ ጠባይና ወይ ኣከዳድናና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀንና ንኽንገልጽ ንሽቝረር ዲና፧ ከምዚ ንኼጋጥም ፈጺምና ኽንፈቅድ የብልናን። ህዝቢ የሆዋ ንስም ኣምላኽ ዜጽርፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ ኣይደልዩን እዮም።—ኢሳ. 43:10፣ 2 ቈረ. 6:3, 4, 9።
6 እንገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኸም እንገብሮ ጌርና “ብምሉእ ነፍስና” ንኽንገብሮ ዘሎና ባህጊ፡ ንእተፈላለየ ናብራና ብኸመይ ከም ዚጸልዎ እስከ ንመርምር። ነዚ ኽንምርምር ከለና፡ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት፡ ብሉጽ ወይ በዅሪ ኪኸውን ይድለ ኸም ዝነበረ ንዘክር።—ዘጸ. 23:19።
ህይወትካ እተጸልወትሉ መገዲ
7. ክርስትያናዊ ወፈያ እንታይ የጠቓልል፧
7 ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ምንም ነገር ከይቈጠብካ ምሉእ ነፍስኻ ደይኰንካን ዝወፈኻ፧ ሽዑ፡ ኣብ ኵሉ ናብራኻ ንየሆዋ ኸም እተቐድም ኢኻ ቓል ኣቲኻ። (እብራውያን 10:7 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ጽቡቕ ውሳነ እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ሓደ ውሳነ ዜድልዮ ነገር ምስ ኣጋጠመካ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብምምርማር፡ ምስኡ ተሰማሚዕካ ምውሳንካ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝረኸብካሉ ኣየጠራጥርን እዩ። (ኢሳ. 48:17, 18) ህዝቢ ኣምላኽ ንባህርያት እቲ መምህሮም ዝዀነ ፈጣሪኦም ስለ ዜንጸባርቑ፡ ቅዱሳትን ሕጉሳትን እዮም።—ዘሌ. 11:44፣ 1 ጢሞ. 1:11።
8. የሆዋ ንጥንታዊ መስዋእትታት ከም ቅዱስ ገይሩ ምርኣዩ፡ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
8 እቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት፡ ከም ቅዱስ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። (ዘሌ. 6:25፣ 7:1) እታ “ቕድስና” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ እተፈለኻ ምዃን ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ። ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዘበለ ነገራት ከነፍቅሮ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) እዚ ድማ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬርክሰና ዚኽእል ምሕዝነት ወይ ተሳትፎ ኽንርሕቕ ከም ዘሎና የመልክት። (ኢሳ. 2:4፣ ራእ. 18:4) ብዘይካዚ፡ ርኹስ ወይ ብዕሉግ ንዝዀነ ነገራት ክንርኢ፡ ወይ ድማ ብኣእምሮና ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኽንሓስብ ከም ዘይብልና የመልክት።—ቈሎ. 3:5, 6።
9. ኣኻይዳ ሓደ ክርስትያን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ ስለምንታይከ፧
9 ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (እብ. 13:16) ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ኣብ መዓልታዊ ናብራኡ ንኻልኦት ሰናይ ምስ ዚኸውንን ሰናይ ምስ ዚገብርን፡ የሆዋ ነዚ ነገር እዚ፡ ከም ሓደ ንዕኡ ተባሂሉ ዝቐረበ ቕቡል መስዋእቲ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። እዚ ፍቕራዊ ተገዳስነት እዚ፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዩ።—ዮሃ. 13:34, 35፣ ቈሎ. 1:10።
ንኣምልኾ ዚቐርብ መስዋእትታት
10, 11. የሆዋ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎትናን ንኣምልኾናን ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኺገብረልና ኣለዎ፧
10 ሓደ ኻብቲ ኸም ክርስትያናት መጠን ንኻልኦት ሰናይ እንገብረሉ ኣዝዩ ንጹር መገድታት፡ ብዛዕባ “ተስፋና” ምእዋጅ እዩ። እሞኸ፡ ንዅሉ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚታት፡ ምስክርነት ንምሃብ ትጥቀምሉ ዲኻ፧ ጳውሎስ ነዚ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ንጥፈት እዚ፡ “መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት [ንስም ኣምላኽ] ዚእመና ፍረ ኸናፍር” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ። (እብ. 10:23፣ 13:15፣ ሆሴ. 14:2) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ብዛዕባ እነሕልፎ ግዜ፡ ብዙሕ ሓሳባት ኪወሃበሉ ይኽእል እዩ፣ እቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ ሓያሎ ኽፍልታት ከኣ፡ ብዛዕባ እዚ ንኼነቓቕሓና ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። ክንዝክሮ ዘሎና ነጥቢ ግና ኣሎ፣ እዚ ድማ፡ ወፍሪ ኣገልግሎትና ዀነ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት እንገብሮ ንጥፈታት፡ “መስዋእቲ ምስጋና”ን ክፍሊ ኣምልኾናን ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ጌርና ኸነቕርቦ ኣሎና። እተፈላለየ ዅነታት ኣብ ግምት ዚኣቱ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ እነሕልፎ ግዜ፡ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ኣመለኻኽታ እዩ ዜንጸባርቕ።
11 ክርስትያናት ብብሕቲ ወይ ብጕጅለ ኣዘውቲሮም ዜሕልፍዎ ንኣምልኾ ዚኸውን ግዜ ይውፍዩ እዮም። የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር ይደልየና እዩ። ነቲ ጽኑዕ ሕጊ ዝነበረ ዕረፍቲ ሰንበት ክንሕሉ ወይ በዓላት ከነብዕል ኢልና ኣዘውቲርና ናብ የሩሳሌም ክንጕዓዝ ከም ዘየድልየና ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣብ ጥንቲ ዚበዓል ዝነበረ በዓላት ምስ ናብራ ክርስትያን ዚመሳሰለሉ ነጥብታት ኣለዎ። ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ስጋዊ ነገራት እነሕልፎ ግዜ፡ ቃሉ ንምጽናዕን ንምጽላይን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብን ክንምድብ ይደልየና እዩ። ርእስታት ስድራ ቤት ድማ ተበግሶ ወሲዶም ንኣባላት ስድራ ቤቶም፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ይመርሑሎም እዮም። (1 ተሰ. 5:17፣ እብ. 10:24, 25) ብዛዕባ መንፈሳዊ ንጥፈታትና፡ ‘ንኣምልኾይ ከመሓይሾዶ ምኸኣልኩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግባእ።
12. (ሀ) እቲ ጥንቲ ንኣምልኾ ዚቐርብ ዝነበረ ዕጣን፡ ሎሚ ምስ ምንታይ እዩ ኺመሳሰል ዚኽእል፧ (ለ) እዚ ንጽጽር እዚ ንትሕዝቶ ጸሎትና ኺጸልዎ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧
12 ንጉስ ዳዊት፡ “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን . . . ይኹን” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 141:2) ብዛዕባ ጸሎትካ፡ ማለት ብዛዕባ ትሕዝቶኡ ዀነ ኽሳዕ ክንደይ ኣዘውቲርካ ኸም እትገብሮ እሞ ሕሰብ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ “ጸሎት እቶም ቅዱሳት” ምስ ዕጣን ተመሳሲሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ቅቡል ጸሎት፡ ልክዕ ከም ጥዑም ዕጣንን ከም ባህ ዜብል ሽታን ናብ የሆዋ ኸም ዚዓርግ የመልክት። (ራእ. 5:8) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቲ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ብስሩዕ ዚቐርብ ዝነበረ ዕጣን፡ ብጥንቃቐን ብትኽክልን ክዳሎ ነበሮ። የሆዋ ነቲ ዕጣን ዚቕበሎ ዝነበረ፡ ብመሰረት መምርሒኡ ምስ ዚቐርብ ጥራይ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 30:34-37፣ ዘሌ. 10:1, 2) ንሕና እውን ልባዊ ጸሎት ከነቕርብ ከለና ኸምኡ እንተ ጌርና፡ ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዚረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ምሃብን ምቕባልን
13, 14. (ሀ) ኤጳፍሮዲጦስን ጉባኤ ሰብ ፊልጵን ንሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ እዮም ገይሮምሉ፧ ጳውሎስከ እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) ነቲ ኤጳፍሮዲጦስን ሰብ ፊልጵን ዝገደፍዎ ኣብነት ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧
13 እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ዚወሃብ ውጽኢት ገንዘብ፡ ይውሓድ ይብዛሕ፡ ምስ መስዋእቲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። (ማር. 12:41-44) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ፡ ንጳውሎስ ብስጋ ዜድልዮ ነገራት ንኸተማልኣሉ ኢላ ንኤጳፍሮዲጦስ ለኣኸትሉ። እዚ ልኡኽ ሰብ ፊልጲ እዚ፡ ካብታ ጉባኤ እተዋህቦ ገንዘብ ሒዙ ኸም ዝኸደ ርዱእ እዩ። ሰብ ፊልጲ ንጳውሎስ ልግሶም ዝገለጽሉ እዋን፡ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይነበረን። ነዚ ገንዘብ እዚ ዝሰደዱሉ ምኽንያት ከኣ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ገንዘብ ከይተጨነቐ ዝያዳ ግዜኡ ኣብ ኣገልግሎት ንኼሕልፎ ኢሎም እዮም። ጳውሎስከ ንውህበቶም ብኸመይ ረኣዮ፧ “ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእቲ” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ። (ፊልጲ 4:15-19 ኣንብብ።) ጳውሎስን የሆዋን ንለውሃት ሰብ ፊልጲ ብሓቂ ኣማስዮምሉ እዮም።
14 የሆዋ ሎሚ እውን ነቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ እንውፍዮ ገንዘብ ኣጸቢቑ የማስወሉ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናብራና ወትሩ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምና፡ ንዅሉ እቲ ብመንፈስን ብስጋን ዜድልየና ነገራት ኪሓልየልና ምዃኑ ተማባጺዑልና እዩ።—ማቴ. 6:33፣ ሉቃ. 6:38።
ሞሳኻ ግለጽ
15. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ እተማስወሉ ነገራት እንታይ እዩ፧
15 ንየሆዋ እነማስወሉ ምኽንያታት ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ፡ ንዅሉ ዘርዚርና ኽንውድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፡ ህይወት ስለ ዝሃበና መዓልታዊ ኸነመስግኖ ኣይግብኣናንዶ፧ ንኽንነብር ዜድልየና ዘበለ ነገራት፡ ማለት ምግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ ዀነ ኣየር ይህበና እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት እተመስረተ እምነትና፡ ተስፋ ይህበና። ስለዚ እምበኣር፡ ንየሆዋ ስለ ዝፈጠረናን ስለቲ ዝገበረልና ነገራትን ከነምልኾን መስዋእቲ ምስጋና ኸነቕርበሉን ይግባእ።—ራእይ 4:11 ኣንብብ።
16. ንመስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧
16 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝሃበና ኽቡር ህያብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እዩ። እዚ ኣምላኽ ንዓና ፍቕሩ ዝገለጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። (1 ዮሃ. 4:10) ነዚ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ጳውሎስ፡ “ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ . . . ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” በለ። (2 ቈረ. 5:14, 15) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንጸጋ ኣምላኽ ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ህይወትና ንየሆዋን ንወዱን ንምኽባር ከም እንጥቀመላ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እቲ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘሎና ፍቕርን ሞሳን፡ ብተኣዛዝነትናን በቲ ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን ዘሎና ባህግን ኪግለጽ ይኽእል እዩ።—1 ጢሞ. 2:3, 4፣ 1 ዮሃ. 5:3።
17, 18. ገሊኣቶም ነቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ መስዋእቲ ምስጋና ዜዛይድዎ በየናይ መገድታት እዮም፧ ኣብነት ሃብ።
17 ነቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና ኸተመሓይሾ ምኸኣልካዶ፧ ሓያሎ ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ሰናይ ነገራት ድሕሪ ምስትንታኖም፡ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዚገብርዎ ተሳትፎ ንምዝያድ፡ ኣብ ግዜኦምን ንጥፈታቶምን ምትዕርራይ ኪገብሩ ተደሪኾም እዮም። ገሊኣቶም ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃን ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ስሩዓት ፈለምቲ ብምዃን ኬገልግሉ ኽኢሎም እዮም። ገሊኣቶም ድማ፡ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም። እዚ ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል ብሉጽ መገድታትዶ ኣይኰነን፧ ነዚ ቕዱስ ኣገልግሎት እዚ፡ ሞሳና ንምግላጽን ንምምስጋንን ብዚብል ጽቡቕ ድራኸ ተላዒልና እንተ ጌርናዮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣለዎ።
18 ሓያሎ ክርስትያናት፡ ገለ ስጕምትታት ብምውሳድ ንየሆዋ ሞሳኦም ኪገልጹሉ ተደሪኾም እዮም። ሓንቲ ኻብኣቶም ሞረይና እያ። ንሳ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዝነበራ ሕቶታት ካብቲ ዝዓበየትሉ ሃይማኖት ካቶሊክን ካብ ፍልስፍና እስያን መልሲ ኽትረክብ ሃሰስ በለት። ይኹን እምበር፡ ካብ ክልቲኡ መልሲ ኣይረኸበትን። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት እያ መንፈሳዊ ጽምኣ ኣርውያ። ንዅሉ ሕቶታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መልሲ ብምርካባ፡ እዚ ድማ ኣብ ናብራኣ ቕሳነት ስለ ዘምጽኣላ፡ ንየሆዋ ብዅሉ ሓይላ ብምግልጋል ምስጋናኣ ኽትገልጸሉ ተደረኸት። ደድሕሪ ጥምቀታ ስርዕቲ ሓጋዚት ፈላሚት ኰነት፡ ኵነታት ምስ ኣፍቀደላ ድማ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት። እዚ 30 ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት እያ።
19. ነቲ ንየሆዋ እተቕርቦ መስዋእቲ ብኸመይ ከተዛይዶ ትኽእል፧
19 ፈለምቲ ንምዃን ኵነታቶም ዘይፈቕደሎም ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣለዉ። ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከከም ዓቕምና እጃምና ብምብርካት፡ ንየሆዋ ቕቡል መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸነቕርበሉ ንኽእል ኢና። ኵሉ ሳዕ ንየሆዋ ኸም እንውክሎ ብምዝካር፡ ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ብኣካይዳና ተጠንቂቕና ኽንሕልዎ ኣሎና። ዕላማታት የሆዋ ኸም ዚፍጸም ምሉእ እምነት ኣሎና። ብሰናይ ግብርና፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ንሕግዝ ኢና። በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ነገራት ብሓቂ ኸም እነማስወሉ ነርኢ። ሃየ እምበኣር፡ ብምሉእ ነፍስና ወትሩ መስዋእቲ ነቕርበሉ።
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሕያውነት የሆዋ፡ መስዋእቲ ምስጋናኻ ንምምሕያሽ ይድርኸካ ድዩ፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ንዅሉ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚታት፡ ምስክርነት ንምሃብ ትጥቀመሉ ዲኻ፧