ንሓድሕድና ክንተሓጋገዝ ዘሎና ሓላፍነት
1 ምስቲ ብዙሓት ሓደስቲ ናብቲ ክቡር ቦታ ናይ የሆዋ ሓቀኛ ኣምልኾ ክውሕዙ ምርኣይ ዘሎና ዓቢ ሓጐስ (ኢሳ. 2:2, 3) ሓደ ኣገዳሲ ሓላፍነት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ጳውሎስ ንመዓይይቱ ጢሞቴዎስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 2:2 ክጽሕፈሉ ከሎ: ነዚ ነጥቢ እዚ ኣነጺሩ ጠቒስዎ ኣሎ። እቲ ነጥቢ ኣብ ንሓድሕድካ ምልምማድን ምትሕግጋዝን ኢዩ።
2 ኵሎም ሽማግለታትን ዲያቆናትን: ብፍላይ ድማ እቶም ናይ መጽሓፍ ትምህርቲ ዝመርሑ ወይ ሓገዝቲ: ብዛዕባ ኣብ ንሓድሕድካ ምልምማድን ምትሕግጋዝን ኣገዳሲ ተራ ኢዮም ዝጻወቱ። ብፍላይ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዕቤት ክገብሩ ኣብ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ዕላማ ዘለዎ ጻዕሪ ክቕስቅስ ኢዩ። ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክፍልታትን ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታትን ነቲ ንጉባኤኹም ዘድሊ ነጥብታት ብግቡእ ከተቕርብዎ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክህባኹም ኢየን። ብሓፈሻ ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ብውልቅን ኣብ ናይ ስድራቤት ዓንኬልን ክድገፍ ኣለዎ። ኣብዚ ዝኾነ ተሞክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኣዝዩ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።
3 ኣብ ግራትና ፍሉይ ኣቓልቦ ዘድልዮም ነጥብታት እንታይ ኢዮም? እቶም እንቕበሎም ጸብጻባት ንኣድላይነት ናይ ዞባና ምሽፋን: መልእኽትና ዝያዳ ውጽኢታዊ ገይርና ምቕራብ: ሕታማት ብጽቡቕ ምጥቃም: ዝያዳ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ዝሕብሩ ኢዮም።
4 ብግብሪ: እዚ ካብ ቤት ናብ ቤት ንኽትከይድ ኣብ ንሓድሕድካ ምትሕግጋዝ ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ ካብ መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] መእተዊታት ከምኡውን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ናይ መወዳእታ ገጻት ዘሎ ኣቀራርባ ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባን ኣብ ናይ ልምምድ ግዜን ምድግጋም ማለት ኢዩ። ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ክኸውን ዝኽእል ናይ ተገደስቲ ጽቡቕ መዘኻኸሪ ክትወስዱ ኣብ ንሓድሕድኩም ተዘኻኸሩ። በቲ መዘኻኸሪታትኩምን ካብቲ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ናይ መወዳእታ ገጽ ዘሎ ሓሳባትን ተጠቒምኩም መሊስኩም ብምድላው ንተመላሊስካ ምብጻሕ ግዜ መድቡ። ከምኡውን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጻዊዕትኩም ትራክት ተጠቒምኩም ወይ ድማ ነቲ ብዓል ቤት ካብታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል ናይ እንግሊዘኛ መጽሓፍ ዘሎ ናይ ኣርእስቲ መውጽኢ (ገጽ 5, 6) “ዘገድሶ” ኣርእስቲ ክመርጽ ብምሕታት ጽንዓታት ንምምራሕ ተለማመዱ። ኣብ መንጎ እቲ እትገብርዎ ጻዊዒታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝሓሸ እንታይ ክግበር ምተኻእለ እናበልኩም ኣሰላስሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙ ተለማመዱ። ገለ ኣስፋሕቲ ብዘይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መገዲ ዕዮ ጥራይ ዝዓዩ እንተድኣ ኰይኖም ጽቡቕ ኵነታት ኣይኮነን።
5 ከምኡውን ንኻልእ ብናይ ኣገልግሎት ቦርሳታት: ትራክትታት: መጽሔታት: ብሮሹራትን ወርሓዊ ዝዕደሉን ብጽቡቕ ክዕጠቕ ክንሕግዞ ንኽእል ኢና። ገለ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ናብ ሰብ ድንኳንን ናብ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታትን ንምኻድ ምልምማድ ክቕበሉ የድልዮም ይኸውን: እዚ ድማ ምስትውዓል የድልዮ። ገሊኦም ድማ ንጥፈታቶም ከመይ ገይሮም ከም ዝቖጽርዎን ዝምዝግብዎን ከምኡውን ናይ ሓደስቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ መዓስ ክጽሕፉ ከም ዝጅምሩ መምርሒ የድልዮም ይኸውን። ብጠቕላላ: ነቶም ገና ናብ ማሕበር የሆዋ ክእከቡ እንጽበዮም ካልኦት: ንምምሃር ዘሎና ደረጃ ዝያዳ ጽቡቕ ኣቀራርጻ ዝህቡ ከነስተውዕለሎም ዝግባእ ብዙሓት ተግባራዊ ነጥብታት ኣለው።—ኢሳ. 60:4, 5