ምልክታታት
◼ እንጥቀመሎም ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- እታ ጉባኤ ኣብ መኻዚኖ ዘለዋ ዝኾነ ቅድሚ 1982 እተሓትመ 192-ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። እተን ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ኣብ መኻዚኖ ዘይብለን ጉባኤታት ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ [እንግሊዘኛ ወይ ኣምሓርኛ] ወይ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) ክዕድላ ኣለወን። ለካቲት:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ክትዕደል ኢያ። ዕደላ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብተመላሊስካ ምብጻሕ ምክትታል ክግበረሉን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ጻዕርታት ክግበርን ኣለዎ። መጋቢት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብተደጋጋሚ ንእተዳህሰሰ ዞባታት ዝኾነ ብሮሹር (ብዘይካ እታ ቤት ትምህርቲ [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] ብሮሹር) ምጥቃም ይከኣል ኢዩ። ኣብ ተመላሊስካ ምሕታት ተገዳስነት ምስ ዝህሉ ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክብርከት ይከኣል ኢዩ። መታሓሳሰቢ:- እተን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጽሑፋት ዘይሓተታ ጉባኤታት በቲ ናይ ዝመጽእ ወርሓዊ ቅጥዒ መሕተቲ ጽሑፋት (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን።
◼ ጉባኤታት ነቲ ናይዛ ዓመት እዚኣ ዝኽሪ ዓርቢ 14 ሚያዝያ ድሕሪ ጽሓይ ምዕራባ ከብዕላ ዝሳማማዕ ምትዕርራያት ክገብራ ኣለወን። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናታ ዝኽሪ በዓል ክትገብር ኣድላይ እኳ እንተኾነ: እዚ ግን ኵሉ ግዜ ኣይከኣልን ይኸውን። ኣብቲ ብዙሓት ጉባኤታት ሓደ መንግስቲ ኣደራሽ ዝጥቀማሉ ምናልባት ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ነታ ምሸት እቲኣ ክጥቀማሉ ዝኽእላ ካልእ መሳለጥያ ክረኽባ ይኽእላ ኢየን። ነቶም ሓደስቲ ተገደስቲ ምእንቲ ከይጽግሞም እቲ ዝኽሪ ኣምስዩ ክጅምር ኣይግብኦን። ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ እቲ በዓል ወይ ብድሕሪኡ ንበጻሕቲ ሰላም ንምባል: ንገሊኦም ቀጻሊ ዝኾነ መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ ምትዕርራይ ንምግባር ወይ ድማ ብሓፈሻዊ ናይ ምትብባዕ ምልውዋጥ ክትሕጐስ ግዜ ምእንቲ ክህሉ እቲ መደብ ኣዝዩ እተጻበበ ኪኸውን ኣይግብኦን። ንኹሎም ረቋሒታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታው እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣብቲ ዝኽሪ ዝእከቡ ብምሉእ ምእንቲ ክጥቀሙ እንታይ ምትዕርራያት ብዝበለጸ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ክውስኑ ኣለዎም።
◼ ሰንበት 23 ሚያዝያ 1995 ንኹለን ጉባኤታት ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ክወሃብ ኢዩ። እቲ ኣርእስቲ “ናይ ሓሶት ሃይማኖት መወዳእታ ቀሪቡ ኢዩ” ዝብል ኢዩ። ነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብቲ ዝኽሪ እተሳተፉ ክትዕድሞም ርግጸኛ ኵን። ነቶም ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበረሎም ዘሎ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንምሕጋዝ ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ደድሕሪ እቲ ኣኼባ ዝቐርብ ሓበሬታ ክቕስቅሶምን እቶም ኣሕዋት ሓንቲ ፍልይቲ ትራክት ኣብ ምዝርጋሕ ግደ ክህልዎምን ክጽበዩ ኢዮም። ምስኡ ድማ ንወልቀ–ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራትን ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሳማማዕ ውሳኔ ምግባር ኣድላይነቱን ከመልክት ኢዩ።
◼ ካብ መጋቢት እቲ ንናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ይዕወት” ዝብል ኪኸውን ኢዩ። እዚ ነቲ ኣብ 1993 ከምኡውን 1994 ዓመት ኣገልግሎት እተኻየደ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ፍሉይ ኣህጉራዊ ኣኼባ ዘጕልሕ ናይ ዘይንቀሳቐስ ፊልም ምድላው ኢዩ። ኣብቲ እዚ ዘይንቀሳቐስ ፊልም ኣብ እዋኑ ዘይርከበሉ ቦታታት: እቶም ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ “ኣብቲ አምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ ተኣመን” ዘርእስቱ ዝርርብ ክህቡ ኢዮም: ክሳዕ እቲ ዘይንቀሳቐስ ፊልም ዝቕበሉ ድማ በዚ ክቕጽሉ ኢዮም። ኵለን ጉባኤታት ነቲ ዝርርብ ናይቲ ዘይንቀሳቐስ ፊልም ምስ ወድኣ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ክሳዕ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ 1996 ሓድሽ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝርርብ ዝምደብ: እቶም ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ “ኣብቲ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ ተኣመን” ዘርእስቱ ዝርርብ ምሃብ ክቕጽሉ ኢዮም።
◼ ኣብቲ ናይ 9 ጥሪ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እተረኽቡ ኵሎም እተጠመቑ ኣስፋሕቲ: ንዓታቶም ናይ ብሕቲ ቅዳሕ ናይ ቅድመ ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ንደቆም ድማ መንነት ወረቐት ክወሃቦም ኢዩ።